ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/10 ገጽ 3-4
  • ሓጐስ ምርካቡ ኣዝዩ ዘጸግም ነገር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓጐስ ምርካቡ ኣዝዩ ዘጸግም ነገር
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ዘይምሕጓስ መፍትሕ
  • ምርካቡ ዘጸግም ሸቶ
  • ሓጐስ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ሃብቲ ሕጕስ ክገብረካ ይኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/10 ገጽ 3-4

ሓጐስ ምርካቡ ኣዝዩ ዘጸግም ነገር

ሕርቃን: ሻቕሎት: ከምኡውን ናይ ጭንቀት ስምዒት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ስነ⁠-ፍልጠታዊ ምርምር ክግበረሉ ዝጸንሐ ኣርእስቲ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ፍሉጣት ሊቃውንቲ ምርምሮም ኣብቲ ኣወንታውን ተበሃግን ዝዀነ ሰብኣዊ ስምዒት​—⁠ኣብ ሓጐስ​—⁠ኢዩ ዘተኵር ዘሎ።

ንሰባት ሕጕሳት ዝገብሮም ነገር እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ መንእሰያት ሕጕሳት ዝዀኑ ሃብታማት: ጥዕና ዘለዎም: ነዋሕቲ ቑመት: ወይ ቀጠንቲ እንተድኣ ኰይኖም ድዮም፧ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ መፍትሑ እንታይ ኢዩ፧ መብዛሕትኦም ሰባት ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ኣጸጋሚ: ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዘይከኣል ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ገለ ሰባት እቲ ሓጐስ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ኵሉ ክፈሽል ብምርኣዮም: ብዛዕባ እቲ ሓጐስ ንምርካብ መፍትሕ ዘይኰነ ነገራት ምዝራብ ዝያዳ ዝቐለለ ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ።

ውሩያት ዝዀኑ ናይ ስነ⁠-ኣእምሮ ተመራመርቲ ነቲ ናይ ርእስኻ ጥራይ ምሕሳብ ዝብል ፍልስፍና: ሓጐስ ንምርካብ መፍትሕ ከም ዝዀነ ገይሮም ንነዊሕ እዋን ንሰባት መኺሮምሉ ኢዮም። ነቶም ሓጐስ ዘይስምዖም ሰባት ምሉእ ብምሉእ ውልቃዊ ድሌታቶም ኣብ ምዕጋብ ከተኵሩ ኣተባቢዖምዎም ኢዮም። “ውልቃዊ ዅን:” “ነቲ ውሽጣዊ ስምዒታትካ ፍለጦ:” ከምኡውን “ነቲ ናይ ሓቂ ባህርያትካ መርምሮ” ዝብል ማራኺ ሓረጋት ኣብ ስነ⁠-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ ክዝውተር ጸኒሑ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ገለ ካብቶም ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ዝድግፉ ዝነበሩ ናይ ሕክምና ክኢላታት: ሕጂ ከምዚ ዝበለ ውልቃዊ ኣረኣእያ ነባሪ ሓጐስ ከም ዘየምጽእ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ፈታው ርእስኻ ምዃን ስቓይን ጓህን ከም ዘስዕብ ፍሉጥ ኢዩ። ስስዐ ናይ ሓጐስ መፍትሕ ኣይኰነን።

ናይ ዘይምሕጓስ መፍትሕ

እቶም ሓጐስ ንምርካብ ኢሎም ደድሕሪ ተድላ ዝስዕቡ ሰባት ኣብ ዘይቦትኡ ኢዮም ዝደልይዎ ዘለዉ። ኣብነት ናይቲ ጥበበኛ ዝነበረ ሰሎሞን ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ርአ። ኣብታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ መክብብ ከምዚ ብምባል ይገለጽ:⁠- “ኣዒንተይ ዝደለያኦ ዅሉ ኣይከልከልክወንን: ሓጐስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን። ልበይ ብዅሉ ጻዕረይ ይሕጐስ ነይሩ እዩ እሞ: ጻማ ዅሉ ጻዕረይ እዚ ዀነ።” (መክብብ 2:​10) ሰሎሞን ንዕኡ ዝኸውን ኣባይቲ ሃኒጹ: ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺሉ: ጀራዲንን መናፈሲ ስፍራታትን ኣዳልዩ: ሓጽብታት ማይ ድማ ሰሪሑ ኢዩ። (መክብብ 2:​4-6) ሓደ ግዜ እውን “ካባይ ኣብሊጹ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን [“ዝሰተየን:” NW ] መን እዩ፧” ብምባል ሓቲቱ ኢዩ። (መክብብ 2:​25) ዘዘናግዕዎ ብሉጻት ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ነይሮምዎ ኢዮም: ምሕዝነት ናይተን ኣብታ ሃገር ኣዝየን ምልኩዓት ዝነበራ ኣንስቲ ድማ ኣሕሊፉ ኢዩ።​—⁠መክብብ 2:8

እቲ ነጥቢ: ሰሎሞን ባህ የብል ኢዩ ዝበሎ ንጥፈታት ካብ ምግባሩ ድሕር ኣይበለን ዝብል ኢዩ። ነቲ ኣብ ህይወት ዝርከብ ብዙሕ ተድላ ምስ ረኸቦ ግን ኣብ እንታይ መደምደምታ ኢዩ ዝበጽሐ፧ ከምዚ በለ:⁠- “ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ: እንሆ ኸኣ: እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ: ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።”​—⁠መክብብ 2:​11

እቲ ሰሎሞን ዝበጽሖ መደምደምታ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ እውን ከይተረፈ ልክዕ ኢዩ። ንኣብነት: ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኣመሰለት ሃብታም ሃገር ርአ። ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት: ኣመሪካውያን ከም መካይንን ተሌቪዥናትን ዝኣመሰለ ስጋዊ ጥሪቶም ብልክዕ ክርአ ከሎ ዕጽፊ ኢዩ ወሲኹ። እንተዀነ ግን: ብመሰረት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ክኢላታት: ኣመሪካውያን ሕጕሳት ኣይኰኑን። ሓደ መጽሔት ከም ዝበሎ ድማ “ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናይ ጭንቀት ስምዒት መጠን ኣዝዩ ኢዩ ወሲኹ። ኮተቴ ዝፍጽምዎ ርእሰ⁠-ቕትለት ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ። ናይ ፍትሕ ቍጽሪ ድማ ዕጽፊ ኢዩ ዀይኑ።” ተመራመርቲ ነቲ ኣብ መንጎ ገንዘብን ሓጐስን ዘሎ ሓድሕዳዊ ዝምድና ኣብ ገለ 50 ኣቢለን ዝዀና እተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ሰባት ድሕሪ ምጽንዖም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታታት ኢዮም በጺሖም። ብሓጺሩ: ሓጐስ ክትዕድጎ እትኽእል ነገር ኣይኰነን።

ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: ደድሕሪ ሃብቲ ምስዓብ ናይ ዘይምሕጓስ መፍትሕ ተባሂሉ ብልክዕ ክጽዋዕ ይከኣል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:⁠- “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ: ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:​9, 10

ሃብቲ ይኹን ጥዕና: ንእስነት: መልክዕ: ስልጣን: ወይ ኵሉ እዚ ተኣኪቡ: ነባሪ ሓጐስ ንምርካብ ውሕስነት ክህብ ኣይክእልን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሕማቕ ነገራት ከየጋጥመና እንከላኸለሉ ሓይሊ የብልናን። ንጉስ ሰሎሞን ምስዚ ብዝሰማማዕ መገዲ ከምዚ በለ:⁠- “ሰብ ከኣ ነታ ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩ እሞ: ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ እተገፉ ዓሳ: ከምተን ብመፈንጠራ እተፈንጠራ ኣዕዋፍ: ከምኡ ኸኣ ደቂ ሰብ ድንገት ምስ ዚወርዶም: ብኽፉእ ጊዜ ይፍንጠሩ።”​—⁠መክብብ 9:​12

ምርካቡ ዘጸግም ሸቶ

ሓጐስ ንምርካብ ዝሕግዝ ሰብ ዘቘሞ መምርሒ ወይ ስትራተጂ ከቕርብ ዝኽእል ስነ⁠-ፍልጠታዊ ምርምር የለን። ሰሎሞን እውን ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ዝበለ:⁠- “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጕያ ንፈጣናት: ውግእ ንጀጋኑ: እንጌራ ንጥበበኛታት: ሃብቲ ነእምሮኛታት: ሞገስ ንብልህታት: ከም ዘይኰነሎም ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም።”​—⁠መክብብ 9:​11

ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃላት ዝሰማምዑ ብዙሓት ሰባት ናይ ሓቂ ሕጕስ ህይወት ክትረክብ ኢልካ ምጽባይ ክውንነት ዘይብሉ ነገር ምዃኑ ኢዮም ደምዲሞም። ሓደ ውሩይ ዝዀነ ምሁር “ሓጐስ ክጭበጥ ዘይከኣል ኵነታት ኢዩ” በለ። ካልኦት ድማ ናይ ሓጐስ መፍትሕ ሕቡእ ምስጢር ስለ ዝዀነ: ነቲ ምስጢር እቲ ናይ ምርካብ ክእለት ኣብቶም ምስጢራዊ ነገራት ንምፍላጥ እተዓደሉ ሒደት ምሁራት ሰባት ጥራይ እተደረተ ኢዩ ዝኸውን ኢሎም ይኣምኑ።

እንተዀነ ግን: ሰባት ኣብቲ ሓጐስ ንምርካብ ዝገብርዎ ምድላይ እተፈላለየ ኣነባብራ ምፍታን ቀጺሎም ኢዮም። ቅድሚኦም ዝፈተኑ ዘይተዓወቱ እኳ እንተዀኑ: ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ፈውሲ ናይቲ ዝሰኣንዎ ሓጐስ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምውሳድ: ገና ደድሕሪ ሃብቲ: ስልጣን: ጥዕና: ወይ ተድላ ኢዮም ዝስዕቡ። መብዛሕትኦም ሰባት ብውሽጦም: ነባሪ ሓጐስ ክጭበጥ ዘይከኣል ኵነታት ጥራይ ኣይኰነን ኢሎም ስለ ዝኣምኑ እቲ ምንዳይ ቀጻሊ ኢዩ። ሓጐስ ዘይርከብ ሕልሚ ኣይኰነን ዝብል ተስፋ ኣለዎም። ‘እሞኸ ድኣ ከመይ ገይረ ኢየ ክረኽቦ ዝኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ