ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ምጽባይ
ብሩዶልፍ ግሪከን እተዘንተወ
ወዲ 12 ዓመት ከሎኹ ስድራቤተይ ብሃንደበት ዘሕዝን ኵነታት ኣጋጠማ። መጀመርታ: ኣቦይ ተኣስረ። ድሕርዚ: ሓብተይን ኣነን ካብ ገዛና ወጺና ምስ ዘይንፈልጦም ሰባት ክንቅመጥ ብሓይሊ ተወሰድና። ጸኒሕና ኸኣ: ኣደይን ኣነን ብጌስታፖ ተተሓዝና። ኣነ ተኣሰርኩ: ኣደይ ድማ ኣብ ሓደ መዳጐኒ ደምበ ሞተት።
እዚ ብተኸታታሊ ዝሰዓበ ፍጻመታት ምጅማር ናይቲ ከም ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ብንእስነተይ ሕሱም መስጐጕቲ ዘሕለፍኩሉ እዋን ዝሕብር ጥራይ ኢዩ። እቲ ትካላት ናይ ናዚ ጌስታፖ ድሕሪኡ ድማ እቶም ናይ ምብራቕ ጀርመን ሽታዚ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበረኒ ንጽህና ከበላሽውዎ ፈቲኖም ኢዮም። ሕጂ: ድሕሪ 50 ዓመታት ናይቲ ንዕኡ ውፉይ ብምዃን ዘገልገልኩዎ ግዜ: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ክብል እኽእል ኢየ:- “ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ብዙሕ ጊዜ ኣጻበቡለይ: ግናኸ ኣይሰዐሩንን።” (መዝሙር 129:2) ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ዘመስግኖ!
ጥቓ ላፕሲግ: ጀርመን: ኣብ እትርከብ ሉካ ተባሂላ እትጽዋዕ ንእሽቶ ከተማ 2 ሰነ 1925 ተወለድኩ። ወለደይ: ኣልፍረት ከምኡውን ተሬዛ: ቅድሚ እቲ እተወለድኩሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ነቲ ኣብ ጽሑፋት ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ይፈልጥዎ ነይሮም ኢዮም። ነቲ ኣብ መናድቕ ገዛና ተሰቒሉ ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርኢታት ዝሓዘ ስእልታት መዓልቲ-መዓልቲ ክጥምቶ ከሎኹ እዝከረኒ። ሓንቲ ስእሊ ተዅላን ዕየትን: ነብርን ማሕስእን: ምራኽን ኣንበሳን ብሓንሳእ ሓቢሮም ብሓደ ንእሽቶ ወዲ ክጓሰዩ ከለዉ ተርኢ ነበረት። (ኢሳይያስ 11:6-9) ከምዚ ዝበለ ስእልታት ነባሪ ዝዀነ ጽልዋ ሓዲጉለይ ኢዩ።
ኣብቲ ምቹእ ዝዀነሉ እዋናት: ወለደይ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ይማልኡኒ ነበሩ። ንኣብነት: ኣብ ለካቲት 1933: ሂትለር ስልጣን ምስ ሓዘ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ፎቶ ድራማ ኦቭ ክርኤሽን—ምስቲ ዘይንቀሳቐስን ዝንቀሳቐስን ስእልታታ ከምኡውን ብድምጺ እተመልአ ዛንታ (እንግሊዝኛ)—ኣብታ ንእሽቶ ከተማና ትርአ ነበረት። ነታ “ፎቶ-ድራማ” ምስ ህዝቢ ንምልላይ ኣብ ድሕሪት ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ጽዕነት ማኪና ተሰቒለ ኣብ ከተማ ክዘውር ከሎኹ ከም ወዲ ሸውዓተ ዓመት መጠን ብዙሕ ሓጐስ ኢዩ ተሰሚዑኒ! ኣብዝን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን: እቶም ኣሕዋት ብዕድመ ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ ጠቓሚ ኣባል ናይታ ጉባኤ ምዃነይ ከም ዝስማዓኒ ገይሮምኒ ኢዮም። ስለዚ ንእሽቶ ከለኹ ኣትሒዘ: ብየሆዋ ተማሂረ ኢየ: ቃሉ ድማ ኣባይ ጽልዋ ገይሩ ኢዩ።
ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ንምግባር ተለማሚደ ኢየ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ጽኑዕ ክርስትያናዊ ገለልትነት ኣብቲ ናይ ናዚ ፖለቲካ ኢዶም ኣየእተዉን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብ1933 ሰበ-ስልጣን ናዚ ከይንሰብኽ: ከይንእከብ: ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትና እውን ከይተረፈ ከይነንብብ ዝኽልክል ሕግታት ኣመሓላለፉ። መስከረም 1937 ነቦይ ሓዊስካ ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበሩ ኣሕዋት ብጌስታፖ ተኣስሩ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣሕዘነኒ። ኣቦይ ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰር ተፈርደ።
እቲ ናይ ገዛና ኵነታት ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኰነ። ሽዑ ንሽዑ ግን ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ምግባር ተማሃርና። ሓደ መዓልቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ንገዛ ምስ መጻእኩ: ኣደይ ግምቢ ዘብዐኛ ተንብብ ነበረት። ምሳሕ ክትቅርበለይ ስለ ዝደለየት ድማ: ነታ መጽሔት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንእሽቶ ከብሒ ኣቐመጠታ። ድሕሪ ምሳሕ: ነቲ ፒያትታት እናኣለዓዓልናዮ ከሎና ማዕጾ ብብርቱዕ ተዃሕኰሐ። ኣብ ገዛና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ከይህሉ ክፍትሽ ዝደለየ ፖሊስ ኢዩ ነይሩ። ኣዝየ ድማ ፈራህኩ።
ብርቱዕ ሙቐት ዝነበረላ መዓልቲ ኢያ ነይራ። ስለዚ እቲ ፖሊስ መጀመርታ ዝገበሮ ነገር: ቆብዑ ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ምቕማጥ ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ምፍታሽ ቀጸለ። ኣብ ትሕቲ እቲ ጣውላ እናፈተሸ ኸሎ: ቆብዑ ሸተት ኢላ ክትወድቕ ጀመረት። ኣደይ ድማ ነታ ቆብዕ ቀልጢፋ ሒዛ: ልክዕ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ከብሒ ዝነበረት ግምቢ ዘብዐኛ ኣቐመጠታ! እቲ ፖሊስ ንገዛና ፈተሾ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ግን ኣይረኸበን። ርግጽ ኢዩ: ኣብ ትሕቲ ቆብዑ ምፍታሽ ፈጺሙ ኣይሓሰበሉን። ክኸይድ ምስ ተቐረበ: ነደይ ይቕረታ እናሓተተ ኢዱ ንድሕሪት ብምስዳድ ቆብዑ ወሰደ። ከመይ ዝበለ እፎይታ ኰን ኢዩ እተሰማዓኒ!
ከምዚ ዝበለ ተመክሮታት ካብዚ ንዝገድድ ኣሸጋሪ ፈተናታት ኣዳልዩኒ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ቈልዑ ልምምድ ወተሃደራዊ ዲስፕሊን ዝዋሃብሉን ኣእምሮኦም በቲ ናይ ናዚ ፍልስፍና ዝሕጸብሉን ማሕበር መንእሰያት ሂትለር ክሓብር ጸቕጢ ተገብረለይ። ገሊኦም መምህራን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ናይ ተማሃሮ ተሳትፎ ንምርካብ ብሕታዊ ሸቶ ነበሮም። መምህረይ: ሄር ሽናይደር: ከምቶም ኣብ ቤት ትምህርተይ ዝነበሩ ካልኦት መምህራን ዘይኰነስ: ካብቲ ክህሉ ዝነበሮ ምሉእ ተሳትፎ ሓደ ተማሃራይ ስለ ዝጐደሎ ፈጺሙ ፍሽለት ተሰሚዕዎ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ተማሃራይ እቲ ድማ ኣነ ኢየ ነይረ።
ሓደ መዓልቲ ሄር ሽናይደር ንብምሉኡ እቲ ክፍሊ “ተማሃሮ: ጽባሕ ንዙረት ክንወጽእ ኢና” ኢሉ ነገረ። ኵሉ ተማሃራይ ድማ ነቲ ሓሳብ ፈተዎ። ቀጺሉ ድማ “ኣብቲ ጐደናታት ክንዘውር ከሎና: ኵሉ ሰብ እሩማት ደቂ ሂትለር ምዃንኩም ክርኢ ምእንቲ ክኽእል: ኵላትኩም ነቲ ናይ ሂትለር መንእሰያት ዩኒፎርም ክትክደኑ ኣሎኩም” በለ። ንጽባሒቱ ንግሆ ብጀካይ ኵሉ ተማሃራይ ዩኒፎርም ተኸዲኑ መጸ። እቲ መምህር ኣብ ቅድሚ እቲ ኽፍሊ ኣውጺኡ “ነቶም ካልኦት ተማሃሮ እሞ ርኣዮም: ንርእስኻ ድማ ተመሊስካ ርኣያ” በለኒ። ቀጺሉ ኸኣ “ስድራቤትካ ድኻታት ስለ ዝዀኑ ዩኒፎርም ክዕድጉልካ ከም ዘይክእሉ እፈልጥ ኢየ: ሓደ ነገር ግን ከርእየካ” በለኒ። ናብቲ ሰደቓኡ ወሰደኒ: ሓደ ተመዛዚ ከፊቱ ድማ “እዚ ሓድሽ ዩኒፎርም ክህበካ ኢየ። ጽቡቕ ኢዩ: ኣይኰነንዶ፧” በለ።
ናይ ናዚ ዩኒፎርም ካብ ምኽዳን ክመውት ምመረጽኩ። መምህረይ ነቲ ዩኒፎርም ክኽደን ድልየት ከም ዘይብለይ ምስ ረኣየ: ሓረቐ: ብምልኡ እቲ ክፍሊ ድማ ብምጭዳር ደሃለኒ። ድሕርዚ ንዙረት ሒዙና ከደ: ንዓይ ግን ኣብ ማእከል እቶም ዩኒፎርም እተኸድኑ ካልኦት ተማሃሮ ከም ዝኸውን ብምግባር ክሓብኣኒ ፈተነ። ይኹን እምበር: ኣብ ከተማ ዝነበረ ብዙሕ ሰብ ካብ ማእከል ደቂ ክፍለይ ፈልዩ ክርእየኒ ይኽእል ነበረ። ወለደይ ይኹን ኣነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምንባርና ኵሉ ሰብ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንእሽተይ ከሎኹ እቲ ዘድሊ መንፈሳዊ ብርታዐ ስለ ዝሃበኒ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ።
እቲ መስጐጕቲ ይብርትዕ
ኣብ መጀመርታ ናይ 1938 ሓደ መዓልቲ: ሓብተይን ኣነን ካብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ናይ ፖሊስ ማኪና ተጻዒንና ናብቲ 80 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሽታትሮደ ዝነበረ መአረሚ ቤት ትምህርቲ ተወሰድና። ስለምንታይ፧ ኣብያተ ፍርዲ ካብቲ ናይ ወለድና ጽልዋ ኣርሒቖም ደቂ ናዚ ክቕይሩና ወሰኑ። ብዙሕ ከይጸንሐ ናይቲ መአረሚ ቤት ትምህርቲ ፐርሰነል ሓብተይን ኣነን ኣብ ክርስትያናዊ ገለልትነትና ጽኑዓት እኳ እንተ ነበርና: ኣኽበርትን እዙዛትን ምዃንና ተዓዘበ። እታ ዳይረክተር ኣዝያ ስለ እተተንከፈት ንኣደይ ብብሕቲ ክትረኽባ ደለየት። ንኻልእ ሰብ ዘይፍቀደሉ ድማ ኣደይ ክትበጽሓና ተፈቕደላ። ሓብተይ: ኣደይ: ከምኡውን ኣነ ኣዚና ተሓጐስና: ምሉእ መዓልቲ ንሓድሕድና ምእንቲ ክንተባባዕ ብሓንሳእ ንኽንሓብር ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበና ድማ ንየሆዋ ኣመስገናዮ። ብሓቂ ዘድልየና ነገር ኢዩ ነይሩ።
ኣብቲ መአረሚ ቤት ትምህርቲ ዳርጋ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኸውን ጸናሕና። ድሕርዚ ምስ ሓንቲ ፓና ኣብ እተባህለት ቁሸት እትርከብ ስድራቤት ክንነብር ተለኣኽና። እታ ስድራቤት ምስ ቤተሰብና ከይተራኽበና ትእዛዝ ተዋሂባ ነበረት። ኣደይ እውን ከይተረፈ ክትበጽሓና ኣይተፈቕደላን። እንተዀነ ግን: ኣብ ገለ ሒደት ኣጋጣሚታት ምሳና እትራኸበሉ መገድታት ረኸበት። ኣደይ ነቲ ሳሕቲ ዝርከብ ዝነበረ ኣጋጣሚታት ተጠቒማ: እቲ የሆዋ ዘፍቅዶ ፈተናታትን ኵነታትን እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ንዕኡ እሙናት ኴንና ኽንርከብ ኣብ ኣእምሮና ቈራጽነት ንኽተኽለልና ዝከኣላ ትገብር ነበረት።—1 ቈረንቶስ 10:13
እቲ ፈተናታት ድማ መጸ። 15 ታሕሳስ 1942: ወዲ 17 ዓመት ከሎኹ ብጌስታፖ ተታሒዘ ኣብቲ ጌራ ኣብ እትበሃል ከተማ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ኣተኹ። ሓደ ሰሙን ይኸውን ጸኒሑ: ኣደይ እውን ተታሒዛ ናብቲ ዝነበርክሉ ቤት ማእሰርቲ መጸት። ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝነበርኩ: ቤት ፍርዲ ክምርምረኒ ኣይከኣለን። ስለዚ ቤት ፍርዲ 18 ዓመት ክሳዕ ዝመልእ ክጽበ ከሎ: ኣደይን ኣነን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ገበርና። ልክዕ ኣብታ ወዲ 18 ዓመት ዝዀንኩላ መዓልቲ: ኣደይን ኣነን ናብ ፍርዲ ቐረብና።
ኣነ ከይፈለጥኩ ኵሉ ነገር ተወዲኡ ኢዩ ነይሩ። ነደይ እንደገና ከም ዘይርእያ ግን ብርግጽ ኣይፈለጥኩን ነይረ። እታ እትዝከረኒ ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣኹዋ: ኣብ ሓደ ጽልም ዝበለ ነዊሕ መንበር ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢላ ከላ ኢዩ። ክልቴና ገበነኛታት ተበሃልና። ኣነ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣደይ ድማ ንዓመትን መንፈቕን ክንእሰር ተፈረድና።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ደምበታትን እተኣስሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣነ ናብቲ ኣብ ከተማ ሽቶልበርግ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ተለኣኽኩ: ኣብኡ ድማ ንበይነይ ጥራይ ኢየ ምስክር ነይረ። ኣብ ጽምው ማሕቡስ ልዕሊ ዓመት ኣሕሊፈ ኢየ: የሆዋ ግን ምሳይ ነበረ። እቲ ንመንፈሳዊ ምድሓነይ ዝሓገዘኒ ቀንዲ ነገር: ብንእስነተይ ከሎኹ ኣብኡ ዝነበረኒ ፍቕሪ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምጽንሐይ: 9 ግንቦት 1945 እቲ ውግእ ምውድኡ ዝነግር ብስራት ሰማዕና! ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻእኩ። 110 ኪሎ ሜተር ብእግረይ ተጓዒዘ ዓደይ በጻሕኩ: ካብ ድኻምን ጥሜትን እተላዕለ ድማ ሓመምኩ። ጥዕና ክረክብ ከኣ ሓያለይ ኣዋርሕ ወሰደለይ።
ዓደይ ድሕሪ ምእታወይ ነዊሕ ከይጸንሐ ብዙሕ ዘጕሂ ነገራት ሰማዕኩ። መጀመርታ ዝሰማዕኩዎ ነገር ብዛዕባ ኣደይ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓመትን መንፈቕን ምስ ገበረት: ሰበ-ስልጣን ናዚ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዋ እምነት ብወግዒ ዝስርዝ ሰነድ ክትፍርመሉ ሓተትዋ። ምፍራም ስለ ዝኣበየት ድማ: ጌስታፖ ናብቲ ኣብ ራቨንስብራክ ዝነበረ ናይ ደቀ ኣንስትዮ መዳጐኒ ደምበ ወሰድዋ። እቲ ውግእ ቀቅድሚ ምውድኡ ኸኣ ብሕማም ታይፈስ ኣብኡ ሞተት። ተባዕ ክርስትያን—ፈጺማ ኢዳ ዘይትህብ ጽንዕቲ ተቓላሲት—ኢያ ነይራ። የሆዋ ብሕያውነቱ ይዘክራ።
ናይቲ ፈጺሙ ህይወቱ ንየሆዋ ዘይወፈየ ቨርነር ዝበሃል ምዕባየይ ሓወይ ዜና እውን ነበረ። ኣብ ሰራዊት ጀርመን ተሰሊፉ ኣብ ሩስያ ድማ ተቐትለ። ኣቦይከ፧ ንዓዱ ተመሊሱ ኢዩ: እቲ ዘሕዝን ግን: ሓደ ካብቶም ነቲ እምነትካ ብወግዒ ዝስርዝ ጽዩፍ ሰነድ ዝፈረሙ ኣዝዮም ሒደት መሰኻኽር ኢዩ ነይሩ። ክረኽቦ ከለኹ ቅዙን ከምኡውን ናይ ኣእምሮ ምርባሽ ዝነበሮ ኢዩ ዝመስል ነይሩ።—2 ጴጥሮስ 2:20
ንሓጺር እዋን ዝነበረ ቅንኢ ዝመልኦ መንፈሳዊ ንጥፈት
ድሕሪ ውግእ ንመጀመርታ ግዜ 10 መጋቢት 1946 ኣብ ላፕሲግ ኣሰምብሊ ተኻፈልኩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጥምቀት ከም ዝግበር ምስ ተነግረስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ እተሰምዓኒ! ህይወተይ ንየሆዋ ዝወፈኹ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት እኳ እንተ ነበረ: ንኽጥመቕ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ ዝረኸብኩ ግን ሽዑ ኢዩ ነይሩ። ነታ መዓልቲ እቲኣ ፈጺመ ኣይክርስዓን ኢየ።
ንሓደ ወርሒ ፓይነር ኰይነ ድሕሪ ምግልጋለይ 1 መጋቢት 1947 ናብቲ ኣብ ማግደበርግ ዝነበረ ቤትኤል ክኣቱ ዕድመ ቀረበለይ። እቲ ናይ ማሕበር ኣብያተ ጽሕፈት ብሰንኪ እቲ ዝድርበ ዝነበረ ቦምብታት ቁሩብ ጕድኣት ወሪድዎ ነበረ። ኣብቲ ናይ ምጽጋን ዕዮ ምሕጋዝስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ ነይሩ! ክረምቲ ምስ ሓለፈ ፍሉይ ፓይነር ብምዃን ከተማ ቪተንበርግ ተመደብኩ። ንኻልኦት ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ገሊኡ ኣዋርሕ ልዕሊ 200 ሰዓታት አሕልፍ ነበርኩ። ብዘይ ውግእ: ብዘይ መስጐጕቲ: ብዘይ ማእሰርቲ እንደገና ናጻ ብምውጽአይስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ሕጕስ ነይረ!
እቲ ዘሕዝን ግን: እቲ ናጽነት እቲ ነዊሕ ኣይቀጸለን። ድሕሪ እቲ ውግእ ጀርመን ኣብ ክልተ ተኸፍለት: እቲ ኣነ ዝነበርክሉ ከባቢ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኮምኒስት ኣተወ። መስከረም 1950 እቶም ሽታዚ ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይ ምብራቕ ጀርመን ናይ ምስጢር ፖሊስ: ንኣሕዋት ብልሓታት ብምጥቃም ክኣስርዎም ጀመሩ። እቲ ንዓይ ዝቐረበለይ ክስታት መስሓቕ ኢዩ ነይሩ። ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ሰላይ ኢኻ ተባሂለ ተኸሰስኩ። ናብቲ ኣብ ብራንድበርግ ዝርከብ ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሽታዚ ሰደዱኒ።
ካብ መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ዝረኸብኩዎ ሓገዝ
ኣብኡ እቶም ሽታዚ መዓልቲ ክድቅስ ኣየፍቅዱለይን ነበሩ። ምሉእ ለይቲ ድማ ክምርምሩኒ ይሓድሩ። ከምዚ ዓይነት ስቓይ ንሒደት መዓልታት ድሕሪ ምሕላፈይ: ነገራት መሊሱ ገደደ። ሓደ ንግሆ: ናብታ ክፍለይ ኣብ ክንዲ ዝመልሱኒ: ናብ ሓንቲ ካብተን በቲ ብእአን ዝፍጸም ዝነበረ ጨካን ተግባራት ፍሉጣት ዝነበራ ኡ -ቦት ሰለን (ብምኽንያት እቲ ኣብ ትሕተ-ቤታዊ መኽዘን ዘሎ ዓሚቝ ቦታ: ኣብ ሳብማሪን ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበሃላ) ወሰዱኒ። ሓደ ዝኣረገ: መራት ናይ ሓጺን ማዕጾ ከፊቶም ንውሽጢ ክኣቱ ኣዘዙኒ። ንሓደ ነዊሕ ድርኵዂት ክሰግር ነበረኒ። እግረይ ኣውርድ ምስ ኣበልኩ: እቲ ምድሪ ቤት ማይ ዝመልአ ምዃኑ ፈለጥኩ። እቲ ማዕጾ ብድሕረይ ገም ኢሉ ተዓጽወ። መብራህቲ ይኹን መስኰት ኣይነበሮን። ግብ ዝበለ ጸልማት ኢዩ ነይሩ።
ብምኽንያት ብራኸ ናይቲ ኣብ ምድሪ ቤት ዝነበረ ማይ ኮፍ ክብል: ከሳፍሕ: ወይ ክድቅስ ኣይከኣልኩን። መዋእል ኰይኑ እተሰማዓኒ ግዜ ድሕሪ ምጽባየይ: ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ መብራህቲ ተወሳኺ ምርመራ ክግበረለይ ተወሰድኩ። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ኣብ ልዕሊ ማይ ደው ምባልዶ ወይስ ምሉእ ለይቲ ብቐጥታ ናባይ ዘቃንዐ ዓይንኻ ዝደጕሕ ብርቱዕ መብራህቲ ምጽማም—እዚ ይሓይሽ ክብለሉ ዝኽእል ኣይነበረን።
ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ክንርሽነካ ኢና ብምባል ኣፈራርሁኒ። ንገለ እዋን ለይተ-ለይቲ ድሕሪ ምምርማሮም: ሓደ ንግሆ ሓላፍነት ዝነበሮ ናይ ሩስያ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን በጽሓኒ። ናይ ጀርመን ሽታዚ ካብቲ ናይ ናዚ ጌስታፖ ዝገድድ ኣተሓሕዛ ከም ዝገብሩለይ ንኽነግሮ ድማ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ናዚ ገለልተኛታት ምንባሮም ሕጂ እውን ኣብ ትሕቲ ናይ ኮምኒስት መንግስቲ ገለልተኛታት ምዃኖም ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ዓለም ድማ ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ከም ዘየትእዉ ነገርክዎ። ብኣንጻሩ ግን መብዛሕትኦም ካብቶም ሕጂ ናይ ሽታዚ ሓለፍቲ ዘለዉ ሰባት: ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ናዚ ምንባሮም: ንንጹሃት ሰባት ከመይ ገይርካ ብጭከና ከም እተሳቒ እተማህርዎ ድማ ኣብኡ ምዃኖም ነገርክዎ። ክዛረብ ከሎኹ: ኣካላተይ ካብ ቍሪ: ጥሜት: ከምኡውን ድኻም እተላዕለ የንቀጥቅጥ ነበረ።
እቲ ዘገርም ግን: እቲ ሩስያዊ በዓል ስልጣን ምሳይ ኣይሓረቐን። ብኣንጻሩ: ኮበርታ ከደነኒ: ሕያውነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ድማ ገበረለይ። ካብቲ ዝበጽሓኒ ግዜ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ: ናብ ዝሓሸ ቤት ማእሰርቲ ተወሰድኩ። ሒደት መዓልትታት ጸኒሐ: ኣብቲ ናይ ጀርመን ኣብያተ ፍርዲ ቀረብኩ። ጕዳየይ ገና ተደናጕዩ እኳ እንተ ነበረ: ምስ ካልኦት ሓሙሽተ መሰኻኽር ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ናይ ምሕባር መሰል ረኺበ ኢየ። ኣዝዩ ሕሱም ምክልባት ድሕሪ ምጽማመይ: እቲ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ዝነበረኒ ሕብረት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐድስ ኰን ኢዩ ነይሩ!—መዝሙር 133:1
ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ስለላ ገበነኛ ኢኻ ተባሂለ ኣብ መአረሚ ቤት ማእሰርቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ክእሰር ተፈረድኩ። እዚ ቅልል ዝበለ ፍርዲ ተባሂሉ ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ። ገለ ካብቶም ኣሕዋት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኢዮም ተፈሪዶም። ናብ ሓደ ዝለዓለ ሓለዋ ዝግበረሉ መአረሚ ቤት ማእሰርቲ ተለኣኽኩ። እቲ ሓለዋ ኣዝዩ ጽኑዕ ስለ ዝነበረ: ከም ዝመስለኒ ኣንጭዋ እውን ከይተረፈ ሰሊዃ ክትኣቱ ወይ ክትወጽእ ኣይትኽእልን ኢያ ነይራ። እንተዀነ ግን: ብሓገዝ የሆዋ ገለ ደፋራት ኣሕዋት ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስሊኾም ከእትዉ ክኢሎም ነበሩ። ተፈላልዩ በብመጻሕፍቲ ይከፋፈል እሞ: ኣብ መንጎ እቶም ኣሱራት ኣሕዋት ድማ ይዘውር ነበረ።
ብኸመይ ኢዩ ዝዘውር ነይሩ፧ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ። እታ ንሓድሕድና ክንራኸበላ እንኽእል እንኮ ግዜ እታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ቕነ ነብስና ክንሕጸብ እንውሰደላ ዝነበርና እዋን ኢያ ነይራ። ሓደ ግዜ: ነብሰይ እናተሓጸብኩ ከሎኹ: ሓደ ሓው ኣብቲ ሽጎማኖኡ ገለ ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢኡ ከም ዘሎ ኣብ እዝነይ ሕሽዅ በለኒ። ነብሰይ ተሓጺበ ምስ ወዳእኩ ድማ ኣብ ክንዲ ናተይ ሽጎማኖ ነታ ናቱ ክወስድ ነበረኒ።
ሓደ ካብቶም ሓለውቲ እቲ ሓው ኣብ እዝነይ ሕሽዅ ክብለኒ ከሎ ረኣዮ እሞ ሕማቕ ገይሩ ብዱላ ሃረሞ። ነታ ሽጎማኖ ቀልጢፈ ሒዘ ምስቶም ካልኦት እሱራት ክሕወስ ነበረኒ። እቲ ዘሐጕስ ድማ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጻት ሒዘ ኣይተረኸብኩን። እንተዘየሎ ብመንፈስ ናይ ምምጋብ ፕሮግራምና ምተዓናቐፈ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ተመሳሳሊ ተመክሮታት ኣሕሊፍና ኢና። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስና ኵሉ ግዜ ተሓቢእካን ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኵነታትን ኢዩ ዝግበር ነይሩ። እተን “ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ዝብላ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ቃላት ብርግጽ ኣዝየን ዝሰማምዓ ኢየን ነይረን።—1 ጴጥሮስ 5:8
እቶም ሰበ-ስልጣን ብገለ ምኽንያት ንገሌና ብተደጋጋሚ ካብ ሓደ መአረሚ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ክቕይሩና ወሰኑ። ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ግዜ ዳርጋ ዓሰርተ ናብ ዝኸውን እተፈላለየ መአረሚ ኣብያተ ማእሰርቲ ተቐይረ ኢየ። እንተዀነ ግን: ኵሉ ግዜ ኣሕዋት እረክብ ነበርኩ። ንዅሎም እዞም ዝረኸብክዎም ኣሕዋት ዓሚቝ ፍቕሪ ነበረኒ: ነፍሲ ወከፍ እተቐየርኩላ ግዜ ድማ ሓዲገዮም ክኸይድ ከሎኹ ዓቢ ሓዘን ይስምዓኒ ነበረ።
ኣብ መወዳእታ ናብ ላፕሲግ ተለኣኽኩ: ኣብኡ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻእኩ። እቲ ዘውጽኣኒ ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓላዊ ደሓን ኩን ኣይበለንን: ኣብ ክንድኡስ “ድሕሪ ቐረባ ግዜ የራኽበና” በለኒ። እቲ እኩይ ኣተሓሳስባኡ እንደገና ክእሰር ደለየኒ። መብዛሕትኡ ግን ንመዝሙር 124:2, 3 ኢየ ዝዝክር: ከምዚ ድማ ትብል:- “እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዘይነብር: ሰብ ኪትንስኡና ኸለዉ: ሓርቖቶም ኣብ ልዕሌና ኺነድድ ከሎ: ሽዑ ብህይወት ከሎና ምወሐጡና።”
የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ የድሕን
ሕጂ ድማ እንደገና ናጻ ሰብ ኰንኩ። ናተይ ፍላይ ማንታ ዝዀነት ሓብተይ: ሩት: ከምኡውን ብመንፈስ ሓብትና ሄርተ ሽሌንዞግ ኣብቲ ኣፍደገ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ይጽበያኒ ነበራ። ኣብተን ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፍኩወን ዓመታት: ሄርተ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ መግቢ ዝሓዘት ንእሽቶ ባኮ ትልእከለይ ነበረት። እዘን ናእሽቱ ባኮታት እንተ ዘይለኣኻለይ ነይረን ብሓቂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሞትኩ ነይረ። የሆዋ ብሕያውነቱ ይዘክራ።
ካብታ ዝወጻእኩላ ግዜ ኣትሒዙ: የሆዋ ብዙሕ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ብምሃብ ባሪኹኒ ኢዩ። ኣብ ግሮናኡ: ጀርመን: እንደገና ፍሉይ ፓይነር ብምዃን: ኣብቲ ናይ ጀርመን ኣኽራናት ኣልፕስ ድማ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ብምዃን ኣገልጊለ ኢየ። ጸኒሐ ኣብ መበል 31 ክፍሊ ናይቲ ንሚስዮናውያን እተዳለወ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክኣቱ ዕድመ ቀረበለይ። መመረቐታና ኣብቲ ብ1958 ኣብ ያንኪ ስታድዩም እተገብረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣህጉራዊ ኣኼባ ኢዩ ተኻይዱ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ጭፍራ ኣሕዋትን ኣሓትን ገለ ካብ ተመክሮታተይ ከዘንትወሎም መሰል ረኺበ ኢየ።
ድሕሪ እቲ መመረቕታ ሚስዮናዊ ኰይነ ከገልግል ናብ ቺለ ከድኩ። ኣብኡ ድማ እንደገና ከም ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኰይነ ኣብቲ ናይ ቺለ ደቡባዊ ጫፍ ኣገልገልኩ: ቃል ብቓሉ ናብ ወሰን ምድሪ ኢየ ተላኢኸ። ብ1962 ንፓትሲ ቦይትንገል እትበሃል ካብ ሳን ኣንቶንዮ: ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ. ዝመጸት ፍትውቲ ሚስዮናዊት ተመርዓኹ። ንዓኣ ኣብ ጐድነይ ሒዘ ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ብዙሕ ዘደንቕ ዓመታት ኣሕሊፈ ኢየ።
ኣብ ውሽጢ እዚ ልዕሊ 70 ዝኸውን ዓመታት ህይወተይ: ብዙሕ ዘሕጕስ እዋናትን ብዙሕ ሽግራትን ኣሕሊፈ ኢየ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።” (መዝሙር 34:19) ብ1963 ገና ኣብ ቺለ ከሎኹ: ፓትሲን ኣነን ዘሕዝን ሞት ጓልና ኣጋጠመና። ጸኒሓ: ፓትሲ ኣዝያ ሓመመት: ናብ ቴክሳስ ድማ ከድና። ገና ኣብ 43 ዓመት ዕድሚኣ ንሳውን ብዘሕዝን ኵነታት ሞተት። የሆዋ ነዛ ፍትውቲ በዓልቲ ቤተይ ብሕያውነት ክዝክራ ወትሩ ጸሎተይ ኢዩ።
ኣብዚ ግዜ እዚ: ሽሕኳ ሕሙምን ኣረጊትን እንተ ዀንኩ: ኣብ ብራዲ: ቴክሳስ: ስርዓታዊ ፓይነርን ሽማግለን ኰይነ ናይ ምግልጋል መሰል አስተማቕር ኣሎኹ። ሓቂ ኢዩ: ህይወት ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይነበረን: ገና ክጋጠሞ ዘሎኒ ፈተናታት እውን ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ ኣምላኽ: ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ: ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ” ክብል እኽእል ኢየ።—መዝሙር 71:17
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]
(1) ኣብዚ እዋን እዚ ሽማግለን ስርዓታዊ ፓይነርን ኰይነ አገልግል ኣሎኹ:(2) ምስ ፓትሲ: ቀቅድሚ መርዓና: (3) ኣብቲ ሄር ሽናይደር ዝምህሮ ዝነበረ ክፍሊ: (4) እታ ኣብ ራቨንስብራክ ዝሞተት ኣደይ: ተሬዛ