ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/7 ገጽ 23-27
  • ካብ ክቱር ድኽነት ናብ ዝበለጸ ዓይነት ሃብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ክቱር ድኽነት ናብ ዝበለጸ ዓይነት ሃብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝሓሸ ነገር ምንዳይ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዝህቦ ተስፋ ተሓጐስኩ
  • ኣጋይሽ ብምቕባልና ረባሕና
  • መስጐጕቲ ምጽማም
  • ነቲ ዝበለጸ ሃብቲ ምስትምቓሩ
  • ብብዙሕ መገድታት ጸጋ ኣምላኽ ረኺብና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • የሆዋ ዘቕርቦ ጻውዒት ምቕባል ዓስቢ ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘደንቕ ነገራት ዝመልኦ ህይወት ኣሕለፍና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/7 ገጽ 23-27

ካብ ክቱር ድኽነት ናብ ዝበለጸ ዓይነት ሃብቲ

ብማንወል ዳ ዣዙሽ ኣልመይዳ እተዘንተወ

ኣብ ጥቅምቲ 1916 ተወለድኩ: ካብቶም 17 ቈልዑ ኸኣ እቲ ሕሳስ ልደ ኢየ። ትሽዓተ ካብ ዓበይቲ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብሰንኪ ሕማምን ጕድለት ኣመጋግባን ስለ ዝሞቱ ኣይፈልጦምን ኢየ። እቶም ዝተረፍና ሸሞንተ ቘልዑ ኣብ ፖርቱጋል ጥቓ ከተማ ፖርቶ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ገጠር ምስ ወለድና ንነብር ነበርና።

እታ ናይ ድኻታት ቤትና ሓንቲ ንእሽቶ መቐበል ኣጋይሽን ሓንቲ መደቀስን ዝሓዘት ኢያ ነይራ። ዝስተ ማይ ዳርጋ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ርሒቕካ ካብ ዝርከብ ዒላ ኢዩ ዝመጽእ ነይሩ: ናውቲ ክሽነና ድማ ድሑር ኢዩ ነይሩ።

እቶም ዓበይቲ ኣሕዋተይ እኽል ምስ በሉ ዕፉን ኣብ ዝፈርየሉ ግራውቲ ክሰርሑ ጀመሩ። ደሞዞም ስድራቤትና ድራር እለት ክትረክብ ኣኽኣላ። በቲ ዝወፈይዎ ሓገዝ ድማ እቲ ውሱን ትምህርቲ ዝረኸበ እንኮ ውሉድ ኰንኩ። ናብራና መከራ ዝመልኦ እኳ እንተ ነበረ: እሙናት ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምዃን ብገለ መገዲ ንናብራና ከመሓይሾ ይኽእል ኢዩ ብዝብል ተስፋ ኢና እንነብር ነይርና።

እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ወርሒ ግንቦት ኖቪና ተባሂሉ ዝፍለጥ ብተኸታታሊ ንትሽዓተ መዓልትታት ዝግበር ስነ⁠-​ስርዓት ኣምልኾ ነበራ። ኣብተን መዓልትታት እቲኣተን ኣንጊህና ገና ጸልማት ከሎ ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ብእግሪ ንጓዓዝ ነበርና። ካብ ኣምላኽ በረኸት ክወርደና ኢዩ ብዝብል እምነት ከኣ ኣብኡ ዄንና ንጽሊ ነበርና። ነቲ ካህን ድማ ከም ቅዱስ ወኪል ኣምላኽ ገይርና ንወስዶ ነበርና። ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ ግዜስ ኣረኣእያና ተቐየረ።

ዝሓሸ ነገር ምንዳይ

ነቲ ንቤተ-ክርስትያን ዝኽፈል ግብሪ ምግባር ክንስእን ከሎና: እቲ ካህን ነቲ ጽንኩር ገንዘባዊ ጸገምና ኣይርድኣልናን ነበረ። እዚ ኸኣ ተስፋ ኣቝረጸና። ኣብታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝነበረኒ ኣረኣእያ ድማ ብቕጽበት ተቐየረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ: መሬት ክትጫዅር ካብ ምውዓልን ምስታ ቤተ-ክርስትያን ስሓቦ ጕተቶ እናበልካ ካብ ምንባርን ዝሓሸ ህይወት እንተ ረኸብኩ ኢለ ስድራይ ሓዲገ ክኸይድ ወሰንኩ። ኣብ 1936 ከኣ ሊዝቦን ርእሲ ከተማ ፖርቱጋል ኣተኹ።

ኣብኡ ኸኣ ምስ ኢድሚንያ ተፋለጥኩ። ሃይማኖት መታለሊ ኢዩ ዝብል ስምዒት እኳ እንተ ነበረኒ: ልምዲ እቲ ሕብረተሰብ ምእንቲ ከይንሓድግ ንስነ-ስርዓት መርዓና ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፈጸምናዮ። ድሕርዚ ኣብ 1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀመረ። ኣብ እዋን እቲ ውግእ ናይ 18 መኽዘናት ኣዛዚ ኢየ ነይረ: ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ኲናት ዝውዕል ንዋት ዝጽዕና 125 ማካይን ከነፋኑ ነበርና።

እቲ ውግእ ዘስዓቦ ስቅቕታን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብኡ ተኣሊኻ ምንባራን ንስምዒተይ ጐድኦ። ‘ኣምላኽ ብርግጽ ንደቅሰብ ይሓሊ ድዩ፧ ብኸመይከ ኢና ከነምልኾ ዘሎና፧’ ብምባል እሓስብ ነበርኩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ብ1954 ምስ ሓደ ዕድመ ዝደፍአ ሕፉር ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝነበረ ሕቶታት ተዘራረብና። እዚ ምይይጥ እዚ ንምሉእ ህይወተይ ለወጦ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዝህቦ ተስፋ ተሓጐስኩ

እዚ ጆሹዋ ዝበሃል ሕያዋይ ሰብኣይ: ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ግድላት እንኮ መፍትሒኡ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ከምኡውን ሰላምን ደሓንን ዝርከብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እዛ መንግስቲ እዚኣ ጥራይ ምዃኑ ገለጸለይ። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10፣ 24:⁠14) እቲ ዝነገረኒ ዘበለ ዅሉ ኣሐጐሰኒ: ብሰንኪ እቲ ቕድም ኣብ ሃይማኖት ዝፈልጦ ዝነበርኩ ተግባራት ግን ነቲ ዝገለጸለይ ሓሳባት ንኽቕበሎ ሰጋእ በልኩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ዕድመ ኣቕረበለይ ኣነ ድማ ገንዘብ ዘይሓትት ብዛዕባ ፖለቲካ ኸኣ ዘይዛረብ እንተዀይኑ ነቲ ዘቕረበለይ ዕድመ ከም ዝቕበሎ ነገርክዎ። ንሱውን ምስቲ ሓሳብ ተሰማምዐ እሞ እቲ ዘቕረበለይ ዕድመ ብዘይ ገለ ክፍሊት ምዃኑ ኣረጋገጸለይ።​—⁠ራእይ 22:⁠17

ኣብ ጆሹዋ ዝነበረኒ እምንቶ ብቕልጡፍ እናዓበየ ኸደ። ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ካብ ግዜ ንእስነተይ ጀሚረ ዝሃርፎ ዝነበርኩ ነገር ሓተትክዎ። ሕቶይ “ብብሕተይ ዝውንኖ ቅዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልወኒ እኽእልዶ፧” ዝብል ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምቕባለይ: ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ መብጽዓታት ንመጀመርታ ግዜ ካብ ቃል ፈጣሪና ከንብብ ብምኽኣለይ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ:- “ኣምላኽ ምስ ሰብ: . . . ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ”!​—⁠ራእይ 21:⁠3, 4

ብፍላይ እቲ ድኽነትን ሕማምን ከም ዝጠፍእ ዝገልጽ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መብጽዓታት ኣጸናኒዑኒ ኢዩ። እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ኤሊሁ ‘መግቢ ኣበርኪቱ ይህብ’ ብምባል ብዛዕባ ኣምላኽ ተዛረበ። (እዮብ 36:⁠31) ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ጽድቃዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ‘ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” NW ] ኢየ ከም ዘይብል’ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግር። (ኢሳይያስ 33:⁠24) ኣየ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣምላኽ ንደቅሰብ ብፍቕሪ ዝግደሰሎም! ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዝነበረኒ ተገዳስነት ከኣ እናዓበየ ኸደ!

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባ ንፋልማይ ግዜ እተኻፈልኩ 17 ሚያዝያ 1954 ኢዩ። ዝኽሪ በዓል ሞት ክርስቶስ ብምንባሩ ፍሉይ ኣኼባ ኢዩ ዝግበር ነይሩ። ካብታ እዋን እቲኣ ኣትሒዘ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዀይነ ክካፈል ጀመርኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ ነቲ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ሰናይ ነገራት ንኻልኦት ክነግሮም ጀመርኩ። ኣብቲ ግዝያት እቲ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንዙረት ናብቲ ገማግም ባሕሪ ንኸይድ: ስነ-ስርዓት ጥምቀት ድማ ነካይድ ነበርና። ምስ ጆሹዋ ካብ እንዘራረብ ሸውዓተ ወርሒ ምስ ሓለፈ: ንየሆዋ ኣምላኽ ህይወተይ ወፈኹ እሞ ነዚ ድማ ኣብቲ ንፖርቱጋል ዘዳውባ ውቅያኖስ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኽዎ።

ኣብ ምጅማር ናይ 1954 ኣብ መላእ ፖርቱጋል ቍጽሪ መሰኻኽር ዳርጋ ሚእቲ ጥራይ ነበረ። ስለዚ ኣብቲ ዕዮ ስብከት መሪሕነት ዝወስዱ ሰብኡት ኣዝዮም ተደልዩ። ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባረይ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣብታ ጉባኤ ሓላፍነታት ተዋህበኒ። ብ1956 ኣብ ሊዝቦን ኣብ ዝነበረት ካልኣይቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገልጋሊ ጉባኤ​—⁠ሽዑ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዝጽዋዓሉ ዝነበረ ስያመ​—⁠ንኽኸውን ተመዘዝኩ። ሎሚ ኣብዛ ኸተማን ከባቢኣን ልዕሊ ሚእቲ ጉባኤታት ኣለዋ።

ኣጋይሽ ብምቕባልና ረባሕና

ኣነን ኢድሚንያን እኹል ገንዘብ እኳ እንተ ዘይነበረና: ንክርስትያናት ኣሕዋትና ኵሉ ግዜ ቤትና ምስ ተራሕወ ኢዩ። ኣብ 1955 ሓደ ፓይነር​—⁠ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ስም​—⁠ካብ ዓዱ ብራዚል ናብቲ ኣብ ጀርመን እተኻየደ “ዕውትቲ መንግስቲ” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ ንምክፋል ክኸይድ ከሎ ናብ ፖርቱጋል ኣላገሰ። ብሰንኪ ሕጽረት መጓዓዝያ ንሓደ ወርሒ ኣብ ቤትና ቐነየ: ኣብዚ ግዜ እዚ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ረብሓ ኰን ኢና ዝረኸብና!

ኣብቲ እዋን እቲ ካብቶም ናብ ቤትና ዝመጹ ዝነበሩ ኣጋይሽ: ከም በዓል ሁጎ ሪመር ከምኡውን ቻርለስ ኣይኸር ዝኣመሰሉ ኣባላት ስድራቤት እቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ንሕና ነአንግዶም ነበርና: ንሳቶም ድማ ንፖርቱጋላውያን ኣሕዋት ዝርርባት ይህቡ ነበሩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ዘሎ ህጻን ጡብ ኣዲኡ ንምርካብ ሃረምረም ዝብል: ንሕናውን ነቲ ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ዝወሃበና መኣዛ ዘለዎ መንፈሳዊ መግቢ ንምርካብ ሃንቀው ንብል ነበርና።

ገየሽቲ ተዓዘብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ እዋን ምብጽሖም ኣብ ቤትና ይቕንዩ ነበሩ። ኣብ 1957 ዝበጽሓና ዘይርሳዕ ጋሻ እቲ ኣብ ፖርቱጋል ንዝነበሩ ኣሕዋት ከተባብዕ እተላእከ ተዓዛቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሞሮኮ ኦልቫሩ ቤረኮቼኣ ኢዩ። ኣብ ቤትና ኣብ ዝነበረት ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ተኻፈለ: ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝጸንሓለን ግዝያት ምሳና ክቕኒ ድማ ግዲ በልናዮ። ንሕና ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ምብጽሑ ብመንፈስ ክንሃጥር ከሎና: ኦልቫሩ ኸኣ በቲ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤተይ ኢድሚንያ እትኽሽኖ ዝነበረት መግቢ ብስጋዊ መገዲ ረጒዱ ኢዩ።

ክቱር ድኽነት: ከምቲ ኣነ ኣብ ግዜ ቝልዕነተይ ዘሕለፍክዎ: ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዘይሓዊ በሰላ ክገድፍ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንየሆዋን ንእሙናት ኣገልገልቱን ዝያዳ እንተ ለጊስናሎም የሆዋ ብዝያዳ ክባርኸና ምዃኑ ተገንዚበ ኢየ። በታ ዓቕምና እተፍቅደልና ምቕባል ኣጋይሽ እናኣንጸባረቕና ብዝኸድና መጠን እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኣእምሮይ እናተቐርጸ ከደ።

ኣብቲ ብ1955 ኣብ ከተማ ፖርቶ እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ን1958 ኣብ ስታድዩም ያንኪ ከተማ ኒው ዮርክ ዝካየድ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምልክታ ተነግረ። ነቲ ፖርቱጋላውያን ልኡኻት ንምስዳድ እተገብረ ምድላው ብገንዘብ ንምድጋፍ ድማ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበራ ኵለን ኣደራሻት መንግስቲ ናይ ውጽኢት ሳጹን ከም ዝቕመጥ ተገብረ: ኣብቲ እዋን እቲ ሒደት ኣደራሻት መንግስቲ ኢየን ነይረን። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ካብቶም ልኡኻት ክንከውን ምስ ተሓረና እተሰማዓና ሓጐስ ክትግምቶ ትኽእልዶ፧ ናብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ምስ ከድና ነቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንበጽሖ ምኽኣልና ኣዝዩ ኣሐጐሰና!

መስጐጕቲ ምጽማም

ብ1962 እቲ ኣብ ፖርቱጋል ዝካየድ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገደ፣ በዓል ኤሪክ ብሪትን: ዶመኒክ ፒኮኒ: ኤሪክ በቭሪጅ ከምኡውን ኣንስቶም ዝርከብዎም ሚስዮናውያን ካብታ ሃገር ተሰጉ። ብድሕርዚ ኣኼባታትና ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ከነካይድ ስለ እተኸልከልና: ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ብሕቡእ ንእከብ ነበርና፣ ኣብ ፖርቱጋል ዓበይቲ ኣኼባታት ምግባር ደጊም ዘይከኣል ነገር ኰነ። ስለዚ ኸኣ ነቶም ናብ ካልኦት ሃገራት ብምኻድ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝካፈሉ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝጥቀምሉ መጓዓዝያ ናይ ምድላው ሓላፍነት ተዋህበኒ።

ናብ ካልኦት ሃገራት ንዝኸዱ ኣዝዮም ብዙሓት መሰኻኽር ናይ ጕዕዞ ምድላዋት ክትገብረሎም ቀሊል ዕማም ኣይነበረን። ነቲ ፖርቱጋላውያን ኣሕዋት ዝረኽብዎ መወዳድርቲ ዘይብሉ መንፈሳዊ ረብሓታት ኣብ ግምት ብምእታው ግን: እቲ ጻዕሪ ንኸንቱ ኣይነበረን። እቶም ኣሕዋት ኣብ ስዊዘርላንድ: ዓዲ እንግሊዝ: ኢጣልያ: ከምኡውን ፈረንሳ ኣብ እተገብሩ ዓበይቲ ኣኼባታት ብምክፋሎም ኣየ ከመይ ዝበለ ሃናጺ ተመክሮታት ኰን ኢዮም ዘሕለፉ! ብተወሳኺ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ኣኼባታት: ጽሑፋት ሒዞም ናብታ ሃገር ክምለሱ ኣጋጣሚ ከፊትሎም ኢዩ። ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ኣብ ፖርቱጋል ከም ሃይማኖታዊ ማሕበር ክንምዝገብ ብተደጋጋሚ ሓቲትና ኢና: ኵሉ እዚ ሕቶታት እዚ ግን ተነጺጉ ተረፈ።

እቶም ሚስዮናውያን ኣብ ምጅማር ናይ 1962 ምስ ተሰጉ: ናይ ምስጢር ፖሊስ ነቲ ዕዮ ስብከትና ደው ንምባል ዝዓለመ ወፈራኦም ከነጣጥፉ ጀመሩ። ኣዝዮም ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ተታሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ቐረቡ። ሓያሎ ጸብጻብ ናይዚ ፍጻሜታት ድማ ኣብዚ መጽሔት እዚ ከምኡውን ኣብቲ ብጻዩ ዝዀነ መጽሔት ንቕሑ! ተሓቲሙ ወጺኡ ኢዩ።a

ሓደ ካብቶም ብምኽንያት ስብከት እተኣስሩ ኣሕዋት እቲ ኣነ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዘበሰርክዎ ፓይነር ነበረ። ኣባላት ፖሊስ ኣድራሻይ ምስኡ ስለ ዝረኸብዎ ጸዊዖም መርመሩኒ።

ድሕሪ ገለ ግዜ ክልተ ወኪላት ፖሊስ ናብ ቤተይ መጹ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝጥቀመሉ ጽሑፋትን 13 ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስን ድማ ሃገሩ። ኣብ እተፈላለየ እዋናት እናተመላለሱ ብጠቕላላ ሸውዓተ ግዝያት ኣባይትና ብተደጋጋሚ ብምፍታሽ ኣሰራጠዩና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝመጹሉ ዝነበሩ ግዜ ድማ ብሕቶታት ዓቕልና የጽብቡልና ነበሩ።

ኣብ ክንዲ እቶም ክርስትያናት ብጾተይ ናይ ምስክርነት ቃለይ ንምሃብ ሓያለይ ግዜ ናብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ተጸዊዐ ኢየ። ብዙሕ ዓለማዊ ትምህርቲ እኳ እንተ ዘይነበረኒ: የሆዋ ግን ‘ኵሎም ተኸራኸርቲ ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ጥበብ’ ሂቡኒ ኢዩ። (ሉቃስ 21:⁠15) ሓደ እዋን እቲ ዳኛ በቲ ናይ ምስክርነት ቃለይ ኣዝዩ ተገረመ እሞ: ደረጃ ትምህርተይ ሓተተኒ። ክሳዕ ራብዓይ ክፍሊ ጥራይ ከም እተመሃርኩ ምስ ገለጽኩ ኸኣ ኵሎም እቶም ኣብቲ መጋባእያ ዝነበሩ ሰባት ሰሓቑ።

መስጐጕቲ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ቍጽሪ እቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቕበልዎ ዝነበሩ እውን እናወሰኸ ከደ። ስለዚ ድማ ኢዩ እቲ ኣብ ፖርቱጋል ብ1962 ትሕቲ 1,300 ዝነበረ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1974 ናብ 13,000 ዝደየበ! እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ: ኣብ ግንቦት 1967 ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ከገልግል ተመዘዝኩ። ኣብዚ መዝነት እዚ ኰይነ ንጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈስ ንምብርታዕ እበጽሐን ነበርኩ።

ነቲ ዝበለጸ ሃብቲ ምስትምቓሩ

ኣብ ታሕሳስ 1974 ኣብቲ ንዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ዝገበረ መስርሕ ምምዝጋብ እጃም ንኽህልወኒ መሰል ረኸብኩ። ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ዓመት ኣነን በዓልቲ ቤተይን ኣባላት እቲ ኣብ ከተማ ኢሽታሪል ዝነበረ ስድራ ቤትኤል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰንና። ኣባል ኮሚቴ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፖርቱጋል ኰይነ ከገልግል እውን ተመዘዝኩ።

እቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ፖርቱጋል ከምኡውን ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ዝዕዘቦ ቦታታት ክስስን ከሎ ምርኣይ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ካብዚ ቦታታት እዚ ኣንጎላ: ኣዞርዝ: ኬፕ ቨርደ: ማዲር: ሳኦ ቶሜን ፕሪንቺፐን ይርከበኦ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሚስዮናውያን ካብ ፖርቱጋል ናብዚ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ተገዳስነት እተራእየሉ ቦታታት ንምግልጋል ክልኣኹ ከለዉ ምርኣይ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ፖርቱጋል ዘለዉ ልዕሊ 47,000 ዝዀኑ ሓዊስካ ኣብዚ ቦታታት እዚ ልዕሊ 88,000 ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምህላዎም ክትርእስ ክንደይ ዘሐጕስ ምዃኑ እሞ ገምቶ! እቲ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ብ1998 ዝነበረ 245,000 ቍጽሪ ተኣከብቲ ዝኽሪ ምስቲ ብ1954 ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከለኹ ዝነበረ ትሕቲ 200 ዝኸውን ቍጽሪ ተኣከብቲ ክወዳደር ከሎ ሰማይ ኢዩ ተወንጪፉ ክበሃል ይከኣል።

ነቲ “ካብ ሽሕ ግዜ ኣብ ካልእ ቦታ: ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድ [የሆዋ] ትሓይሽ” ኢሉ ዝገለጸ ጸሓፍ መዝሙር መጽሓፍ ቅዱስ: ኣነን ኢድሚንያ ብምሉእ ልብና ንሰምሮ ኢና። (መዝሙር 84:⁠10 NW ) ንድሕሪት ምልስ ኢለ ነቲ ትሑት ኣጀማምራይ ክርእዮን ምስቲ ዝረኸብክዎ ከምኡውን ዘስተማቕሮ ዘለኹ መንፈሳዊ ሃብቲ ከወዳድሮን ከለኹ: ከምቲ ንነብዪ ኢሳይያስ እተሰምዖ ኢዩ ዝስምዓኒ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ። ተኣምራት . . . ጌርካ ኢኻ እሞ: ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ። ንስኻ ዕርዲ ንድኻ: ንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ . . . ዀንካ።”​—⁠ኢሳይያስ 25:⁠1, 4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 22 ግንቦት 1964 ንቕሑ! ገጽ 8-16 (እንግሊዝኛ)፣ ከምኡውን ናይ 1 ጥቅምቲ 1966 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 581-92 (እንግሊዝኛ) ርአ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእልታት]

ላዕለዋይ:- ሓው ኦልመይዳ ናብቲ ናይ 1958 ናይ ኒው ዮርክ ዓቢ ኣኼባ ልኡኻት ንምስዳድ ምድላው ከም እተገብረ ኣብ ሊዝቦን ምልክታ ክነግር ከሎ

ማእከላይ:- ኣብቲ ኣብ ፓሪስ እተገብረ “ሰላም ኣብ ምድሪ ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ ንኣብነት ዝኸውን ናይ ኣገልገልቲ ኣኼባ ክመርሕ ከለኹ

ታሕተዋይ:- ናይ ክራይ ኣውቶቡሳት ናብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝግበር ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምኻድ ክዳለዋ ከለዋ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፖርቱጋል ናይ ንግሆ ኣምልኾ ክመርሕ ከለኹ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣብ 1988 እተወፈየ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፖርቱጋል

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሓው ሁጎ ሪመር ካብ ቤትኤል ብሩክሊን ክበጽሓና መጺኡ ኸሎ ዝሃቦ ዝርርባት ኣተባቢዑና ኢዩ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ በዓልቲ ቤተይ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ