መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት ክፍሊ 1a
ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት ዕዮ ሓደ ሓታማይን መንእሰያት ተምሃሮኡን ኣብ ልዕሊ እቲ እተሰርዐ ፊደላት ብጥንቃቐ ጻዕዳ ወረቓቕቲ ብምእታው ነታ ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ሓታሚቶም: እናኣንቀሳቐሱ የስርሕዋ። ነቲ ገጻት ምስ ኣውጽእዎ ነቲ እተሓትመ ጽሑፍ በብሓንቲ ይርእይዎ። ነቲ እተዓጽፈ ገጻት ድማ ምእንቲ ክነቅጽ ካብ መንደቕ ናብ መንደቕ ኣብ እተወጠረ ቀጠንቲ ኣግማድ ዘርግሕዎ።
ብሃንደበት ድማ: እቲ ማዕጾ ብብርቱዕ ድምጺ ተዃሕኰሐ። እቲ ሓታሚ ሰንቢዱ ነቲ መሸጐር ማዕጾ ከፈቶ: ዕጡቓት ጕጅለ ወተሃደራት ከኣ ህሩጕ በሉ። ነቲ ኣዝዩ እተዀነነ ዘይሕጋዊ ጽሑፍ—ብቛንቋ ናይቶም ተራ ሰባት እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ—ክደልዩ ጀመሩ!
ኣመጻጽኦኦም ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ተርጓምን ሓጋዚኡን ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ምስ ፈለጡ ድሮ ብጕያ ናብቲ ቤት ዕዮ ከይዶም ብዙሕ ገጻት በእዳዎም ጠርነፉ: ሕጂ ብፈለግ ራይን ገይሮም የምልጡ ኣለዉ። እንተወሓደ ንገለ ክፍሊ ናይ ዕዮኦም ኣድሒኖምዎ ኢዮም።
እቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ዝነበረ ተርጓሚ: እቲ ብ1525 ነቲ ተኸልኪሉ ዝነበረ ናይ እንግሊዝኛ “ሓድሽ ኪዳን” ትርጕሙ ኣብ ኮለን: ጀርመን: ክሓትሞ ዝፍትን ዝነበረ ዊልያም ቲንድል ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘጋጠሞ ተመክሮ ኣብ ካልእ ግዜያት እውን ብዙሕ ግዜ ተደጋጊሙ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ተጽሒፉ ካብ እተዛዘመሉ ግዜ ጀሚሩ ዳርጋ 1,900 ዓመታት ዝኸውን: ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ንቓል ኣምላኽ ንምትርጓምን ንምዝርጋሕን ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ኢዮም። ንሕናውን ገና ካብ ዕዮኦም ንጥቀም ኣሎና። እንታይ ኢዮም ገይሮም፧ እቲ ሕጂ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢዩ ክርከብ ተኻኢሉ፧
እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምቕዳሕን ምርትጓምን
ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንቓሉ ኵሉ ግዜ ብዝለዓለ ክብሪ ክሕዝዎ ጸኒሖም ኢዮም። ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ [እንግሊዝኛ] ከምዚ ብምባል ኣፍልጦ ይህብ:- “እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ልክዕ ከምቶም ኣይሁዳውያን ኣቦታቶም ነቲ ቅዱስ መጻሕፍቲ ምንባብ ኣኽቢሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ሃዋርያት ኣብነት የሱስ ብምስዓብ (ማቴ 4.4፣ 5.18፣ ሉቃ 24.44፣ ዮሃ 5.39) ንነዊሕ ግዜ ከምኡውን ተጠንቂቖም ብምንባብን ብምጽናዕን ምስ ብሉይ ኪዳን ሌላ ይገብሩ ነይሮም ኢዮም: ንደቀ መዛሙርቶም ከኣ ከምኡ ክገብሩ ተላበውዎም (ሮሜ 15.4፣ 2 ጢሞ 3.15-17)።”
ኣብኡ ንኽብጻሕ ድማ ቅዳሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክዳሎ ነበሮ። ቅድሚ ክርስትና ኣብ ዝነበረ ግዝያት መብዛሕትኡ እዚ ዕዮ እዚ በቶም ጌጋ ከይፍጽሙ ዝፈርሁ ዝነበሩ: ዝለዓሉ ሰብ ሞያ ዝዀኑ ‘ክኢላታት ቀዳሕቲ’ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ። (እዝራ 7:6, 11, 12 NW ) ቅኑዕ ዝዀነ ቅዳሕ ከዳልዉ ብምጽዓሮም: ንዅሎም እቶም ብድሕሪኦም ዝመጹ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳሕቲ ዝለዓለ መምዘኒ ገደፉሎም።
ይኹን እምበር: ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ሓደ ጸገም ተላዕለ። ኣለክሳንድር ዓቢ ኵሎም ህዝቢ ዓለም ናይ ግሪኽ ባህሊ ክማሃሩ ደለየ። ብምኽንያት ናይ ወረራ ዓወታቱ ድማ እቲ ልሙድ ግሪኽ: ወይ ከኣ ኮይን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብምሉኡ ከም ሓፈሻዊ መዘራረቢ ቋንቋ ኰነ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ብዙሓት ኣይሁድ እብራይስጢ ምንባብ ፈጺሞም ከይተማህሩ ስለ ዝዓበዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ከንብቡ ኣይክእሉን ነበሩ። ስለዚ ድማ: ብ280 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ብናይ እብራይስጢ ምሁራት ዝቘሙ ጕጅለ ሰባት: ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ልሙድ ዝነበረ ቋንቋ ኮይን ንኽትርጐም ኣብ ኣለክሳንድርያ: ግብጺ: ተኣከቡ። እቲ ትርጕሞም ድማ ሰፕቱጀንት ተባሂሉ ክፍለጥ ጀመረ: ሰፕቱጀንት ብላቲን “ሰብዓ” ማለት ክኸውን ከሎ ገምጋም ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ ዕዮ ከም እተኻፈሉ ዝእመነሎም ተርጐምቲ ኢዩ ዘመልክት። እቲ ትርጕም ድማ ብ150 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ተወድአ።
ኣብ ግዜ የሱስ: እብራይስጢ ገና ኣብ ጳለስጢና ይጥቀምሉ ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብቲ ቦታ እቲ ይኹን ኣብተን ካብኡ ርሒቐን ዝነበራ ዝተረፋ ኣውራጃታት ናይ ግዝኣት ሮሜ ዓብሊሉ ዝነበረ ቋንቋ: ኮይን ኢዩ ነይሩ። እቶም ክርስትያን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ እምበኣር: ብእተኻእለ መጠን ኣብ ኵለን ሃገራት ንዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ክበጽሖም: ነዚ ልሙድ ዝዓይነቱ ቋንቋ ግሪኽ ተጠቕሙ። ብዘይዚውን: ካብ ትርጕም ሰፕቱጀንት ከይተሰከፉ ይጠቕሱ ነበሩ: ንዝበዝሕ ካብቲ ስያመታቱ ድማ ተጠቒሞምሉ ኢዮም።
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ቀናኣት ሚስዮናውያን ስለ ዝነበሩ: የሱስ እቲ ካብ ነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ቀልጢፎም ንትርጕም ሰፕቱጀንት ክጥቀምሉ ጀመሩ። በዚ ድማ እቶም ኣይሁድ ተቘጥዑ እሞ ገለ ሓደስቲ ናይ ግሪኽ ትርጕማት ከዳልዉ ተለዓዓሉ: ዕላምኦም ድማ ነቲ ክርስትያናት ንመርትዖ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጥቕስታት እንደገና ብምእራም ዘእምን ክትዕ ከይገብሩ ንምኽልካል ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ኣብ ኢሳይያስ 7:14 ትርጕም ሰፕቱጀንት ነታ “ድንግል” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል ተጠቒሙ ኣሎ: እዚ ድማ ብትንቢታዊ መገዲ ንኣደ እቲ መሲሕ ዘመልክት ኢዩ። እቲ ሓድሽ ትርጕማት ግን “ጐርዞ” ዝብል ትርጕም ዝሓዘ ካልእ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ። ክርስትያናት ግን ንትርጕም ሰፕቱጀንት ብቐጻሊ ይጥቀምሉ ስለ ዝነበሩ: ኣይሁድ እቲ ዝጀመርዎ ሜላታት ምሉእ ብምሉእ ንኽሓድግዎን ናብቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ንኽምለሱን ደረኾም። ኣብ መወዳእታ እዚ ስጕምቲ እዚ እቲ ናይ እብራይስጢ ቋንቋ ህያው ኰይኑ ንኽቕጽል ስለ ዝሓገዘ ነቲ ዳሕራይ እተገብረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ንበረኸት ኰነ።
ሓተምቲ ናይተን ቀዳሞት መጻሕፍቲ ክርስትና
እቶም ቅንኢ ዝነበሮም ቀዳሞት ክርስትያናት: በእዳዎም እናቐድሑ ብእተኻእሎም መጠን ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅዳሓት ከዳልዉ ጀመሩ። ብዘይዚውን ብቐጻሊ ብብራናታት ኣብ ክንዲ ምጥቃም: ልክዕ ከም ዘመናዊ መጽሓፍ ገጻት ዘለዎ ናይ ኢደ-ጽሑፍ መጽሓፍ መሃዙ። ናይ ኢደ-ጽሑፍ መጽሓፍ: ጥቕስታት ንምርካብ ምቹእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ሓደ ብራና ክሕዞ ዘይክእል ቃላት ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ጥራይ ክምዝገብ ይከኣል። ንኣብነት ንዅሉ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ወይ ከኣ ንምልእቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ክሕዝ ይኽእል ኢዩ።
እተን ክፍሊ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝዀና መጻሕፍቲ: እቲ መወዳእታ ብህይወት ዝጸንሐ ሃዋርያ ዮሃንስ ብ98 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ብዝጸሓፈን መጻሕፍቲ ተዛዘማ። ሪላንድዝ ፓፒሩስ 457 (P52) እተባህለ ሓደ ቍራጽ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ቅዳሕ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ: ዕለቱ ድማ ቅድሚ 125 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኢዩ። ካብ 150 ክሳዕ 170 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ድማ ታሺያን ዝበሃል ናይ ጁስቲን ማርቲር ተማሃራይ: ካብ ኣርባዕቲአን ወንጌላት—ምስተን ኣብ ናይ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስና ዘለዋ ሓደ ዝዓይነተን—እተኣከበ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዝገልጽ ጥርኑፍ ጸብጻባት ዝሓዘ ዲያተሳሮን እተባህለ ጽሑፍ ኣዳለወ።b እዚ ኸኣ ሓቅነት ዘለወን እዘን ወንጌላት እዚኣተን ጥራይ ከም ዝዀና ገይሩ ይሓስብ ከም ዝነበረን ድሮ ድማ ተዘርጊሐን ከም ዝነበራን የመልክት። ኣብ 170 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኸኣ ሙራቶርያን ፍራግመንት እተባህለ ፍሉጥ ጥንታዊ ናይ “ሓድሽ ኪዳን” መጻሕፍቲ ዝርዝራት ተዳለወ። ንመብዛሕትኡ መጽሓፍቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ይዝርዝር።
ምስፍሕፋሕ ክርስትያናዊ እምነት ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋትን ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሐፋትን ብቕልጡፍ ክትርጐም ከም ዘድሊ ገበረ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም እኒ ኣርመኒያን: ኮፕቲክ: ጂኦርጂያን: ከምኡውን ሲሪያክ ብዝኣመሰሉ ቋንቋታት እተፈላለዩ ትርጕማት ክዳሎ ጀመረ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዕላማ እቲ ተባሂሉ ፊደላት ክመሃዝ ነበሮ። ንኣብነት: ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ናይ ሮማዊት ቤተ-ክርስትያን ኣቡን ዝነበረ ኡልፍላስ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ናይ ጎት ፊደላት መሃዘ። ንኽልቲኡ መጽሓፍ ነገስት ግን ነቲ ህዝቢ ጎት ዝነበሮም ናይ ውግእ ዝንባለታት ኢዩ ዘተባብዕ ብምባል ገደፎ። ይኹን እምበር: እዚ ስጕምቲ እዚ ነቶም “ናብ ክርስትና እተለወጡ” ህዝቢ ጎት ብ410 ከ.ኣ.ዘ. ንሮሜ ንኸይዘምትዋ ኣይከልከሎምን!
ናይ ላቲንን ናይ ስላቮኒክን መጽሓፍ ቅዱስ
ድሕሪ ገለ ግዜ: ላቲን ተቐባልነት ክረክብ ጀመረ: እተፈላለዩ ናይ ጥንታዊ ላቲን ትርጕማት ከኣ ተቐልቀሉ። እንተዀነ ግን ብኣገባብ ኣጸሓሕፍኦምን ልክዕነቶምን እተፈላለዩ ኢዮም። ስለ ዝዀነ ኸኣ ብ382 ከ.ኣ.ዘ. ጳጳስ ዳማሳስ: ንጀሮም ጸሓፊኡ ወግዓዊ ናይ ላቲን መጽሓፍ ቅዱስ ከዳሉ ኣዘዞ።
ጀሮም ብቛንቋ ላቲን እተተርጐመ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት እንደገና ብምእራም ክደግሞ ጀመረ። ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ካብቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ክትርጕሞ መረጸ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ: ብ386 ከ.ኣ.ዘ.: እብራይስጢ ከጽንዕን ናይ ራቢ ደገፍ ክደልን ናብ ቤተልሄም ዝኸደ። ከምኡ ብምግባሩ ድማ ኣብ ናይ ቤተ-ክርስትያን ማሕበራት ክርክር ኣልዓለ። ገሊኣቶም: እንተላይ እቲ ኣብ ግዜ ጀሮም ዝነብር ዝነበረ ኣጉስቲን: ትርጕም ሰፕቱጀንት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ነይሮም: ንጀሮም ድማ “ሓገዝ ደልዩ ናብ ኣይሁድ ብምኻዱ” ከሰስዎ። ጀሮም ግን ንቕድሚት ብምስጓም: ብ400 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ዕዮኡ ፈጸመ። ናብ ምንጪ ናይቲ በዅሪ ቋንቋን ጽሑፋትን ስለ ዝጠበቐ: ናብቲ ኣብ ግዜኡ ልሙድ ዝነበረ ቋንቋ ድማ ብምትርጓሙ ነዚ ዘመናዊ ናይ ትርጕም ኣገባባት ብሓደ ሽሕ ዓመት ቀዲምዎ ነይሩ ኢዩ። ዕዮኡ ድማ ቫልገይት ወይ ከኣ ሓፈሻዊ ትርጕም ተባሂሉ ክፍለጥ ጀመረ: ንኽፍለ-ዘበናት ዝኣክል ከኣ ንሰባት ጠቒሙ ኢዩ።
ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ኣብ ዘላ ህዝበ-ክርስትያን ዝርከቡ ሰባት ዝበዝሑ ገና ናይ ሰፕቱጀንት ትርጕምን ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሐፋትን ከንብቡ ይኽእሉ ኢዮም። ጸኒሑ ግን ይኹን እምበር ካብ ስላቮኒክ ወይ ከኣ ስላቪክ ዝወጸ ቋንቋታትን ዲያሌክትታትን ኣብ ምብራቓዊ ክፍልታት ኣውሮጳ ከም ልሙድ ቋንቋ ኰይኑ ክዝውተር ጀመረ። ብ863 ከ.ኣ.ዘ. ሲረልን ሚቶዲየስን እተባህሉ ክልተ ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ኣሕዋት: ናብ ሞራቪያ: ሕጂ ኣብ ቸክ ሪፓብሊክ ናብ እትርከብ ዓዲ: ከዱ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ጥንታዊ ስላቮኒክ ክትርጕምዎ ጀመሩ። ነዚ ንምግባር ግላገሊዲክ እተባህለ ፊደል መሃዙ: እዚ ፊደል እዚ ጸኒሑ ብናይ ሲረል ስም እተሰምየ ናይ ሲረሊክ ፊደል ተተክአ። እዚ ፊደል እዚ ናይቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ናይ ቋንቋ ሩስያ: ዩክረይን: ሰርብያ ከምኡውን ናይ ቋንቋ ቡልጋርያ ፊደላት ምንጪ ኢዩ። እቲ ናይ ስላቮኒክ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ከባቢ እቲ ንዝርከቡ ሰባት ንወለዶታት ዝኣክል ኣገልጊሉ ኢዩ። ይኹን እምበር ድሕሪ ገለ ግዜያት ቋንቋታት እናተለወጡ ምስ መጹ: ሓደ ተራ ሰብ ክርድኦ ዘይክእል ቋንቋ ኰነ።
ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ተረኽበ
ኣብዚ እዋን እዚ: ማለት ካብ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ክሳዕ ዓስራይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ማሶራውያን እተባህሉ ጕጅለ ኣይሁድ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምዕቃብ ሜላ ዘለዎ ናይ ምቕዳሕ ኣገባብ ኣማዕበሉ። ሓቅነቱ እተረጋገጸ ጽሑፍ ንምዕቃብ ብዝብል ጻዕሪ: ንዅሉ እቲ መስመር: ንነፍሲ ወከፍ ፊደል እውን ከይተረፈ ብምቝጻር ኣብ መንጎ ኢደ-ጽሑፋት ዘሎ ፍልልይ የመልክቱ ነበሩ። ጻዕርታቶም ከንቱ ኰይኑ ኣይተረፈን። ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ: ዘመናዊ ናይ ማሶራውያን ጽሑፋት ምስቲ ካብ 250 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 50 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብ ዘሎ ግዜ እተጻሕፈ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ምስ ተነጻጸረ: ንልዕሊ 1, 000 ዓመታት ዝኸውን ምንም ናይ ሰረተ-እምነት ለውጢ ኣየርኣየን።c
ኣብ ኣውሮጳ ማእከላይ መዋእል ምስ መዋእል ጸልማት ብብዙሕ መገድታት ተመሳሳልነት ነይርዎ ኢዩ። እቲ ህዝቢ ናይ ምንባብን ምምሃርን ደረጅኡ ኣዝዩ ዝተሓተ ኢዩ ነይሩ። መወዳእትኡ ድማ: ካብቶም ኣቕሽሽቲ እውን ከይተረፉ ዳርጋ ኵሎም ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ላቲን ከንብቡ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ በጽሑ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ እኳ ከይተረፈ ከንብቡ ኣይክእሉን ነበሩ። ብዘይዚውን እቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ እተወሰነ ዞባ ክነብሩ ዝግደድሉ ዝነበሩ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ብኸፊሉ ብምኽንያት ናይዚ ምግላል እዚ ድማ: ፍልጠት ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ቋንቋ እብራይስጢ ተዓቀበ። ይኹን እምበር: ብምኽንያት እቲ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ባህርን ንሰብ ዘይምእማንን: እቲ ናይ ኣይሁድ ፍልጠት መብዛሕትኡ ግዜ ናብቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ክበጽሕ ኣይክእልን ነበረ። ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ: ናይ ቋንቋ ግሪኽ ፍልጠት እውን የንቍልቍል ኢዩ ነይሩ። ምዕራባዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ጀሮም ዘዳለዎ ላቲን ቫልገይት ከተኽብሮ ምስ ጀመረት እቲ ኵነታት ተጋደደ። ኣብ መወዳእታ ናይ እዋን ማሶራውያን: ላቲን እናጠፍአ እኳ ይኸይድ እንተነበረ: ብሓፈሻ ወግዓዊ ትርጕም ንሱ ጥራይ ከም ዝዀነ ይሕሰብ ነበረ። በዚ ኸምዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ንምፍላጥ ዝብል ባህጊ ቀስ ብቐስ ክዓቢ ጀመረ: ዝዓበየ ግርጭት ንኽመጽእ ከኣ መሰረት ተነጽፈ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ምጽራር ይጋጠሞ
ኣብ 1079 ጳጳስ ግሪጎሪ ሻውዓይ ካብቲ ብዙሕ ናይ ማእከላይ ዘመን ቤተ-ክርስትያን ኣዋጃት ነቲ ቀዳማይ ኣዋጅ ኣውጽአ: እዚ ኸኣ ምሕታም: ሓድሓደ ግዜ ድማ ብቛንቋኻ እተዳለወ ትርጕማት ምውናን እውን ከይተረፈ ዝእግድ ኢዩ ነይሩ። ገለ ክፋላት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምትርጓም ዝሓትት ስለ ዝነበረ ነቲ ብቛንቋ ስላቮኒክ ቅዳሴ ክግበር ዝነግር ፍቓድ ሰረዞ። ምሉእ ብምሉእ ምስቲ ኣቕዋም ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝጻረር ድማ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ከም ምስጢር ክተሓዝ ምኽኣሉ ነቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣሐጒስዎ [ኢዩ]” በለ። እታ ቤተ-ክርስትያን ከምዚ ዝኣመሰለ ወግዓዊ ኣቕዋም ሒዛ ስለ ዝነበረት: መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ዘተባብዑ ሰባት ሓደገኛታት ከም ዝዀኑ ገይርካ ምሕሳብ እናወሰኸ መጸ።
ሽሕ’ኳ ዘይምቹእ ሃዋሁ እንተነበረ: ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ ልሙድ ቋንቋ ምቕዳሕን ምትርጓምን ቀጺሉ ኢዩ። ብብዙሕ ቋንቋታት እተዳለወ ትርጕማት ኣብ ኣውሮጳ ብምስጢር ተዘርግሐ። ክሳዕ መፋርቕ ናይ 1,400 ተንቀሳቐስቲ ሓተምቲ ዘይተማህዛ ብምንባረን ከኣ ኵሉ እዚ ትርጕማት እዚ ብኢድ ኢዩ ዝጸሓፍ ነይሩ። ይኹን እምበር ቅዳሓት እናኸበሩ: ቍጽሮም ድማ ውሱን እናዀነ ምስ ከደ: ሓደ ተራ ዜጋ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ሓደ ክፋል ወይ ከኣ ሒደት ገጻት ጥራይ እንተድኣ ረኺቡ ንነፍሱ ሕጕስቲ ገይሩ ይሓስባ ነበረ። ገሊኣቶም ንብዙሕ ክፋላት: አረ ንብምሉኡ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ከይተረፈ ብቓሎም ሸምደድዎ!
ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ ግዜ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተሓድሶ ንምግባር ዝዓለመ ሰፊሕ ምንቅስቓሳት ተላዕለ። እዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ከም ዘድሊ ከም ብሓደሽ ክፍለጥ ስለ ዝጀመረ ብኸፊሉ በዚ እተሓደሰ ፍልጠት እዚ ኢዩ ተለዓዒሉ። እዚ ምንቅስቓሳት እዝን ናይ ማሕተም ምዕባለን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ተንከፎ፧ እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ዊልያም ቲንድልን ትርጕሙንከ እንታይ ኣጋጠሞም፧ እዚ ዝምስጥ ታሪኽ እዚ ክሳዕ ግዜና ከመይ ኢሉ ከም ዝቐጸለ ኣብቲ ዝቕጽል ሕታማት ክንከታተሎ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ብዛዕባ ስምምዕ ናይተን ኣርባዕተ ወንጌላት እትሕብር ዘመናዊት ኣብነት ኢያ።
b ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 2 ገጽ 315 ርአ።
c ክፍሊ 2ን 3ን ኣብ ናይ 15 መስከረምን ናይ 15 ጥቅምትን ሕታማት ብተኸታታሊ ክወጽእ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ሰሌዳ]
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ቅድሚ ኣቈጻጽራ ዘበንና (ቅ.ኣ.ዘ.)
ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ከባቢ 443 ቅ.ኣ.ዘ. ተጻሒፉ ተወድአ
400 ቅ.ኣ.ዘ.
ኣለክሳንድር ዓቢ (ብ323 ቅ.ኣ.ዘ. ሞተ)
300 ቅ.ኣ.ዘ.
ትርጕም ሰፕቱጀንት ኣብ ከባቢ 280 ቅ.ኣ.ዘ. ክጸሓፍ ጀመረ
200 ቅ.ኣ.ዘ.
100 ቅ.ኣ.ዘ. መብዛሕትኡ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ኣብ ከባቢ 100 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 68 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ኢዩ
ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና (ከ.ኣ.ዘ.)
የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ጠፍአት
ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብ98 ከ.ኣ.ዘ. ተጻሒፉ ተወድአ
100 ከ.ኣ.ዘ.
ናይ ዮሃንስ ሪላንድዝ ፓፒሩስ (ብ125 ከ.ኣ.ዘ. ተረኽበ)
200 ከ.ኣ.ዘ.
300 ከ.ኣ.ዘ.
400 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ጀሮም ላቲን ቫልገይት ኣብ ከባቢ 400 ከ.ኣ.ዘ. ተጻሕፈ
500 ከ.ኣ.ዘ.
600 ከ.ኣ.ዘ.
ናይ ማሶራውያን ጽሑፍ ተዳለወ
700 ከ.ኣ.ዘ.
800 ከ.ኣ.ዘ.
ሲረል ኣብ ሞራቪያ 863 ከ.ኣ.ዘ.
900 ከ.ኣ.ዘ.
1000 ከ.ኣ.ዘ.
ኣንጻር እቲ ብናይቲ ከባቢ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወጸ ኣዋጅ 1079 ከ.ኣ.ዘ.
1100 ከ.ኣ.ዘ.
1200 ከ.ኣ.ዘ.
1300 ከ.ኣ.ዘ.
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት በቲ ናይ ኢደ-ጽሑፍ መጽሓፍ ክጥቀሙ ጀመሩ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ጀሮም እብራይስጢ ከጽንዕ ናብ ቤተ-ልሄም ከደ