ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/3 ገጽ 14-19
  • እቶም ንቑሓት ኰይኖም ዝጸንሑ ሕጕሳት ኢዮም!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቶም ንቑሓት ኰይኖም ዝጸንሑ ሕጕሳት ኢዮም!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከም ሰራቒ ምምጻእ
  • ብኸመይ ንቑሓት ኴንና ከም እንጸንሕ
  • ግዜ ይጽንቀቕ ኢዩ ዘሎ
  • ብርግጽ: ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕ ኣሎና!
  • “ንቕሑ”!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ንመዓልቲ የሆዋ እተዳሎኻ ኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ‘ንቕሑ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/3 ገጽ 14-19

እቶም ንቑሓት ኰይኖም ዝጸንሑ ሕጕሳት ኢዮም!

“እንሆ: ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። . . . እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ።”​—⁠ራእይ 16:15

1. መዓልቲ የሆዋ ቀሪባ ስለ ዝዀነት: እንታይ ኢና ክንጽበ እንኽእል፧

እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቀሪባ ኢያ: ውግእ ማለት ድማ ኢያ! ሃዋርያ ዮሃንስ ቍርዖብ ዝመስሉ “ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ” ናብ ኵሎም ‘ነገስታት’ ወይ መራሕቲ ምድሪ ክወጹ ከለዉ ብራእይ ረኣየ። እንታይ ንምግባር፧ “በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም”! ዮሃንስ “ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን [ሃርማጌዶን] ዚበሀል ቦታ አከብዎም” ብምባል ወሲኹ ተዛ​­ረበ።⁠—⁠ራእይ 16:13-​16

2. ጎግ ማጎግ መን ኢዩ: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወኸ እንታይ ከጋጥም ኢዩ፧

2 የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነቲ ናይዚ ኣገባብ እዚ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኸጥፍኣ ከለዓዕሎ ኢዩ። (ራእይ 17:​1-5, 15-​17) ድሕርዚ ጎግ ማጎግ: እቲ ናብ ከባቢ ምድሪ እተደርበየ ሰይጣን ድያብሎስ: ጭፍርኡ ከሰልፍን ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላማውያንን መከላኸሊ ዘይብሎም ዝመስሉን ህዝቢ የሆዋ ድማ ብዘለዎ ሓይሊ መጥቃዕቲ ክፍኑን ኢዩ። (ህዝቅኤል 38:​1-​12) ኣምላኽ ግን ህዝቡ ንምድሓን ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። እዚ ድማ ምብራዕ ናይታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ክሕብር ኢዩ።​—⁠ዮኤል 2:​31፣ ህዝቅኤል 38:18-​20

3. ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 38:21⁠-23 ብትንቢት ተዘሪብሉ ዝነበረ ምዕባለታት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

3 እወ: የሆዋ ኣብቲ ሃርማጌዶን ወይ ኣርማጌዶን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኵነታት ዓለም ምስ በጻሕና ህዝቡ ከድሕን: ንነፍሲ ወከፍ ናይ መወዳእታ ኣሰር ኣገባብ ሰይጣን ድማ ከጥፍእ ኢዩ። ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 38:21-​23 ዝርከብ ትንቢታዊ ቃላት ኣንብቦ እሞ: ነቲ ዅነታት ድማ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። የሆዋ ብርቱዕ ሃጽፊ: ዘዕኑ በረድ: ዝልቝምጽ ሓዊ: ዝቐትል ፌራ ንምውራድ ሓይሉ ክጥቀመሉ ኢዩ። ናይ ጎግ ጭፍራታት ኣብ ንሓድሕዶም ብምውጋእ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ምስ ኣተዉ ኣብ ምሉእ ዓለም ራዕዲ ክሰፍን ኢዩ። የሆዋ ኣገልገልቱ ንምድሓን ልዕለ⁠-ባህርያዊ ኣገባብ ክጥ​­ቀም ከሎ ዝዀነ ይኹን ዝተረፈ ጸላኢ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክቕተል ኢዩ። እቲ ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ “ዓቢ ጸበባ” ምስ ተወድአ: ካብዚ ርኹስ ኣገባብ ሰይጣን ዝትርፍ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይክህሉን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21 NW ) ይኹን እምበር: እቶም እኩያት ጻዕረ ሞት ሒዝዎም ከሎ እውን ከይተረፈ መቕዘፍቲ ዘው⁠ረደሎም መን ምዃኑ ክፈልጡ ኢዮም። እቲ ዕዉት ኣምላኽና ባዕሉ ከምዚ ይብል:⁠- “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።” እዚ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ፍጻመታት ኣብ ግዜና: ኣብ እዋን ህላወ የሱስ ክፍጸም ኢዩ።

ከም ሰራቒ ምምጻእ

4. የሱስ ነዚ እኩይ ኣገባብ ንምጥፋእ በየናይ ኣገባብ ኢዩ ክመጽእ፧

4 እቲ ክብሪ ዝለበሰ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ “እንሆ: ከም ሰራቒ እመ​­ጽእ አሎኹ” በለ። ከም ሰራቒ ምም​ጻእ ሃንደበት: ትጽቢት ኣብ ዘይተገብሮ ግዜ: መብዛሕትኦም ሰባት ደቂሶም ከለዉ ኢዩ። የሱስ ነዚ እኩይ ኣገባብ ንምጥፋእ ከም ሰራቒ ኰይኑ ክመጽእ ከሎ: ነቶም ብሓቂ ንቑሓት ኰይኖም ዝጸንሑ ከድሕኖም ኢዩ። ንዮሃንስ ከምዚ በሎ:⁠- “ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ: እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ።” (ራእይ 16:15) ናይዚ ቓላት እዚ ትርጕም እንታይ ኢዩ፧ ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

5. የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንኣገልግሎት ቤት መቕደስ ዝኸ​ውን እንታይ ስርዓት ኢዩ ዝነበረ፧

5 ብሓፈሽኡ: ሓደ ዋርድያ ኣብ ሓለዋ ከሎ እንተድኣ ደቂሱ ክዳኑ ተቐንጢጡ ጥርሑ ኣይከውንን ኢዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ግን: ናይ ካህናትን ሌዋውያንን ክፍልታት ድማ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ከገልግሉ ከለዉ ከምዚ ዝበለ ነገር ይግበር ነይሩ ኢዩ። ንጉስ ዳዊት ኣብ መበል 11 ክፍለ⁠-ዘበን ነቶም ብኣማእታት ዝቝጸሩ ናይ እስራኤል ካህናትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተሓጋገዝቶም ሌዋውያንን ኣብ 24 ክፍልታት ብምምቃል ኣመሓደሮም። (1 ዜና መዋእል 24:​1-​18) ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝዀኑ እተለማመዱ ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እንተ ወሓደ ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ንሓደ ምሉእ ሰሙን ኣብቲ ናይ ቤት መቕደስ ኣገልግሎት ዘሎ ዕዮታት በብተራ የገልግል ነበረ። ኣብ እዋን በዓል ዳስ ግን: ብምሉኡ እቲ 24 ክፍልታት ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብኡ ይርከብ። ኣብ በዓላት ፋስጋ ተወሳኺ ሓገዝ እውን የድሊ ነይሩ ኢዩ።

6. የሱስ “እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ” ክብል ከሎ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ፧

6 የሱስ “እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ” ክብል ከሎ: ነቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ናይ ሓለዋ ዕዮ ዘጠቓልል ኣብቲ እዋን እቲ ዝሰዓብ ዝነበረ ኣገባብ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ ዝኸውን። ናይ ኣይሁድ ሚሽናህ ከምዚ ይብል:⁠- “እቶም ካህናት ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣብ ዝርከብ ሰለስተ ቦታታት ኰይኖም ኢዮም ዝሕልዉ:⁠- ኣብቲ ናይ ኣብቲናስ ክፍሊ: ናይ ሃልሃልታ ክፍሊ: ከምኡውን ኣብቲ ናይ መጋርያ ክፍሊ፣ እቶም ሌዋውያን ድማ ኣብ ዕስራን ሓደን ቦታታት ይሕልዉ:⁠- ሓሙሽተ ኣብቲ ሓሙሽቲኡ ኣፍ ደገታት ቤት መቕደስ: ኣርባዕተ ኣብቲ ብውሽጢ ዘሎ ኣርባዕተ ኩርንዓት: ሓሙሽተ ኣብቲ ናይ ኣጸድ ቤት መቕደስ ሓሙሽቲኡ ኣፍ ደገታት: ኣርባዕተ ኣብቲ ብደገ ዘሎ ኣርባዕተ ኩርንዓት: ሓደ ኣብ ናይ መስዋእትታት ክፍሊ: ሓደ ኣብ ናይ መጋረጃ ክፍሊ: ሓደ ድማ ብድሕሪ እቲ ናይ ምሕረት ዓንዲ ዝነበረሉ ቦታ [ብወጻኢ ናይቲ ዳሕረዋይ መንደቕ ቅድስተ ቅዱሳን]። እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤት መቕደስ ኣብ ቅድሚኡ ዝበርህ ሽግ ሒዙ ንነፍሲ ወከፍ ዋርድያ እናዞረ ይርእዮ: ዝዀነ ይኹን ዋርድያ ብድድ ኢሉ ‘ኦ ሓለቓ ሓለውቲ ቤት መቕደስ: ሰላም ንኣኻ ይኹን!’ እንተድኣ ዘይበለ: ደቂሱ ከም ዘሎ ድማ እንተድኣ ተረጋጊጹ ብበትሩ ገይሩ ይሃርሞ: ክዳኑ ከንድደሉ ድማ መሰል ነይርዎ ኢዩ።”​—⁠ሚሽናህ: ሚዶት (“መለክዒታት”) 1: ሕጡበ⁠-ጽሑፍ 1-2: ብሀርበርት ዴንባይ እተተርጐመ።

7. እቶም ኣብቲ ቤት መቕደስ ኣብ ዕዮ ሓለዋ ዝነበሩ ካህናትን ሌዋውያንን ንቑሓት ኰይኖም ክጸንሑ ዘድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

7 እቶም ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ክፍልታት ዝነበሩ ብዙሓት ሌዋውያንን ካህናትን ንሓለዋ ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ርኹስ ነገር ናብቲ ኣጸድ ቤት መቕደስ ንኸይኣቱ ንምክልኻል ምሉእ ለይቲ ነቒሖም ይሓድሩ ነበሩ። እቲ ‘ሓለቓ ሓለውቲ ቤት መቕደስ’ ኣብ እዋን ሓለዋ ለይቲ ኣብ ኵለን እተን 24 ነቝጣታት ስለ ዝዘውር: ነፍሲ ወከፍ ዋርድያ ዕዮኡ ሸለል ብምባሉ ክተሓዝ እንተድ ዘይደልዩ ኣብታ ቦታኡ ነቒሑ ክጸንሕ ኣለዎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 4:1

8. ናይ ሓደ ክርስትያን ምሳልያዊ ክዳውንቲ እንታይ ኢዩ፧

8 ቅቡኣት ክርስትያናትን መገላግልቶምን ብመንፈስ ንቑሓት ኰይኖም ክጸንሑን ነቲ ምሳልያዊ ክዳውንቶም ድማ ክእርንብዎን የድልዮም ኢዩ። እዚ ነቲ ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ዝግበር ኣገልግሎት ዘሎና መዝነት ደጋዊ መረጋገጺ ኢዩ። ከም መርኣዪ ናይዚ ድማ: ነቲ ከም ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ መጠን ዘሎና ሓላፍነታትን መሰላትን ንምፍጻም ዝሕግዘና ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ: ወይ መስለጢ ሓይሊ ኣሎና። ነቲ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ዘሎና መዝነት ዕሽሽ ምባል በቲ ሓለቓ ናይታ ዓባይ ቤት መቕደስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ምትሓዝ ሓደጋ ኢዩ ዘውድቐና። ኣብቲ እዋን እቲ ብመንፈስ እንተ ደቂስና: ብምሳልያዊ መገዲ ክዳንና ተቐንጢጡ ጥራሕና ክንከውን ምሳልያዊ ክዳውንትና ድማ ክነድድ ኢዩ። ስለዚ ብመንፈሳዊ መገዲ ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ብኸመይ ንቑሓት ኴንና ከም እንጸንሕ

9. ብሓገዝ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ንመጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ብሓገዝ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ህርኩት መጽናዕቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምግባር ንመንፈሳዊ ንቕሓት ሓይሊ ዝውስኸሉ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ ንኣገልግሎት የዕጥቐና: ሓደገኛ ኵነታት ከጋጥመና ከሎ ይሕግዘና: ዘለኣለማዊ ሓጐስ ዝርከበሉ መገዲ ድማ የርእየና። (ምሳሌ 8:​34, 35፣ ያእቆብ 1:​5-8) መጽናዕትና ዓሚቝን እናወሰኸ ዝኸይድን ክኸውን ኣለዎ። (እብራውያን 5:​14–6:3) ስርዓታውያን ኴንና እተመገብናዮ ጽቡቕ መግቢ ንቑሓትን ትኩራትን ንኽንከውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ካብቲ ብጕድለት መግቢ ክመጽእ ዝኽእል ምፍዛዝ ክከላኸለልና ይኽእል ኢዩ። ብመንፈሳዊ መገዲ ብግቡእ ዘይንምገብን ድቁሳትን እንዀነሉ ምኽንያት የብልናን: ከመይሲ ኣምላኽ በቲ ቅቡእ ዝዀነ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ንመንፈሳዊ መግቢ ዝኸውን ኣኽል⁠-ታርፍ ምድላዋት ይገብር ኢዩ ዘሎ። (ማቴዎስ 24:45-​47 NW ) ብናይ ብሕትን ስድራቤትን መጽናዕቲ ስርዓታውያን ኴንና መንፈሳዊ መግቢ ምምጋብ ሓደ ካብቲ ንቑሓት ኴንና እንጸንሓሉን ‘ብእምነት ጥዑያት’ እንዀነሉን መገዲ ኢዩ።​—⁠ቲቶስ 1:​13

10. ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕ ዝሕግዙና ብኸመይ ኢዮም፧

10 ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ክንቅጽል ይሕግዙና ኢዮም። ‘ኣብ ንሓድሕድና ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ’ ዝኸውን ኣጋጣሚታትን ምትብባዕን ይህቡና ኢዮም። ‘እታ መዓልቲ ምቕራባ ክንርኢ’ ከሎና ብፍላይ ስርዓታውያን ኴንና ክንእከብ ኣሎና። ብርግጽ እታ መዓልቲ ሕጂ ቀሪባ ኢያ። ሉዓላውነቱ ዘረጋግጸላ “መዓልቲ ጐይታ” ኢያ። እታ መዓልቲ እቲኣ ንዓና ብሓቂ ኣገዳሲት እንተድኣ ዀይና​—⁠ክትከውን ድማ ኣለዋ​—⁠‘ኣኼባና ኣይክንሓድግን’ ኢና።​—⁠እብራውያን 10:24, 25፣ 2 ጴጥሮስ 3:​10

11. ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንመንፈሳዊ ንቕሓት ኣድላዪ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብምሉእ ልብና ምስታፍ ንመንፈሳዊ ንቕሓት ኣድላዪ ኢዩ። ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ስርዓታውን ቅንኢ ዘለዎን ተሳታፍነት ምግባር የንቅሓና ኢዩ። ኣገልግሎትና ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ: መንግስቱ: ከምኡውን ዕላማታቱ ንሰባት ክንዛረቦም ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይህበና ኢዩ። ካብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር: ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር: ከምኡውን ብኸም ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝኣመሰለ ጽሑፋት ገይርና ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዘዕግብ ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት ጳውሎስ “ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት” ከም ዝማሃሮም ክምስክሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21) ርግጽ ኢዩ: ገለ እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ነቲ ኣገልግሎቶም ብገለ መገዲ ዝዕንቅፎ ከቢድ ናይ ጥዕና ግድላት ኣለዎም: ግናኸ ብዛዕባ የሆዋን ንግስነቱን ንኻልኦት ዝዛረብሉ መገድታት ይረኽቡ ኢዮም: ከምዚ ብምግባሮም ድማ ብዙሕ ሓጐስ የስተማቕሩ።​—⁠መዝሙር 145:10-​14

12, 13. ኣብ ብልዕን መስተን ህሩፋት ካብ ምዃን ክንርሕቀሉ ዘሎና ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧

12 ኣብ ብልዕን መስት ህሩፋት ካብ ምዃን ምርሓቕ ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕ ክሕግዘና ኢዩ። የሱስ ብዛዕባ ህላወኡ ክዛረብ ከሎ: ንሃዋርያቱ ከምዚ ብምባል ተላበዎም:⁠- “እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።” (ሉቃስ 21:​7, 34, 35) ህርፋንን ስኽራንን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሰማማዕን ኢዩ። (ዘዳግም 21:18-​21) ምሳሌ 23:20, 21 ከምዚ ትብል:⁠- “ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ: ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ: ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ: ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።”​—⁠ምሳሌ 28:7

13 ይኹን እምበር: ብዙሕ ምብላዕን ምስታይን ኣብቲ ደረጃ እቲ ዘይበጽሕ እኳ እንተዀነ: ንሓደ ሰብ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝምልከት ድንዙዝ: ሃካይን ሸለልተኛን እውን ከይተረፈ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ንናብራ ስድራቤት: ጥዕና: ከምኡውን ንኻልእ ነገራት ዝምልከት ሻቕሎት ከም ዘሎ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ህይወትና ንረብሓታት እታ መንግስቲ ቀዳማይ ቦታ እንተድኣ ሂብና ሰማያዊ ኣቦና ክሓልየልና ምዃኑ ድማ እምንቶ እንተ ኣልዩና ሕጕሳት ክንከውን ኢና። (ማቴዎስ 6:​25-​34) እንተ ዘይኰይኑ: “እታ መዓልቲ” ከም “መፈንጠራ:” ምናልባት ከምቲ ንሓደ እንስሳ ዝማርኾ: ከይጠርጠረ ኸሎ ድማ ዝሕዞ ነገር ዝኣመሰለ: ከም ሓደ መታለሊ ዝዀነ መፈንጠራ ኣዳህሊላ ክትመጸና ትኽእል ኢያ። ንቑሓት ኴንና እንተድኣ ጸኒሕና: ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ንነብር ከም ዘሎና ድማ ምሉእ ብምሉእ እንተድኣ ተገንዚብና ከምዚ ኣይከጋጥመናን ኢዩ።​—⁠ዳንኤል 12:4

14. ልባዊ ጸሎት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ልባዊ ጸሎት ንመንፈሳዊ ንቕሓት ዘድሊ ካልእ ሓገዝ ኢዩ። የሱስ ኣብቲ ዓቢ ትንቢቱ ወሲኹ ከምዚ ብምባል ይላቦ:⁠- “ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።” (ሉቃስ 21:36) እወ: ወርትግ ኣብ ወገን የሆዋ ምእንቲ ክንቀውም: የሱስ እቲ ወዲ ሰብ ነዚ እኩይ ኣገባብ ከጥፍእ ምስ መጸ ስምረት ዘለዎ ኣቃውማ ንኽንረክብ: ንጸሊ። ንጥቕምናን ንጥቕሚ እቶም እንጽልየሎም ኣመንቲ ብጾትናን ‘ብጸሎት ክንነቅሕ’ የድልየና ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 4:2፣ ኤፌሶን 6:​18⁠-20

ግዜ ይጽንቀቕ ኢዩ ዘሎ

15. በቲ ከም ሰበኽቲ ጽድቂ መጠን እንገብሮ ኣገልግሎት እንታይ ኢዩ ዝፍጸም፧

15 ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ክንጽበያ ከሎና: ኣብ ኣገልግሎቱ ዝከኣለና ዘበለ ክንገብር ከም እንደሊ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ብዛዕባ እዚ ልባዊ ጸሎት እንተድኣ ኣቕሪብና ‘[“ናብ ዕዮ ዝመርሕ:” NW ] ዓቢ ደገ’ ይኽፈተልና ይኸውን። (1 ቈረንቶስ 16:​8, 9) የሱስ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ምዱብ ግዜ: ፍርዲ ከውርድ: ነቶም ንዘለኣለማዊ ህይወት ብቑዓት ዝዀኑ ጻድቃን “ኣባጊዕ” ድማ ካብቶም ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዝግብኦም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም “ኣጣል” ክፈላልዮም ኢዩ። (ዮሃንስ 5:​22) ነተን ኣባጊዕ ካብተን ኣጣል እንፈላሊ ንሕና ኣይኰንናን። ከም ሰበኽቲ ጽድቂ መጠን እንገብሮ ኣገልግሎት ግን ንሰባት ሕጂ ንኣምላኽ ብምግልጋል ህይወት ክረኽቡ ኣጋጣሚ ይህቦም ኢዩ ዘሎ: በዚ ድማ የሱስ “ብኽብሩ ምስ መጸ” ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ይህልዎም። እቲ ነዚ ኣገባብ እዚ ተሪፍዎ ዘሎ ሓጺር ግዜ: ነቶም “ንዘለኣለማዊ ህይወት ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ክንደሊ ከሎና ብምሉእ ልቢ ምዕያይ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:31-​46፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW

16. ቀናኣት ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ናይታ ኣብ መዓልትታት ኖህ ዝነበረት ዓለም ግዜ ተጸንቂቑ ኢዩ: ድሕሪ ቐረባ እዋን ድማ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ግዜ ክጽንቀቕ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ቀናኣት ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ ንኹን። ናይ ስብከት ዕዮና እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ: ከመይሲ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ምልክት ናይቲ ንኣምላኽ ዝገበርዎ ወፈያ ይጥመቑ ኢዮም ዘለዉ። ክፍሊ ናይታ የሆዋ ዝባረኻ ማሕ​በር​—⁠“ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን”​—⁠ኢዮም ዝዀኑ ዘለዉ። (መዝሙር 100:3) “እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ቅድሚ ምምጽኣ ኣብቲ ንኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ተስፋ ዝህብ ናይታ መንግስቲ ዕዮ ስብከት ምስታፍ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!

17, 18. (ሀ) ክንሰብኽ ከሎና: ካብ ገሊኦም እንታይ ምላሽ ኢና ክንጽበ ዘሎና፧ (ለ) ንመላገጽቲ ብርግጽ ዘጥፍኦም እንታይ ኢዩ፧

17 ልክዕ ከም ኖህ ደገፍን ዕቝባን ኣምላኽ ኣሎና። እወ: ሰባት: ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ: ከምኡውን ነፍሊም ነቲ ናይ ኖህ መልእኽቲ ኣባጪዮምሉ ክዀኑ ኣለዎም: እዚ ግን ንኖህ ካብ ምስባኽ ደው ኣየበሎን። ሎሚ: ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ዘርኢ ጕሉሕ መርትዖታት ክንሕብሮም ከሎና የባጭዉ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5) ከምዚ ዝበለ ላግጺ ናይቲ ንህላወ ክርስቶስ ዝምልከት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜ ኢዩ: ከመይሲ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ:⁠- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ . . . ንሳቶም ከኣ፤ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ: ኪብሉ እዮም።”​—⁠2 ጴጥሮስ 1:​16፣ 3:​3, 4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

18 ሎሚ ዘለዉ መላገጽቲ ‘ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣይተለወጠን። ሰባት እናበልዑ: እናሰተዩ: እናተመርዓዉ: ከምኡውን ቈልዑ እናዕበዩ ህይወት ይቕጽል ኢዩ ዘሎ። የሱስ እንተድኣ ኣልዩስ ኣብዚ ዘለኹዎ እዋን ፍርዲ ኣየውርድን ኢዩ’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተጋግዮም ዘለዉ! ልክዕ ከምቲ ነቶም ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት መቕዘፍታዊ መዓት ዘጥፍኦም: ነዚኣቶም እውን ክሳዕ ሽዑ ብሰንኪ ካልእ ምኽንያታት እንተድኣ ዘይሞይቶም እታ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ከተጥፍኦም ኢያ።​—⁠ማቴዎስ 24:34

ብርግጽ: ንቑሓት ኴንና ክንጸንሕ ኣሎና!

19. ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ንጥፈታትና ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧

19 ንየሆዋ እተወፈና እንተድኣ ኴንና: ዘይጠቅም ምኽንያታት ብምፍጣር ንኽንድቅስ ፈጺምና ኢድና ኣይነጣምር። እዚ ግዜ እዚ ንቑሓት ኴንና እንጸንሓሉ: ኣብ መለኮታዊ ትንቢት እምነት እነርእየሉ: ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር’ እተዋህበና መዝነት ከኣ እንፍጽመሉ ግዜ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዚ ኣገባብ እዚ ናብ መወዳእታ ገጹ እናቐረበ ይኸደሉ ኣብ ዘሎ እዋን: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ንየሆዋ ኣምላኽ ካብ ምግልጋል: መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ድማ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት “ወንጌል መንግስቲ” ካብ ምክፋል ዝዓቢ መሰል ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:14፣ ማርቆስ 13:10

20. ብካሌብን እያሱን እንታይ ኣብነት ኢዩ እተሰርዐ: እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲኸ እንታይ ኢዩ ዝሕብረና፧

20 ገለ ካብ ህዝቢ የሆዋ ንዓሰርተታት ዓመታት: ምናልባት ምሉእ ህይወቶም ከገልግልዎ ጸኒሖም ኢዮም። እቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓቀኛ ኣምልኾ እተቐበልና እንተዀንና እውን ከይተረፈ: ከምቲ ‘ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ዝሰዓበ’ እስራኤላዊ ካሌብ ንኹን። (ዘዳግም 1:​34-​36) እስራኤላውያን ካብ ኣርዑት ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ኣብ ዝነበረ ሓጺር ግዜ ንሱን እያሱን ናብታ ምድሪ ተስፋ ክኣትዉ ተዳልዮም ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: እቶም ዓበይቲ እስራኤላውያን ብሓፈሻ እምነት ብምጕዳሎም ኣብቲ ዝሞትሉ ምድረ በዳ 40 ዓመታት ኰለል ክብሉ ነበሮም። ካሌብን እያሱን: እዚ ዅሉ ዓመታት ምስኣቶም ብምዃን መከራታት ተጸሚሞም ኢዮም: ኣብ መወዳእታ ግን እዞም ክልተ ሰብኡት ናብታ ምድሪ ተስፋ ኣተዉ። (ዘሁልቍ 14:​30-​34፣ እያሱ 14:​6-​15) ‘ንእግዚኣብሄር ፈጺምና’ እንተድኣ ‘ስዒብናዮ’ ብመንፈስ ድማ ንቑሓት ኴንና እንተ ጸኒሕና: ናብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ብምእታው ዝርከብ ሓጐስ ክህልወና ኢዩ።

21. ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና እንተድኣ ጸኒሕና ከመይ ዝበለ ተመክሮ ክህልወና ኢዩ፧

21 ኣብ መወዳእታ ግዜ ንነብር ከም ዘሎና: እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ድማ ከም ዝቐረበት መርትዖታት ኣነጺሩ ይሕብር ኢዩ። መለኮታዊ ፍቓድ ንምግባር ድቁሳትን ዕሽሽ በሃልትን እንዀነሉ ግዜ ኣይኰነን። ብመንፈስ ንቑሓት: ነቲ ከም ክርስትያናትን ናይ የሆዋ ኣገልገልትን መጠን ዘፍልጠና ክዳውንትና ድማ ንእርንብ እንተድኣ ኴንና ክንባረኽ ኢና። ‘ንቑሓት: ኣብ እምነት ጽኑዓት: ሰብኡት: ብርቱዓት’ ንምዃን ንቝረጽ። (1 ቈረንቶስ 16:13) ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን: ነፍሲ ወከፍና ጽኑዓትን ተባዓትን ንኹን። ድሕርዚ ኣብ መስመር ናይቶም ንቑሓት ዝዀኑ ሕጕሳት ሰባት ብተኣማንነት ከነገልግል ብምጽናሕ: ኣብ መንጎ እቶም እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ክትወቅዕ ከላ ድሉዋት ኰይኖም ዝርከቡ ክንህሉ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

◻ ንምሳልያዊ ክዳውንትና ብኸመይ ምገለጽካዮ: ብኸመይከ ኢና ክንእርንቦ እንኽእል፧

◻ ገለ ካብቲ ብመንፈስ ንቑሓት ኴንና እንጸንሓሉ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

◻ መላገጽቲ ከጋጥሙና ክንጽበ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ: ከመይ ገይርናኸ ኢና ክንርእዮም ዘሎና፧

◻ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ክርስትያናት ንቑሓት ንኽዀኑን ዕዮኦም ንኽፍጽሙን ምእንቲ ክሕግዞም ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብመንፈስ ንቑሕ ኴንካ ክትጸንሕን ምሳልያዊ ክዳውንትኻ ክትእርንብን ቈሪጽካዶ ኢኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ