ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/8 ገጽ 14-19
  • ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ገይርካ ምንባር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ገይርካ ምንባር
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ምስ ደቅሰብ ዝገብሮ ርክብ ደረት ይገብረሉ ኢዩ
  • ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ስጕምቲ ይወስድ
  • ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ኣቐዲሙ ይፈልጥ
  • ሓደ ዓቢ ፕሮጀክት
  • የሆዋ ነቲ ዕዮ ይድግፎ
  • ኣይትተሓለል!
  • “ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኣምላኽ ንዕኡ “ሻምናይ ርእሱ ሓለዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ኖህ ብእምነቱ ንዓለም ኰነና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/8 ገጽ 14-19

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ገይርካ ምንባር

“ኣነ ኣምላኽ እየ: ብጀካይ ከቶ የልቦን: . . . ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ . . . ኣነ እየ። ”​—⁠ኢሳይያስ 46:​9, 10

1, 2. ገለ ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ምድሪ ኢዱ ብዛዕባ ምእታዉ ዝወሃብ እተፈላለየ ርእይቶታት እንታይ ኢዩ፧

ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ምድሪ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኢዱ ዘእቱ፧ እተፈላለየ ርእይቶታት ኢዩ ዝወሃብ። ሓደ ካብኡ ኣምላኽ ፈጺሙ ኢዱ ኣየእቱን ኢዩ ዝብል ኢዩ። ብመሰረት እዚ ርእይቶ እዚ ኣምላኽ ንደቅሰብ ድሕሪ ምፍጣሩ ኣብ ክንዳና ስጕምቲ ንምውሳድ ፍቓደኛ ኣይኰነን ወይ ከኣ ክእለት የብሉን። ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: ኣምላኽ ምስ ሓደ ንወዱ ኣብ ሓዳስ ብሽክለታ ኣወጢሑ ኣብ ጽርግያ ክዝውር ኣጀምር ኣቢሉ ፈንይዎ ዝኸይድ ኣቦ ክመሳሰል ይኽእል። እቲ ወዲ በይኑ ኢዩ ዘሎ፣ ክወድቕ ወይ ከይወድቕ ይኽእል ኢዩ። ይውደቕ ኣይውደቕ ብዘየገድስ ኣቦኡ ጠንጢንዎ ኢዩ።

2 ካልእ ርእይቶ ድማ: ኣምላኽ ንዅሉ መዳያት ናብራና ባዕሉ ይመርሖ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ፍጡራቱ ዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ፍጻመታት ብቐጥታ ይቈጻጸሮ ዝብል ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ ግን ገሊኦም ሰባት ኣምላኽ ጽቡቕ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ደቅሰብ ዝወርድ ገበንን ዘሕዝን ኵነታትን እውን ባዕሉ ከም ዘምጽኦ ይድምድሙ ይዀኑ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ርክብ ምፍላጥ ካብኡ እንታይ ክንጽበ ከም ዘሎና ንኽንርዳእ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን መብጽዓታቱ ብርግጽ ከም ዝፍጸም ንዘሎና እምነት ከደልድለልና ኢዩ።​—እብራውያን 11:1

3. (ሀ) የሆዋ ናይ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) የሆዋ ዕላምኡ ከም ‘ዝእምም’ ከምኡውን ‘ቅርጺ ዘትሕዝ’ ምዃኑ ተዘሪቡሉ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ኢዱ ዘእቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምውሳን ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ቀንዲ ረቛሒ የሆዋ ናይ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥ ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስ ስሙ እተተሓሓዘ ኢዩ። “የሆዋ” ማለት “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ማለት ኢዩ። የሆዋ ንዅሉ መብጽዓታቱ ዝፍጽም ኣምላኽ ኰይኑ ምእንቲ ክርከብ ብገዛእ ርእሱ ተለዓዒሉ በብግዚኡ ስጕምቲ ይወስድ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ የሆዋ ነቲ ምስ መጻኢ ፍጻመታት ወይ ስጕምትታት እተተሓሓዘ ዕላምኡ ከም ‘ዝእምም’ ወይ ቅርጺ ዘትሕዝ ምዃኑ ተዘሪቡሉ ኣሎ። (2 ነገስት 19:⁠25፣ ኢሳይያስ 46:⁠11) እዚ ስያመታት እዚ ካብታ ያ·ትሳር ʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል እተወስደ ክኸውን ከሎ ምስቲ “ሰራሕ መሬት” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ቃል እተተሓሓዘ ኢዩ። (ኤርምያስ 18:⁠4) ልክዕ ከምቲ ሓደ ክኢላ ሰራሕ መሬት ጭቃ ገይሩ መቐመጢ ዕንባባ ዝኸውን ምልኩዕ ባዞ ዝቐርጽ: የሆዋ እውን ዕላምኡ ምእንቲ ክፍጽም ንነገራት ከምቲ ዝደለዮ ገይሩ ቅርጺ ከትሕዞ ወይ ክኣልዮ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 1:⁠11

4. ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪት ደቅሰብ ከም እትኸውን ገይሩ ዘዳለዋ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ንኣብነት: ኣምላኽ ንምድሪ ፍጹማትን እዙዛትን ደቅሰብ ዝነብሩላ ባህ እተብል ውቅብቲ ስፍራ ክትከውን ብዝብል ዕላማ ኢዩ ፈጢርዋ። (ኢሳይያስ 45:⁠18) ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ቅድሚ ምፍጣሩ: የሆዋ ፍቕራዊ ምድላው ገበረሎም። እተን ቀዳሞት ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ዘፍጥረት: የሆዋ ብኸመይ መዓልትን ለይትን ከምኡውን ምድርን ባሕርን ከም ዘቘመ ይገልጻ። ቀጺሉ ኣታኽልትን እንስሳታትን ፈጠረ። እዚ ደቅሰብ ምእንቲ ክነብርሉ ኢሉ ዝገበሮ ምድላው ኣሽሓት ዓመታት ኢዩ ወሲዱ። እቲ ውጥን ከኣ ብዓወት ተዛዘመ። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብታ ህይወት እናኣስተማቐሩ ክነብሩላ ብዝኽእሉ መገዲ ምሉእ ብምሉእ እተዳለወት ባህ እተብል ገነት ኤደን ክነብሩ ጀመሩ። (ዘፍጥረት 1:⁠31) በዚ ኸምዚ የሆዋ ንዕዮታቱ በብግዚኡ ናብቲ ዝለዓለ ዕላማ ገጹ ቅርጺ እናኣትሓዘ ኣብ ጕዳያት ምድሪ ብቐጥታ ኢዱ ኣእትዩ ነበረ። ይኹን እምበር: ደቅሰብ ብቝጽሪ እናበዝሑ ምኻዶም ነቲ ኢድ ናይ ምእታው ተግባራቱ ከም ዝቕይር ገይርዎዶ ኢዩ፧

የሆዋ ምስ ደቅሰብ ዝገብሮ ርክብ ደረት ይገብረሉ ኢዩ

5, 6. ኣምላኽ ነቲ ምስ ደቅሰብ ዘለዎ ርክብ ደረት ዝገብረሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 የሆዋ ንዅሉ ናይ ደቅሰብ ንጥፈታት ክመርሕን ክቈጻጸርን ሓይሊ እኳ እንተለዎ: ከምኡ ኣይገብርን ኢዩ። ከምኡ ዘይገብረሉ ምኽንያት ከኣ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ምኽንያት ድማ ደቅሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥሩ ናጻ ድሌትን ስነ⁠-​ምግባራዊ ኣተሓሳስባን ዘለዎም ብምዃኖም ኢዩ። የሆዋ ትእዛዙ ክንፍጽም ኣየገድደናን ኢዩ፣ ከም ሮቦት እውን ኣይኰንናን። (ዘዳግም 30:⁠19, 20፣ እያሱ 24:⁠15) ኣምላኽ ሽሕኳ ብዝፈጸምናዮ ተግባራት ዝጸባጸበና እንተዀነ: ብፍቕሪ ተደሪኹ ንህይወትና ብኸመይ ክንመርሓ ከም ዘሎና ንምውሳን ዘኽእለና ሰፊሕ ናጽነት ሂቡና ኢዩ።​—⁠ሮሜ 14:⁠12፣ እብራውያን 4:⁠13

6 ኣምላኽ ንዅሉ ዝፍጸም ነገራት ከም ዘይቈጻጸሮ ዘርኢ ካልእ ምኽንያት ከኣ ምስቲ ሰይጣን ኣብ ኤደን ዘልዓሎ ብድሆ እተተሓሓዘ ኢዩ። ሰይጣን ነቲ ናይ ኣምላኽ ሉዓላውነት ብድሆ ኣቕረበሉ። ንሄዋን ብገዛእ ርእሳ ክትመሓደረሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ከም ዘለዋ ሓሳብ ምስ ኣቕረበላ ተቐበለቶ: ጸኒሑ ድማ ሰብኣያ ሓበራ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-6) ኣምላኽ ከኣ እቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ ምኽኑይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምእንቲ ከረጋግጹ ደቅሰብ እተወሰነ ግዜ ብገዛእ ርእሶም ክመሓደሩ ኣፍቀደሎም። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር እቲ ሎሚ ደቅሰብ ዝገብርዎ ዘለዉ ሕማቕ ነገራት ኣምላኽ ክውቀሰሉ ኣይክእልን ኢዩ። ሙሴ ብዛዕባ ዓለወኛታት ሰባት “ንሳቶም ተባላሸውዎ: ደቁ [ደቂ ኣምላኽ] ኣይኰኑን: ነውራማት እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ዘዳግም 32:⁠5

7. የሆዋ ንምድርን ደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧

7 ይኹን እምበር: የሆዋ ናጻ ምርጫን ብገዛእ ርእስኻ ናይ ምምሕዳር ፈተነታትን ክህሉ እኳ እንተ ኣፍቀደ: ኣብ ጕዳያት ምድሪ ፈጺሙ ኢዱ ከም ዘየእቱ ዘረጋግጽ ፖሊሲ ኣየውጽአን። ከምዚ ዝበለ ፖሊሲ ኣውጺኡ ነይሩ እንተ ዝኸውን ብዛዕባ እቲ መብጽዓታቱ ክፍጽም ዝገበሮ ውጥን ተስፋ ኣይምሃለወናን ነይሩ። ኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር ሉዓላውነት ኣምላኽ እኳ እንተ ዓለዉ: የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንምድርን ደቅሰብን ዝገበሮ ፍቕራዊ ዕላማ ኣይለወጦን። ንምድሪ ብዓወት ናብ ሓንቲ ፍጹማትን እዙዛትን ሕጉሳትን ሰባት ዝነብሩላ ገነት ክልውጣ ኢዩ። (ሉቃስ 23:⁠42, 43) እቲ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ: የሆዋ ዕላምኡ ንኽፍጽም ብኸመይ ብቐጻሊ ክዓዪ ከም ዝጸንሐን ይዓዪ ከም ዘሎን ይገልጸልና ኢዩ።

ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ስጕምቲ ይወስድ

8. ንእስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምእታው እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ፧

8 ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ዕላምኡ ክፍጽም ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣውጺኡ ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ተስፋ ከእትዎም ምዃኑ ንሙሴ ኣረጋጊጹሉ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:⁠8) እዚ ኣገዳስን ውሕስነት ዘለዎን መግለጺ ነበረ። ነቶም ምስ መተሓባብርቶም ሓዊስካ ሰለስተ ሚልዮን ኣቢሎም ዝበጽሑ ዝነበሩ እስራኤላውያን ካብታ ክነቕሉ ከለዉ ኣበርቲዓ እተጻረረቶም ሓያል ሃገር ሓራ ምውጻእ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 3:⁠19) እታ ዝኸድዋ ምድሪ ብብርቱዕ ምጽራር ክቕበልዎም ዝነበሮም ሓያላት ኣህዛብ ዝነብርዋ ምድሪ ኢያ ነይራ። (ዘዳግም 7:⁠1) ኣብ መገዲ ኸኣ: መግብን ማይን ዝድለየሉ በረኻ ኢዩ ነይሩ። እዚ ዅነታት እዚ የሆዋ ነቲ ዝለዓለ ሓይሉን ኣምላኽነቱን ንምንጽብራቕ እተጠቕመሉ ኵነታት ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘሌዋውያን 25:⁠38

9, 10. (ሀ) መብጽዓታት ኣምላኽ ትውክልቲ ዝግበሮ ምዃኑ እያሱ ክምስክር ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ነቶም እሙናቱ ዓስቦም ንምሃብ ክእለት ከም ዘለዎ እምንቶ ምግባር ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብእተፈላለየ ሓያል ግብርታት ካብ ግብጺ ኣውጽኦም። መጀመርታ: ኣብ ሃገር ግብጺ ዓሰርተ ዘዕኑ መዓት ኣውረደ። ቀጺሉ ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ መቒሉ እስራኤላውያን ከም ዝሓልፉ ብምግባር ነቶም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ሰራዊት ግብጺ ኣጥሓሎም። (መዝሙር 78:⁠12, 13, 43-51) ብድሕርዚውን: ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ክጓዓዙ ከለዉ ብማና መጊብዎም: ማይ ሂብዎም: ብዘይዚውን ክዳውንቶም ከም ዘይበሊ ኣእጋሮም እውን ከም ዘይሓብጥ ገይሩ ኢዩ። (ዘዳግም 8:⁠3, 4) እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ድሕሪ ምእታዎም: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ከም ዝዕወቱ ገበሮም። እቲ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ጽኑዕ እምነት ዘሕደረ እያሱ: ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ብዓይኑ ርእይዎ ኢዩ። በዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ብተኣማንነት ከምዚ ክብሎም ክኢሉ ኢዩ:- “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።”​—⁠እያሱ 23:⁠14

10 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ልክዕ ከምቲ ናይ ጥንቲ እያሱ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቶም ዘገልግልዎ ስጕምቲ ክወስድ ፍቓደኛ ምዃኑን ክእለት ከም ዘለዎን ምሉእ ምትእምማን ኣለዎም። እዚ ምርዳእ እዚ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ እምነትና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: . . . ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም [ዚህቦም]: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ብምባል ጸሓፈ።​—⁠እብራውያን 11:6

ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ኣቐዲሙ ይፈልጥ

11. ኣምላኽ መብጽዓታቱ ንኽፍጽም ዘኽእሎ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧

11 ኣምላኽ ናጻ ድሌትን ብገዛእ ርእሱ ዝመሓደር ሰብኣዊ ግዝኣትን ክህሉ ኣፍቂዱ እኳ እንተሎ: ዕላምኡ ንምፍጻም ስጕምቲ ክወስድ ሓይልን ድሌትን ከም ዘለዎ ርኢና ኣሎና። ይኹን እምበር: መብጽዓታት ኣምላኽ ብርግጽ ንኽፍጸም ኣበርክቶ ዝገብር ካልእ ረቛሒ እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ክፈልጥ ምኽኣሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 42:⁠9) ኣምላኽ ብነብይኡ ገይሩ ከምዚ በለ:- “ኣነ ኣምላኽ እየ: ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ: ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ: ኣነ ኣምላኽ እየ: ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ: ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ: ምኽረይ ኪቐውም እዩ: ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ: ዝበልኩ ኣነ እየ።” (ኢሳይያስ 46:⁠9, 10) ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ሓረስታይ መዓስን ኣበይን ዘርኢ ክዘርእ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ኢዩ: ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞ ዝኽእል ኵነታት ገለ ምጥርጣር ክሓድሮ ይኽእል ኢዩ። እቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ግን ዕላምኡ ንምፍጻም መዓስን ኣበይን ስጕምቲ ክወስድ ከም ዘለዎ ኣቐዲሙ ብንጹር ንምርኣይ ዘኽእሎ ርጡብ ፍልጠት ኣለዎ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠17

12. ኣምላኽ ኣብ መዓልትታት ኖህ ነቲ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ እተጠቕመሉ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ኣምላኽ ነዚ ኣቐዲምካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኣብ መዓልትታት ኖህ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ንርአ። ምድሪ በቲ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ክፍኣት ስለ ዝመልአት: ኣምላኽ ንዘይእዙዛት ደቅሰብ ከጥፍኦም ወሰነ። ነዚ መዓስ ከም ዝገብሮ ግዜ ወሰነ: እዚ ድማ ድሕሪ 120 ዓመት ነበረ። (ዘፍጥረት 6:⁠3) የሆዋ ነዚ ፍሉይ እዋን እዚ ክውስን ከሎ: ብዘይካ ጥፍኣት ናይቶም እኩያት ሰባት ካልእ ኣብ ግምት ዘእተዎ ነገር ነይሩ ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ግዜ እውን ክገብሮ ዝኽእል ኢዩ። እወ: እቲ የሆዋ ዝጥቀመሉ ናይ ግዜ መደብ ነቶም ጻድቃን ንምዕቃብ እውን ሓጊዙ ኢዩ። (ምስ ዘፍጥረት 5:⁠29 ኣረኣእዮ።) ኣምላኽ እዚ ዕላማ እዚ ከም ዝፍጸም ዝገብር ዕዮ ንመዓስ ክምድቦ ከም ዘለዎ ብጥበቡ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንኖህ እኹል ዝርዝር ሓበሬታ ሂብዎ ኢዩ። ኖህ “ንምድሓን ቤቱ እትኸውን” መርከብ ክሰርሕ: እቶም እኩያት ከኣ በቲ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ክጠፍኡ ነበሮም።​—⁠እብራውያን 11:⁠7፣ ዘፍጥረት 6:⁠13, 14, 18, 19

ሓደ ዓቢ ፕሮጀክት

13, 14. ነታ መርከብ ምስራሕ በዳሂ ዕዮ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ነዚ ዕዮ እዚ ብኣረኣእያ ኖህ ገይርካ ርኣዮ። ኖህ ናይ ኣምላኽ ሰብ ስለ ዝነበረ: ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት የሆዋ ከጥፍኦም ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እዚ ቀቅድሚ ምዃኑ ግን ክዕየ ዝነበሮ እምነት ዝሓትት ዕዮ ነበረ። ምህናጽ እታ መርከብ ዓቢ ፕሮጀክት ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ዓቐና ኣምላኽ ኣነጺሩ ነጊሩ ነበረ። ግፍሒ እታ መርከብ ካብ ገለ ዘመናዊ ናይ ስፖርት ሜዳ ዝነውሐ: ቁመታ ድማ ምስቲ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ዝመዓራረ ክኸውን ነበሮ። (ዘፍጥረት 6:⁠15) እቶም ክሰርሕዋ ዝነበሮም ከኣ ተመክሮ ዘይብሎምን ሒደትን ኢዮም። ከምዚ ናይ ሎሚ ምዕቡል መሳርሕን ኣቕሑን ኣይነበሮምን። ኣብ ርእሲ እዚውን: ኖህ ከምቲ ናይ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥ ክእለት ስለ ዘይነበሮ: ነቲ መርከብ ናይ ምስራሕ ፕሮጀክት ክሕግዝ ወይ ከጐናድብ ዝኽእል እንታይ ዓይነት ኵነታት ክህሉ ምዃኑ ዝፈልጠሉ መገዲ ኣይነበሮን። ኖህ ብዙሕ ሕቶታት ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነታ መርከብ ንምስራሕ ዘድሊ መሳርሒታት ብኸመይ ክእከብ ነበሮ፧ ነቶም እንስሳታትከ ብኸመይ ክኣኻኽቦም ነበሮ፧ እንታይ ዓይነት መግቢ ኢዩ ዘድሊ ነይሩ: መጠኑኸ ክንደይ ክኸውን ነበሮ፧ እቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩሉ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ዝመጽኣሉ ልክዕ ግዜ መዓስ ኢዩ ነይሩ፧

14 ብዘይካ እዚ ማሕበራዊ ኵነታት እውን ነይሩ ኢዩ። እከይ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። እቶም ሓያላት ነፍሊም ማለት ካብቶም እኩያት መላእኽትን ኣንስትን እተወልዱ ደቓሉ: ንምድሪ ብዓመጽ መሊኦምዋ ነበሩ። (ዘፍጥረት 6:​1-4, 13) ኣብ ርእሲ እዚውን መርከብ ዝኣክል ምስራሕ ብምስጢር ዝግበር ፕሮጀክት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። ሰባት: በቲ ኖህ ዝገብሮ ዝነበረ ክግረሙ: ንሱ ድማ ክነግሮም ነበሮ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠5) ክቕበልዎ ትጽቢት ክግበረሎም ይከኣልዶ፧ ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ! ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ እቲ እሙን ዝነበረ ሄኖክ ነቶም እኩያት ጥፍኣት ክወርዶም ምዃኑ ኣዊጁ ነበረ። መልእኽቱ ተቐባልነት ስለ ዘይነበሮ ግን ኣምላኽ “ወሲድዎ” ወይ ንህይወቱ ኣሕጺርዋ ኢዩ። እዚ ድማ ጸላእቱ ምእንቲ ከይቀትልዎ ኢሉ ምዃኑ ግሁድ ኢዩ። (ዘፍጥረት 5:⁠24፣ እብራውያን 11:⁠5፣ ይሁዳ 14, 15) ኖህ ከምኡ ዝኣመሰለ ተቐባልነት ዘይነበሮ መልእኽቲ ክእውጅ ነይርዎ ጥራይ ዘይኰነስ መርከብ እውን ክሰርሕ ነበሮ። ምስራሕ እታ መርከብ እናቐጸለ ምኻዱ ኖህ ኣብ ማእከል እቶም እኩያት ሰባት እናነበረ ዓቢ ተኣማንነት ከም ዘርኣየ ዘዘኻኽር ኢዩ ነይሩ!

15. ኖህ ንእተዋህቦ መዝነት ክፍጽም ከም ዝኽእል እምንቶ ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 እቲ ፕሮጀክት ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ደገፍን በረኸትን ከም ዝነበሮ ኖህ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ዕዮ እቲ ዝመደቦ ባዕሉ የሆዋዶ ኸይኰነ፧ ንሱን ስድራቤቱን ኣብ ሓንቲ ተሰሪሓ እተወድአት መርከብ ኣትዮም ካብ ማይ ኣይሂ ብህይወት ክድሕኑ ምዃኖም የሆዋ ንኖህ ኣረጋጊጹሉ ኢዩ። ነዚ ክፍጽሞ ምዃኑ ድማ ምስኡ ኪዳን ብምእታው ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:⁠18, 19) የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ቅድሚ ምምዛዙ ንዅሉ እቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ነገራት ኣቐዲሙ ብምሕሳብ ከም ዝገምገሞ ኖህ ተገንዚብዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብቲ ዘድልየሉ እዋን ንምሕጋዙ የሆዋ ስጕምቲ ንምውሳድ ክእለት ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ኖህ እታ ዝነበረቶ እምነት ግብሪ ንኸርኢ ደሪኻቶ ኢያ። ኖህ ልክዕ ከምቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ዘርኡ ኣብርሃም “ነታ [ኣምላኽ] ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ: ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ።”​—⁠ሮሜ 4:⁠21

16. ምስራሕ እታ መርከብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዓወት እናተፈጸመ ክኸይድ ከሎ እምነት ኖህ ዝደልደለት ብኸመይ ኢያ፧

16 ዓመታት እናሓለፈ ክኸይድ ከሎ እታ መርከብ ድማ ናብ ምውዳእ ገጻ ምስ ከደት: እምነት ኖህ ደልደለት። ነታ መርከብ ምስራሕን እቲ ክመጽእ ዝነበሮ ግድላትን ተፈትሐ። ፈተናታት ብዓወት ተሰግረ። ነቲ ዕዮ ደው ከብሎ ዝኽእል ምጽራር ኣይነበረን። ስድራቤት ኖህ ደገፍን ዕቝባን የሆዋ ረኸቡ። ኖህ ንቕድሚት ክቕጽል ከሎ ‘እታ እተፈተነት እምነቱ ትዕግስቲ ገበረት።’ (ያእቆብ 1:⁠2-4) ኣብ መወዳእታ እታ መርከብ ተወድአት: ማይ ኣይሂ መጸ: ኖህን ስድራቤቱን ከኣ ደሓኑ። ኖህ ከምቲ እያሱ ጸኒሑ እተመከሮ መብጽዓታት ኣምላኽ ክፍጸም ከሎ ኣብ ህይወቱ ተመኲርዎ ኢዩ። እምነት ኖህ ዓስቢ ረኸበት።

የሆዋ ነቲ ዕዮ ይድግፎ

17. ግዜና ምስ ግዜ ኖህ ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧

17 የሱስ ግዜና ምስ ግዜ ኖህ ከም ዝመሳሰል ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። ኣምላኽ ነቶም እኩያት ንምጥፋእ እንደገና ወሲኑ: ዝፍጸመሉ ግዜ ኸኣ መዲቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠36-39) እቶም ጻድቃን ክድሕንሉ ዝኽእሉ ምድላዋት እውን ገይሩ ኢዩ። ኖህ መርከብ ክሰርሕ ነበሮ: እዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን ዕላማታቱ ክእውጁ: ቃሉ ክምህሩ: ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ክገብሩ ኣለዎም።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19

18, 19. የሆዋ ንስብከት እቲ ብስራት ከም ዝድግፎ ብኸመይ ንፈልጥ፧

18 የሆዋ ንኖህ እንተ ዘይድግፎን እንተ ዘየናብሮን ነይሩ እታ መርከብ ኣይምተሰርሐትን። (ምስ መዝሙር 127:⁠1 ኣረኣእዮ።) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ብዘይ ናይ የሆዋ ደገፍ ሓቀኛ ክርስትና ክቕጽልን ክስስንን ዘይመስል ኢዩ። ነዚ ድማ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረ ሕፉር ፈሪሳውን መምህር ሕግን ዝነበረ ገማልኤል ኣፍልጦ ሂቡሉ ኢዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ሳንሄድሪን ነቶም ሃዋርያት ከጥፍኦም ምስ ደለየ: ገማልኤል ነቲ መጋባእያ ከምዚ ዝብል መጠንቀቕታ ኣቕረበሉ:- “እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ: ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና: ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ: . . . ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም: ገለ ኣይትበልዎም።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠38, 39

19 እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረ ይኹን ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዕዮ ስብከት ዕዉት ክኸውን ምኽኣሉ: እቲ ዕዮ ካብ ኣምላኽ ድኣ እምበር ካብ ሰብ ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ ኢዩ። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ገለ ካብቲ ነዚ ዕዮ እዚ ክሳዕ ክንድዚ ብዝሰፍሐ ደረጃ ዕዉት ክገብሮ ዝኸኣለ ደስ ዘብል ኵነታትን ፍጻመታትን ክንመያየጠሉ ኢና።

ኣይትተሓለል!

20. ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከሎና መን ኢዩ ዝድግፈና፧

20 ሽሕኳ ኣብቲ “ክፉእ ዘመን” ንነብር እንተሎና: የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ስልጣን ከም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ምዱብ መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምምጽኡ ነቲ ስብከት ብስራት ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ኣብ ዝገብርዎ ዕዮ: ኣምላኽ ንህዝቡ ይድግፎምን የናብሮምን ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1፣ ማቴዎስ 24:⁠14) የሆዋ ‘መተዓይይቱ’ ክንከውን ዓዲሙና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:⁠9) ብዘይዚውን ክርስቶስ የሱስ ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሳና ምህላዉ: መላእኽቲ ድማ ንኽድግፉናን ንኽመርሑናን ክንውከሎም ከም እንኽእል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠20፣ ራእይ 14:⁠6

21. ንኸመይ ዝኣመሰለ ምርዳእ ኢና ፈጺምና ክንገድፎ ዘይብልና፧

21 ኖህን ስድራቤቱን ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምነት ስለ ዘርኣዩ: ካብ ማይ ኣይሂ ድሒኖም ኢዮም። ሎሚ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ እምነት ዘርእዩ ሰባት ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ብርቱዕ ጸበባ” ክድሕኑ ኢዮም። (ራእይ 7:⁠14) ኣብቲ ብሓቂ ደስ ዘብል ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብ ቅድሜና ኣገዳሲ ፍጻመታት ኢዩ ተዘርጊሑ ዘሎ! ድሕሪ ቀረባ ግዜ ኣምላኽ ጽድቂ ዝነበረሉ ግርማዊ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንምምጻእ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ኣምላኽ ንእተዛረቦ ዘበለ ኵሉ ክገብሮ ከም ዝኽእል ንዘሎካ ጽኑዕ ምርዳእ ፈጺምካ ኣይትግደፎ።​—⁠ሮሜ 4:⁠21

ንመዘኻኸሪ ዝኸውን ነጥብታት

◻ የሆዋ ንዅሉ ሰብኣዊ ንጥፈታት በብሓንቲ ዘይቈጻጸሮ ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ የሆዋ ዕላምኡ ንምፍጻም ዘለዎ ክእለት ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ኣቐዲሙ ክርኢ ከም ዝኽእል ኣብ ግዜ ኖህ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ከመይ ዝበለ እምንቶ ኢዩ ክህልወና ዝግባእ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ