“ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ንምዃን ምጽዓር
ብኣንድሬ ሶፓ እተዘንተወ
ካልኣይ ውግእ ዓለም ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል ህልቂትን ተስፋ ምቝራጽን ብምስዓብ እናበርትዐ ኸደ። ኣብቲ ኣብ ጥቓ ናርቪክ: ኖርወይ: ዝነበረ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ኣብ ክፍሊ ሓበሬታ እሰርሕ ስለ ዝነበርኩ: ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊነት ብዓይነይ ክርኢ ክኢለ ነበርኩ። ለይቲ: ኣብ ዕቝባ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣጻድፍ ዝርከብ ወሽመጥ ባሕሪ ኰይነ ኣብ ሰማይ ንጽባቐ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ዝርከብ ባና ምርኣይ ኣዕሚቘ ብዛዕባ ህይወት ከም ዝሓስብ ገበረኒ። እቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዝፈጠረ ኣምላኽ በቲ ኣብ ውግእ ዝርአ ዕብዳን ከም ዘይውቀስ ርግጸኛ ነበርኩ።
ብ1923 ኢየ ኣብ ሓንቲ ላሶት እትበሃል ጥቓ ዶብ ቼክ እትርከብ (ሕጂ ኣብ ፖላንድ ዘላ) ንእሽቶ ዓዲ እተወለድኩ: ኣብ ሓንቲ ብሕርሻ እትናበር ድኻ ስድራቤት ድማ ዓበኹ። ወለደይ ንጡፋት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ብምንባሮም: ሃይማኖት ኣብ ህይወትና ዓቢ ግደ ኢዩ ነይርዎ። ይኹን እምበር: ገና ቘልዓ ከሎኹ: ብዛዕባ ሃይማኖተይ ክጠራጠር ጀመርኩ። ኣብ ዓድና: እምነት ፕሮቴስታንት ዝስዕባ ሰለስተ ስድራቤት ነበራ፣ እዚኣተን ከኣ በቲ ናይ ካቶሊክ ማሕበረሰብ ተገሊለን ነበራ። ስለምንታይ ከም እተገለላ ክርድኣኒ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ትምህርተ-ክርስቶስ ንማሃር ነበርና። ሓደ መዓልቲ ግን ንሓደ ካህን ብዛዕባ ትምህርቲ ስላሴ ክገልጸለይ ምስ ሓተትክዎ: ኣብ ክንዲ መልሲ ብበትሪ ዓሰርተ ግዜ ተወቓዕኩ። ይኹን እምበር: ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰንኩ እተፈጸመ ነገር ኢዩ ነቲ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዝነበረኒ ጥርጣረ ከም ዝሕይል ዝገበሮ። ወለዳ ነደይ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ወርሒ ፍልልይ ሞቱ: ኣደይ ድማ ንኽልቲኡ ናይ ቤተ-ክርስትያን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክትከፍል ዘኽእላ እኹል ገንዘብ ኣይነበራን። ስለዚ ኸኣ ካልእ ግዜ ክትከፍሎ ትኽእል እንተ ዀይና ነቲ ካህን ሓተተቶ። “ወለድኺ ገለ ንብረት ነይሩዎም ኢዩ: ኣይኰነን ድዩ፧ ንዕኡ ሼጥኪ ነቲ ገንዘብ ንቐብሪ ተጠቐምሉ” ኢሉ መለሰላ።
ሒደት ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ: ብ1933 ሂትለር ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ: ቋንቋ ፖላንድ ከይንዛረብ ተኸልኪልና ነበርና፣ ኣብ ክንድኡ ቋንቋ ጀርመን ክንዛረብ ነበረና። እቶም ቋንቋ ጀርመን ምዝራብ ዝኣበዩ ወይ ክማሃሩ ዘይከኣሉ ሰባት ቀስ ብቐስ ጠፍኡ: ጸኒሕና ከም ዝሰማዕናዮ ኸኣ ናብ መዳጐኒ ደምበታት ኢዮም ተወሲዶም። ስም ናይ ዓድና እውን ከይተረፈ ናብ ግሩንፉለስ ዝብል ናይ ጀርመን ስም ተቐየረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ: ትምህርቲ ኣቋረጽኩ: ኣብቲ ናይ ሂትለር ማሕበር መንእሰያት ኣባል ስለ ዘይነበርኩ ድማ: ስራሕ ብቐሊሉ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣብ መወዳእትኡ ግን: ከም ተልሜደን ኣንጠረኛ ኰይነ ክሰርሕ ተቘጸርኩ። እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ: ምእንቲ ሂትለርን ወተሃደራት ጀርመንን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ጸሎት ይግበር ነበረ። በቶም ሓደ ወገን ድማ ዓወት ንምርካብ ተመሳሳሊ ጸሎት ይግበርዶ ይህሉ ይኸውን ኢለ እሓስብ ነበርኩ።
ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ዘበርከትክዎ ኣገልግሎት
ታሕሳስ 1941 ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ተቘጸርኩ: ኣብ መጀመርታ 1942 ድማ ኣብ ሓንቲ ዳህሳሲት መርከብ ኰይነ ከገልግል ናብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ተላኣኽኩ። ነተን ወተሃደራት: ወተሃደራዊ ዕጥቂ: ወይ ኣቝሑ ጽዒነን ካብ ትሮንደይም ናብ ኦስሎ ዝመላለሳ መራኽብ ክንዕጅበን ተመደብና። ኣብ ባሕሪ ከሎኹ ኸኣ ኢየ ክልተ ባሕረኛታት ከምቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ እተነግረ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ክዘራረቡ ኸለዉ ዝሰማዕክዎም። ብግልጺ ክዛረቡ ይፈርሑ እኳ እንተ ነበሩ: ወለዶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝሓብሩ ንሳቶም ግን ኣብነቶም ከም ዘይሰዓቡ ነገሩኒ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጀመርታ ግዜይ ዝሰማዕኩ ሽዑ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ውግእ ክውዳእ ከሎ ናይ እንግሊዛውያን እሱራት ኰንና: ናብ ጀርመን ንኽንምለስ ከኣ ንኣመሪካውያን ኣረከቡና። እቶም ዓድና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሕብረት ሶቭየት ዝኣተወ ኣብ መዐደኒ ከሰል ንኽንሰርሕ ናብቲ ኣብ ሊዮቨ: ሰሜን ፈረንሳ: ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተወሰድና። ግዚኡ ነሓሰ 1945 ነበረ። ንሓደ ካብቶም ዝሕልዉና ዝነበሩ ፈረንሳውያን ሓለውቲ ሃይማኖቱ እንታይ ምዃኑ ከም ዝሓተትክዎ እዝክሮ ኢየ። “ካቶሊክ” ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን ካቶሊክ ስለ ዝነበርኩ: “ኣብ ንሓድሕድና ዝፈጸምናዮስ እንታይ ይበሃል፧” ኢለ ሓተትክዎ። “ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ዘሎ ነገር ኢዩ” ኢሉ መለሰለይ። ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ክዋግኡን ክቀታተሉን ንዓይ ትርጕም ኣይነበሮን።
ኣብቲ መዐደኒ ከሰል ዝረኸብክዎ ጩራ ብርሃን
ኣብቲ መዐደኒ ዝነበርኩላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣብ ጐድኒ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዓደንቲ ከሎኹ: ሓደ ኤቫንዝ ኢምዮት ዝስሙ ሰብኣይ ካብ እምበቲቶኡ መቐለኒ። መበቈሉ ካብ ኦሃዮ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እኳ እንተዀነ: ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ፈረንሳ ተቐሚጡ ነበረ። ብዛዕባ ሓንቲ ፈጺሙ ውግእ ዘይህልዋ ዓለም ነገረኒ። እቲ ሕያውነት ዝመልኦ ኣረኣእይኡ ኣገረመኒ። ኣነ ጀርመናዊ: ንሱ ድማ ኣመሪካዊ እኳ እንተ ነበርና: ኣብ ልዕለይ ግን ጽልኢ ዝበሃል ኣየሕደረን። ክሳዕ መጀመርታ 1948 ፈጺምና ኣይተራኸብናን ሽዑ ኸኣ እታ “መስፍን ሰላም ” ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ሃበኒ። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እቲ ውግእ ዝጸልእ ሰናይ ዝዀነ ኣምላኽ—ንጽባቐ ናይቲ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ-ክቢ ዝርከብ ባና እናረኣኹ ብሓሳበይ ዝግምቶ ዝነበርኩ ዓይነት ኣምላኽ—ተማሃርኩ። እታ ነዚ እትምህር ሃይማኖት ክረኽባ ወሰንኩ። ኤቫንዝ ኣብ ካልእ ክፍሊ መዐደኒ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ግን ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። ናብ ኵለን እተን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበራ እተፈላለያ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ብምኻድ: ብዛዕባ እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ገለ ዝፈልጡ እንተ ዀይኖም ሓተትክዎም። ጻዕረይ ግን ከንቱ ነበረ።
ኣብ መወዳእትኡ: ብሚያዝያ 1948 ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ተፈታሕኩ እሞ ናጻ ዀይነ ክሰርሕ ጀመርኩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ ንሰንበታ: ኣብ መገዲ ሓንቲ ንእሽቶ ደወል ክትድወል ምስ ሰማዕኩ ተገረምኩ። ንኤቫንዝ ምስ ረኣኽዎ ኣዝየ ተሓጐስኩ! ኣርእስቲ ህዝባዊ ዝርርብ ዘፋልጥ ምልክታ ኣብ ክሳዶም ኣንጠልጢሎም ምስ ዝነበሩ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዩ ነይሩ። እቲ ደወል ዝድውል ዝነበረ ምስክር እቲ ሕጂ ኣብ ፈረንሳ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘሎ ማርሶ ላርዋ ኢዩ ነይሩ። ምስቲ ብምኽንያት እምነቱ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት እተሳቐየ ዮሴቭ ኩልቻክ ዝስሙ ቋንቋ ጀርመን ዝዛረብ ፖላንዳዊ ኣላለዩኒ። ናብቲ ኣብታ ምሸት እቲኣ ዝግበር ኣኼባ ክመጽእ ዓደመኒ። ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ይበሃል ከም ዝነበረ ብዙሕ ኣይተረድኣንን: ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ኢዶም ምስ ኣውጽኡ ግን ነቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዶም ከም ዘውጽኡ ሓተትክዎ። “እዚኣቶም ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ናብ ዳንከርኲ ከይዶም ክሰብኩ ዝኽእሉ ኢዮም” በለኒ። “ኣነኸ ክኸይድ እኽእልዶ፧” ኢለ ሓተትክዎ። “እወ: ትኽእል ኢኻ!” ኢሉ መለሰለይ። በዚ ኸምዚ: ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ሰንበት ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ሰበኽኩ። ኵሎም እቶም ዝረኸብናዮም ሰባት ፍቓደኛታት እኳ እንተ ዘይነበሩ: ኣብኡ ብምክፋለይ ግን ተሓጐስኩ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ስርዓታዊ ኰይነ ክሰብኽ ጀመርኩ።
ጠባየይ ንምቍጽጻር ምምሃር
ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቶም መሰኻኽር ኣብቲ ናጻ እተለቁ ጀርመናውያን እሱራት ዝነብሩሉ ባራካታት ክሰብኩ ጀመሩ። በቲ ሓራቕ ጠባየይ ኣዝየ ፍሉጥ ስለ ዝነበርኩ: ኣብዚ ቦታ እዚ ምስባኽ ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን። ሓደ ሰብ ምስ ዘላግጸለይ: “እንተድኣ ዘይተጠንቂቕካ: ኣብኣ ትረኽባ” ኢለ አፈራርሖ ነበርኩ። ሓደ ግዜ ኣብቲ መዐደኒ እናሰራሕኩ ከሎኹ: ሓደ ሰብ ንየሆዋ ምስ ኣቈናጸቦ ብጕስጢ ወቓዕክዎ።
ይኹን እምበር: ብሓገዝ የሆዋ: ኣብ ባህርያተይ ለውጢ ክገብር ክኢለ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ: ኣብዚ ባራካታት እዚ እናሰበኽና ከሎና: ኣዝዮም ሰኺሮም ዝነበሩ ጕጅለ ሰብኡት ንገለ ካብቶም መሰኻኽር ኣሸገርዎም። እቶም ምሳይ ዝነበሩ ኣሕዋት ሓራቕ ምዃነይ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ: ኣብቲ ጕዳይ ከይኣቱ ክኽልኩልኒ ፈተኑ: እንተዀነ ግን ሓደ ካብቶም ሰብኡት ናባይ ገጹ እናቐረበ ክፍክረለይን ጃኬቱ ከውጽእን ጀመረ። ኣነ ድማ ካብ ብሽክለታይ ወረድኩ እሞ ንኽሕዛ ነቲ ሰብኣይ ሃብክዎ: ንኣእዳወይ ድማ ኣብ ጁባይ ኣእተኽዎ። በቲ ዝገበርክዎ ኣዝዩ ስለ እተገረመ: ክዛረቦ ከሎኹ ጽን ኢሉ ሰምዓኒ። ሕጂ ናብ ገዝኡ ኸይዱ ክድቅስ: ድሕሪኡ ድማ ናብቲ ህዝባዊ ዝርርብ ዝዋሃበሉ ቦታ ክመጽእ ነገርክዎ። ሰዓት 3:00 ድሕሪ ቐትሪ ድማ: ናብቲ ኣኼባ መጸ! ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ: ቅድም እሱራት ዝነበሩ ገለ 20 ዝዀኑ ሰባት ነቲ መልእኽቲ ተቐበልዎ። ኣነ ድማ: መስከረም 1948 ተጠመቕኩ።
ምሉእ ብምሉእ ትሑዝ ግን ከኣ ዓስቢ ዘለዎ መደብ
ነቲ ክንሰብከሉ ዝነበረና ዞባታት ናይ ምክትታልን ህዝባዊ ዝርርባት ከነካይደሉ እንኽእል ቦታታት ናይ ምድላይን ሓላፍነት ተዋሂቡኒ ነበረ። ከምዚ ንምግባር: ሓድሓደ ግዜ በታ ንእሽቶ ሞተር ብሽክለታይ ገይረ ዳርጋ 50 ኪሎ ሜተር እጓዓዝ: ኣብቲ መዐደኒ ድማ ኣብቲ ናይ መወዳእታ እብረ እሰርሕ ነበርኩ። ድሕርዚ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ: ብኣውቶቡስ ገይርና ናብቲ ዞባ ንኸይድ: ክልተ ወይ ኣርባዕተ ኣስፋሕቲ ድማ መጕልሒ ድምጺ ሒዞም ይወርዱ። ኣብ ዕብይ ዝበለ ከተማታት: ምሹእ ቦታ ብምርካብ: ከም ኣትራኖስ ኰይኑ ንኸገልግል ንሳንጣታትና ንደራርቦ ነበርና። መብዛሕትኡ እዋን: ኣርእስቲ ናይቲ ሰባት ንኽሰምዕዎ እንዕድሞም ህዝባዊ ዝርርብ ንምፍላጥ ኣብ ክሳድ ዝንጥልጠል ምልክታታት ንጥቀም ነበርና።
ብ1951 ምስታ ኣብ ከተማ ሬምስ እትነብር ዝነበረት ዣኔት ሾፉር ዝስማ ምስክር ተራኸብኩ። ምስ ተረኣኣና ብኡንብኡ ተፋቐርና: ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ብ17 ግንቦት 1952 ተመርዓና። ናብታ ጥቓ ዱኣ እትርከብ ዕደና ዝካየደላ ፔካንኩር እትበሃል ከተማ ገዓዝና። ይኹን እምበር: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ክሓምም ጀመርኩ። ምስ ተመርመርኩ ኣብቲ መዐደኒታት ብምስራሕ ዝመጽእ ሲሊኮሲስ ዝበሃል ናይ ምስትንፋስ ሕማም ምዃኑ ፈለጥኩ: እንተዀነ ግን ካልእ ዓይነት ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ስለዚ ብ1955 ኣብቲ ኣብ ኑረምበርግ: ጀርመን: ኣህጕራዊ ኣሰምብሊ እተኻየደሉ እዋን: ነታ ኣብ ገምገም ፈለግ ሪህን ዘላ ካል እትበሃል ሒደት ኢንዱስትሪ ዘለዋ ከተማ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ክንሕግዝ ተሓተትና። ናብዚ ቦታ እዚ ንምግዓዝ ከኣ ካብ ስራሕ ናጻ ኢና ነይርና። ሽዑ: ኣብታ ጉባኤ 45 ኣስፋሕቲ ጥራይ ነበሩ። ኣብተን ምስ እዛ ጉባኤ እዚኣ ኴንና ዝዓየናለን ስዒበን ዝነበራ ሸውዓተ ዓመታት: እቲ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ናብ 95 ክብ በለ።
ተወሳኺ ናይ ኣገልግሎት መሰላት
እታ ጉባኤ ኣበርቲዓ ከም ዝደልደለት ምስ ረአና: ኣብ ፈረንሳ ከም ፍሉያት ፓይነራት ኰይና ንኸነገልግል መዝነት ክትህበና ንማሕበር ሓተትናያ። ፓሪስ ምስ ተመደብና ድማ ኣዚና ተገረምና። እተን ኣብኡ ዘሕለፍናየን ሸሞንተ ኣዋርሕ ብዙሕ ሓጐስ ዝመልአን ግዜያት ነበራ። ኣነን ዣኔትን ብጠቕላላ 42 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ መሰል ነበረና። ሓሙሽተ ተማሃሮና ኣብቲ ቦታ ከሎና ተጠምቁ: 11 ካልኦት ድማ ጸኒሖም ሓቂ ተቐበሉ።
ላቲን ኳርተር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንነብር ስለ ዝነበርና: መብዛሕትኡ እዋን ምስ ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ ሶርቦን ንራኸብ ነበርና። ሓደ ምሕዋይ እምነት ዘዘውትር ዝነበረ ጥሮታ ዝወጸ ናይ ፍልስፍና ፕሮፌሰር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ: ኣብ መወዳእትኡ ድማ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ። ሓደ መዓልቲ ምስ ናይ ጀስዊት መምህራን ጥብቂ ርክብ ዝነበሮ ሓደ ስቪል መሃንድስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ጀመርኩ። ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ኣፓርትማና መጸ: ሰዓት ዓሰርተ ምሸት ድማ ከደ። ካብቲ ዝገረመና ድማ: ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጸኒሑ ንገዛና ተመሊሱ መጸ። ምስ ሓደ ጀስዊት ተዘራሪቡ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ሕቶታት ግን ክምልሰሉ ኣይከኣለን። ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ኣቢሉ ንገዝኡ ኸደ: ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ተመሊሱ መጸ። ድሕሪ ገለ ግዜ: ንሱውን ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ። ንሓቂ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽምኢ ዘለዎም ሰባት ምርካብና ንዓይን ንበዓልቲ ቤተይን ዓቢ ምትብባዕ ኰይኑና ኢዩ።
ኣብ ፓሪስ ድሕሪ ምግልጋለይ: ከም ገያሺ ተዓዛቢ ኰይነ ኣብ ምብራቕ ፈረንሳ ከገልግል ተዓደምኩ። ነተን ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳን ጀርመንን ዝሓዛ ጉባኤታት ምብጻሕ: ነቶም ኣሕዋት ድማ ምትብባዕ ብሓቂ ኣሐጒስና ኢዩ። ነታ ኣብ ሎረይን እትርከብ ሮምባስ እትበሃል ጉባኤ ክበጽሓ ከሎኹ: ንስታኔስዋስ ኣምብሮሽቻክ ረኸብክዎ። ንሱ ኣብ እዋን እቲ ውግእ ኣብ ሳብማሪን ሓይልታት ኪዳን? ዘገልገለ: ኣብ ማያት ኖርወይ ድማ እተዋግአ ፖላንዳዊ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ባሕሪ ንጓዓዝ እኳ እንተ ነበርና: ኣብ ክልተ ተቓወምቲ ወገናት ኢና ነይርና። ሕጂ ንኣምላኽና የሆዋ እነገልግል ሓቢርና እንዓዪ ኣሕዋት ኢና። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ኣብ ሓደ ኣብ ፓሪስ እተገብረ ኣሰምብሊ: ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ረኣኹ። ንሱ ናይቲ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ቤት ማእሰርቲ ኣዛዚ ኢዩ ነይሩ። ኣብ እዋን እቲ ዓቢ ኣኼባ ሓቢርና ብምዕያይና ክንደይ ኰን ኢና እተሓጐስና! ቅድም ዝጻልኡ ንዝነበሩ ሰባት: ኣሕዋትን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽን ክገብሮም ዝኽእል ሓይሊ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ!
እቲ ዘሕዝን ግን: ጥዕና እናሰኣንኩ ስለ ዝኸድኩ: ካብቲ ን14 ዓመታት ዝዓየኽዎ ዕዮ መገሻ ኣቋረጽኩ። ይኹን እምበር: ኣነን በዓልቲ ቤተይን ዓቕምና ብዘፍቅደልና መጠን ንየሆዋ ምግልጋል ክንቅጽል ወሰንና። ስለዚ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ሙልሃውስ መንበሪ ገዛን ስራሕን ረኸብና: ፓይነራት (ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን) ድማ ኰንና።
ኣብ ምህናጽ ኣደራሻት መንግስቲ ብምክፋለይውን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝየ ከም ዝሕጐስ ገይሩኒ ኢዩ። ብ1985 ኣብ ምብራቕ ፈረንሳ ዘገልግል ናይ ህንጻ ጕጅለ ከመሓድር ተሓተትኩ። ክኢላታት ሰራሕተኛታት ብምጥቃምን ወለንተኛታት ብምልምማድን: ንኣምልኾ የሆዋ ዝበቅዕ ከም ዝኸውን ንምግባር ልዕሊ 80 ዝኸውን ኣደራሻት ኣብ ምህናጽን ምሕዳስን እተኻፈለት ጕጅለ ከነቕውም ክኢልና ኢና። ብ1993 ኣብ ፍረንች ጊያና: ደቡብ ኣመሪካ: ኣብ ምህናጽ ኣሰምብሊ ኣደራሽን ሓሙሽተ ኣደራሻት መንግስትን ብምዕያየይ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ!
ፈተናታት እናሃለወ ተቢዕካ ምቕጻል
ኣብዘን ዝሓለፋ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈት ዝፈጸምኩለን 50 ዓመታት: ህይወተይ ብርግጽ ብብዙሕ ሓጐስን ናይ ኣገልግሎት መሰላትን ዝመልአ ኢዩ ነይሩ ክብል እኽእል ኢየ። እቲ ዘሕዝን ግን: ታሕሳስ 1995 እታ ን43 ዓመታት ምሳይ ዝነበረት ዝፈትዋ በዓልቲ ቤተይ ሞተት። እዚ ግዜ እዚ ኣዝየ ዝሓዘንክሉ እዋን እኳ እንተ ነበረ—ገና ሎሚውን ዝሓዝን እንተ ዀንኩ—የሆዋ ሓይሊ ይህበኒ ኢዩ። እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ፍቕሪ ስለ ዘርኣዩንን ስለ ዝደገፉንን ድማ: ግዜ ምስ ሓለፈ እቲ ስቓይ ብውሱን ደረጃ ከም ዝቕንስ ገይሮም ኢዮም።
ነተን ብ1963 ሓደ ቅቡእ ሓው ኣብቲ ኣብ ሙኒክ: ጀርመን: እተገብረ ሓደ ኣሰምብሊ ዝበለኒ ቃላት ገና ኣጸቢቐ እዝክረን ኢየ። ከምዚ ኢሉኒ ነበረ:- “ኣንድሬ: ንየማን ወይ ንጸጋም ገጽካ ኣይትጠምት። እቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ዝነበሩ ኣሕዋት ፈተናታት ተጸሚሞም ኢዮም። ሕጂ ድማ ምቕጻልናን ዘይምቕጻልናን ኣባና እተመርኰሰ ኢዩ። ንነብስና ክንድንግጸላ የብልናን። ስለዚ ተቢዕካ ቀጽል!” ነዚ ምኽሪ እዚ ኵሉ ግዜ ኢየ ዝዝክሮ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብምኽንያት ጥዕና ምስኣንን ዕድመ ምድፋእን ብዙሕ ክዓዪ ዘይክእል እኳ እንተ ዀንኩ: እተን ኣብ እብራውያን 6:10 ዝርከባ ‘ኣምላኽ ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዝርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን’ ዝብላ ቃላት ዘየቋርጽ ምንጪ ምጽንናዕ ኢየን ዝዀናኒ። እወ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምዕያይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ዝዓበየ መሰል ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ 50 ዓመታት: ሸቶይ “ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ንምዃን ኢዩ ነይሩ: ሕጂውን ገና ኣይተለወጠን።—2 ጢሞቴዎስ 2:15
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መንጎ ክልተ ኣጻድፍ ዝነበረ ወሽመጥ ባሕሪ ኖርወይ ኰይነ ዘገልግለላ ዝነበርኩ ዓይነት መርከብ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ብብሽክለታ ዝግበር ዝነበረ ሰብከት
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እቲ እተደራረበ ሳንጣታት ከም ህዝባዊ ዝርርብ መውሃቢ ኣትራኖስ ኰይኑ ኣገልገለ
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእልታት]
ምስ በዓልቲ ቤተይ ዣኔት ብ 1952 ኣብ መዓልቲ መርዓና