ልደት ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም እውን ዝብዓል፧
ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ነቲ ናይ ልደት ሳንታ ክላውስ ዘዘኻኽር ሓደ ጥንታዊ እምነት ኣሎ። እዚ ብዛዕባ ሓደ ሽዋንሺን ዝስሙ ሰብ ዝገልጽ ኮርያዊ እምነት ኢዩ። ኣብ ቻይናን ጃፓንን እውን ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ኣይሰኣንን ኢዩ።
ሽዋንሺን ከም ናይ ክሽነ ኣምላኽ ከምኡውን ምስቲ ጥንታዊ ናይ ኮርያ ኣምልኾ ሓዊ ምትሕሓዝ ዝነበሮ ኣምላኽ ሓዊ ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ። (ኣብ ግዜ ጥንቲ ኮርያውያን እተናኸሰ ፈሓም ፍጹም ንኸይጠፍእ ኣዝዮም ይጥንቀቑ ነበሩ።) እዚ ኣምላኽ እዚ ንዅሉ ኣካይዳ እታ ስድራቤት ንዓመት መመላእታ ኸም ዝዕዘብ እሞ ድሕሪ እዚ ድማ ብእቶን ናይቲ ኽሽነ ኣቢሉ ብመውጽእ ትኪ ንሰማይ ከም ዝዓርግ ይእመን።
ሽዋንሺን ዕለት 23 ናይ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ንጉስ ሰማይ ብምቕራብ ጸብጻብ ይህብ ከም ዝነበረ ግምት ነይሩ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ናይታ ዓመት ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ዝውሃብ ዓስብን መቕጻዕትን ሒዙ በታ መውጽእ ትክን እቶንን ኣቢሉ ክምለስ ትጽቢት ይግበር ነበረ። ኣብታ ዝምለሰላ መዓልቲ ኣባላት እታ ስድራ ኣብ ክሽነን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እታ ቤትን ሽምዓ ክውልዑ ነበሮም። እቲ ናይ ክሽነ ኣምላኽ ብቐይሕ ሕብሪ ይስኣል ምንባሩ እቲ ኻልእ ምስ ሳንታ ክላውስ ዘመሳስሎ ነገር ኢዩ! ኣብቲ ዛሕሊ ዝመልኦ ወርሓት ናይቲ ዓመት: ሓንቲ ሰበይቲ ንሓማታ ብባህሊ ኮርያ እተኣልመ ጽምዲ ኻልሲ ክትህባ ልሙድ ነበረ። ከምዚ ምግባራ ኸኣ ኣብቲ ወርሓት እቲ መዓልቲ ዝነውሐ ብምዃኑ ሓማታ ነዊሕ ዕድመ ንኽትነብር ከም እትምነየላ ዘርኢ ኢዩ።
ኣብ መንጎ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነጥብታትን ልደትን ምምስሳል ከም ዘሎ ኣስተብሂልካዶ፧ ኣብቲ ብሂላትን ልምድታትን—መውጽእ ትኪ: ሽምዓታት: ምልውዋጥ ህያብ: ካልሲ: ቀይሕ ክዳን እተኸድነ ዝሸምገለ ሰብኣይ: ዕለት ናይቲ በዓል—ምምስሳል ኣሎ። ዝዀነ ዀይኑ እዚ ምምስሳል እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን ልደት ኣብ ኮርያ ብቐሊሉ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ዝገብሮ። ኣብቲ ልደት ንፈለማ እዋን ኣብ ኮርያ ዝኣተወሉ ግዜ: እምነት ሽዋንሺን ዳርጋ ጠፊኡ ኢዩ ነይሩ። አረ ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ዘለዉ መብዛሕትኦም ኮርያውያንሲ ኸምዚ ዝኣመሰለ እምነት ምንባሩ እውን ከይተረፈ ኣይፈልጡን ኢዮም።
ይኹን እምበር: እዚ ነቲ ኣብቲ ቘራሪ ወርሓትን መወዳእታ ዓመትን ዝግበር ልምድታት ብኸመይ ዝበለ እተፈላለየ መገድታት ናብ ብዘላ ዓለም ከም ዘስፋሕፍሐ ዘርኢ ኢዩ። ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እታ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣስፋሕፊሓ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ሳቱርናሊያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንልደት ጸሓይ ንምብዓል ዝግበር ኣረማዊ ጽምብል ሮሜ ምስ ልደት ኣተሓሐዘቶ። ከባብያዊ ልምድታት ብስም በዓል ልደት እንደገና ናብ ህላወ ክመጽእ ጀመረ። እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ከኣለ፧
ምልውዋጥ ህያብ ዝነበሮ ግደ
ምልውዋጥ ህያብ እቲ ከቶ ዘይጠፍአ ልምዲ ኢዩ። ህያብ ምሃብን ምቕባልን ኮርያውያን ንነዊሕ እዋን ክሕጐስሉ ዝጸንሑ ተግባር ኢዩ። እዚ ድማ በዓል ልደት ኣብ ኮርያ ህቡብ እናዀነ ዝመጽኣሉ ሓደ ምኽንያት ኢዩ።
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ወተሃደራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስቲ ህዝቢ ዝነበሮም ምትእስሳር ከደልድሉ ብምድላዮም: ኣብያተ-ክርስትያን ቦታ መአከብን መዐደል ህያባትን ረድኤትን ኰና። እዚ ብፍላይ ዝዀነሉ ዝነበረ ግዝያት ብመዓልቲ ልደት ኢዩ። ብዙሓት ቈልዑ እንታይ ከም ዘሎ ንምርኣይ ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ይኸዱ እሞ: ንመጀመርታ ግዜኦም ከኣ ቸኮላታ ይወሃቦም ነበረ። መብዛሕትኦም ነታ ቐጺላ ዘላ ልደት ብናፍቖት ክጽበይዋ ከም ዝጅምሩ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ።
ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ቈልዑ ሳንታ ክላውስ: ሓደ ንላዕሊ ገጹ ንውሕ ዝበለ ቀይሕ ቆቢዕ ዝገበረ ናይ ኣመሪካ ወተሃደር ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም ዝነበረ። ምሳሌ 19:6 “ነቲ ዓዳል ውህበታት . . . ኵሎም ፈተውቱ እዮም” ትብል። እወ: ምልውዋጥ ህያብ እቲ ኣዝዩ ኣስላጢ ሜላ ዀይኑ ኢዩ ተረኺቡ። ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ ክትድምድሞ ኸም እትኽእል ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ህያባት ንነባሪ ዕርክነት ውሕስነት ዝህብ ኣይኰነን። ኣብ ኮርያ እውን መብዛሕትኦም እቶም ምስ ኣብያተ-ክርስትያን ርክብ ዝነበሮም ሰባት እቲ ርክቦም ካብቲ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ዝበልዕዎ እሞ ዝጠፍአ መቐረት ቸኮላታ ዘይሓልፍ ኢዩ ዀይኑ። ልደት ግን ኣይተረሰዐን። ማዕረ እቲ ኮርያ እትገብሮ ዝነበረት ቍጠባዊ ዕቤት: ንግድ እናደንፈዐ ኸደ። ኣብ እዋን ልደት ዝግበር ምልውዋጥ ህያብ ድማ ጠለብ ዓደግቲ ከም ዝውስኽ ገበረ። ኣብያተ-ንግዲ ንልደት ከም መኽሰባተን ዝውስኻሉ ኣጋጣሚ ገይረን ተበሊጸናሉ ኢየን።
እዚ ኸኣ ልደት ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ከመይ ከም ዝመስል ሓበሬታ ዝህበካ ኢዩ። ኣብ እዋን ልደት ንዝህሉ ናይ ዕዳጋ ሸበድበድ ዘማልእ ሓድሽ ፍርያት ይዳሎ። ሬክላማት ካብ መፋርቕ ቀውዒ ኣትሒዙ ክዳሎ ይጅምር። ኣብ መወዳእታ ዓመት: እቲ ናይ መሸጣ ኣሃዝ ላዕሊ ኢዩ ዝስቀል፣ ከምዚ ዝኸውን ድማ ብደገፍ ናይቲ ኣብ ልደት ዝዕደግ ህያባት: ካርቶሊናታት: ናይ ሙዚቃ ካሴታት ኢዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ሬክላማት ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ድሮ ልደት ካብ ገዛ ዘይምውጻእን ህያብ ዘይምርካብን ዓቕሎም ከም ዝጸቦም ኢዩ ዝገብሮም!
መዓልቲ ልደት ክትቀርብ ከላ: ኣብ ሴኡል ዝርከብ ኣብያተ-መሸጣን ናይ ዕዳጋ ቦታታትን በቶም ህያባት ዝዕድጉ ሰባት ዕልቕልቕ ይብል። ኣብ ካልኦት ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ከተማታት እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዩ ዝርአ። ብዙሓት ተሽከርከርቲ መሕለፊ ስኢነን ይዕገታ። ሆቴላት: ኣብያተ-ንግዲ: ኣብያተ-መግቢ: ከምኡውን ኣብያተ-ትልሂት ብሰባት ዕልቕልቕ ይብል። ኣብ ዘይቅዩድ ድግሳት ሂር ዝብል ደርፊ ይስማዕ። ኣብ ድሮ ልደት: ሰካራት ሰብኡትን ኣንስትን በቲ ብጐሓፍ ዝጋዕዘየ መገድታት ክመላለሱ ይርኣዩ።
እዚ ልደት ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። ልደት ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ብግንባር ቀደም ዘኽብርዎ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ኣይኰኑን። ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ኮርያ እውን በዚ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣውደ ኣመት ረብሓ ንምርካብ ነቲ ቕድድም ዝመርሕዎ ዘለዉ ነጋዶ ኢዮም። ከምዚ እኳ እንተ ተባህለ ግን: በቲ ምስ መንፈስ ክርስቶስ ዘይሰማማዕ እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ልደት ተሓተትቲ ንበይኖም ነጋዶ ጥራይ ድዮም፧ እዚ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ብዕቱብ ክሓስብሉ ዘድልዮም ጕዳይ ኢዩ።
መበቈል ልደት
ኣብ መካነ-እንስሳ ኣብ ዝርከብ ጋብያ ተዓጽዩ ዝነብር እንስሳ ዘገዳም: ኣራዊት ምዃኑ ኣይተርፎን ኢዩ። ንንውሕ ዝበለ ግዝያት ኣብ ጋብያ ተዓጽዩ ብምጽንሑን ምስ ውላዳቱ ክጻወት ከሎ ስለ ዝርአን ዘቤታዊ ባህርይ ሒዙ ኢዩ ኢልካ ምእማን ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት መካነ-እንስሳ ንዝወረደ ጕድኣት ዝገልጽ ጸብጻብ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ።
ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተመሳሳሊ መገድታት ገይርና ብዛዕባ በዓል ልደት ብዙሕ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣብ ፈለማ ልደት ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝነበረ “ኣራዊት” ኢዩ ነይሩ። ናይ ክርስትያን ኢንሳይክሎፔድያ (ብቛንቋ ኮርያ)a ኣብ ትሕቲ “ልደት ምስ ናይ ሮሜ ሳቱርናልያ ዘለዎ ርክብ” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ብዛዕባ እዚ በዓል እዚ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጽ:-
“እቲ ናይ ኣረማውያን ሳቱርናልያ ከምኡውን ብሩማልያ ብክርስትያናዊ ጽልዋ ክተርፉ ዘይከኣሉ ዓሚቝ ሰረት ዝነበሮም ህዝባዊ ልምድታት ኢዮም ነይሮም። እቲ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ንሰንበት (ከም መዓልቲ ናይ ፊበስን ሚትራስን ከምኡውን ከም መዓልቲ ጐይታ) ዝሃባ ወግዓዊ ተፈላጥነት . . . እቶም ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: ነታ ወዲ ኣምላኽ እተወልደላ መዓልቲ ኣብታ ልደት ናይታ ግእዝቲ ጸሓይ ከም እትውዕል ምግባር ዝጥዕም ኢዩ ናብ ዝብል ስምዒት መሪሕዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣረማዊ ጽምብል ምስ ቀይዲ-በተኽ ድግሱን ፈንጠዝዪኡን ኣዝዩ ህቡብ ብምንባሩ: ኣብ መንፈስ ወይ ድማ ኣብ ቅጥዒ እቲ በዓል ቁሩብ ለውጢ ብምግባር እቲ ጽምብል ክቕጽል ፈትዮም ኢዮም።”
ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለ ብዘይገለ ተቓውሞ ክመጽእ ዝኽእል ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ እዚ ኣቐድም ኣቢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “እቶም ምዕራባውያንን ናይ ቀረባ ምብራቕን ክርስትያናት ሰበኽቲ ነቲ ቕጥዒ ኣልቦን ፍዅሰት ዝመልኦን ኣበዓዕላ ልደት ክርስቶስ ተቓዊሞምዎ ኢዮም: እቶም ናይ መሶጶታምያ ክርስትያናት ግን ነቶም ምዕራባውያን ኣሕዋቶም ብኣምልኾ ጣኦትን ነቲ ኣረማዊ ጽምብል ጸሓይ ክርስትያናዊ ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ብምግባሮምን ከሰስዎም።” ብሓቂ እዚ በዓል እዚ ካብ ኣበጋግስኡውን ግጉይ ኢዩ። እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ይኹን እምበር: እቲ ጽምብል ቅልጡፍ ተቐባልነትን ድልዱል ሰረትን እናረኸበ ስለ ዝኸደ እቲ ኣብ መበል ዓሰርተው ሽዱሽተ ክፍለ-ዘበን እተኻየደ ምንቅስቓስ ፕሮተስታንት እውን ክኣልዮ ኣይከኣለን።”
እወ: እቲ ካብ ክርስትና ወጻኢ ንጸሓይ ዝግበር ዝነበረ ጽምብል ናብታ ኣስፋሕፊሓ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ኣተወ። ሓድሽ ስም እኳ እንተ ተዋህቦ: ነቲ ኣረማዊ ባህርዩ ሒዝዎ ቐጺሉ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣረማውነት ናብተን ናይ ስመ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያን ልሒኹ ንኽኣቱ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ: ንመንፈሳውነት ናይ ውልቀ-ሰባት ድማ መሪዝዎ ኢዩ። ህዝበ-ክርስትያን እናዓበየት ምስ ከደት: እቲ “ጸላእትኹም ፍተዉ” ዝብል ዝነበረ ናይ መጀመርታ ዝንባለ ንስነ-ምግባራዊ ምንቍልቋልን ደማዊ ኲናትን ቦታ ኸም ዝሓደገሉ ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ።
ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ዋላ እኳ ልደት ዝብል ትምዩን ስም ተዋሂብዎ እንተ ነበረ እቲ በዓል ነቲ ቐይዲ በተኽ ድግስ: ካብ ዓቐን ንላዕሊ መስተ ምስታይ: ፈንጠዝያ: ሳዕስዒት: ምልውዋጥ ህያብ: ንኣባይቲ ብጽሕዲ ምስላም ዝመለለይኡ ኣረማዊ መበቈሉ የንጸባርቕ ነበረ። ነጋዶ ነቲ ዝያዳ መሸጣ ንኽረኽቡ ዘለዎም ቀንዲ ሸቶ ንኽወቕዑ ነቲ ልደት ዝኸፍተሎም ኣጋጣሚ ሕራይ ገይሮም ኢዮም ክምዝምዝዎ ጸኒሖምን ዘለዉን። መራኸቢ ብዙሃን ይውድሳኦ: ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ ከኣ ብቐሊሉ ይድህለል። ሓንቲ ኣብ ማእከል ከተማ ሴኡል እትርከብ ኣብ ክዳውንቲ ታሕቲ ዘተኰረ መሸጣ እተካይድ ንግዳዊት ትካል: ብኽዳውንቲ ታሕቲ ጥራይ እተሰለመ ጽሕዲ ኣብ ቬትሪናኣ ኸም ዝርአ ብምግባር ብተሌቪዥን ሬክላም ኣቃልሐት። እቲ ናይ ልደት ሃዋህው ብግልጺ ኢዩ ዝርአ ነይሩ: ንክርስቶስ ንምቕባሉ እተራእየ ምልክት ግን ኣይነበረን።
ንልደት ብቕዱስ ጽሑፋዊ ምስትውዓል ምርኣዩ
ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ዝገልጾ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን እንታይ ኢና እንመሃር፧ ሓንቲ ካምቻ ሓላፍ ዘላፍ ኰይና እንተድኣ ተለጒማ እቲ ኽትዕረየሉ እትኽእል እንኮ መገዲ ነቲ መላጕም እንደገና ፈቲሕካ ምልጓሙ ኢዩ። ኣይኰነን ድዩ፧ ነዚ ሓቂ እዚ ብምንጻግን ንመበቈል ናይ ኣረማውያን ኣምልኾ ጸሓይ ዕሽሽ ብምባልን: ልደት ብህዝበ-ክርስትያን ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ ዝብል ምኽንያት ዘቕርቡ ኣለዉ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም እቲ ኣውደ ኣመት ከም ክርስቶስ እተወልደላ መዓልቲ ተቐዲሱን ሓድሽ ኣገዳስነት ሒዙ ኢዩ ተኣታትዩን ዝብል ስምዒት ዘለዎም።
ካብቲ ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ እተፈጸመ ታሪኻዊ ፍጻመ ጠቓሚ ትምህርቲ ክንቀስም ንኽእል ኢና። ኣብ 612 ቅ.ኣ.ዘ. ኣይሁዳውያን ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ: ኣረማዊ ኣምልኾ ጸሓይ ኣተኣታተዉ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣረማዊ ኣምልኾ ኣብቲ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽ እተወፈየ ቦታ ይካየድ ምንባሩስ ከም ዝቕደስ ገይርዎ ድዩ፧ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝዝውተር ዝነበረ ኣምልኾ ጸሓይ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጸሓፈ:- “እንሆ ኸኣ: ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ . . . ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ነበሩ። ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ፤ ኣታ ወዲ ሰብ: ርኢኻዶ፧ ነታ ሃገር ብዓመጽ መሊኦምዋ: መመሊሶም ድማ ኵራይ ዘለዓዕሉስ: ቤት ይሁዳ እዚ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍዶ ውሒድዎም እዩ፧ እነሆ: ንሳቶም ጨንፈር ኣብ ኣፍንጭኦም የቕርቡ [“ኣፍንጫይ ብስንጫር ይትዅትኹኒ:” NW ] አለዉ: በለኒ።”—ህዝቅኤል 8:16, 17
እወ: እዚ ኣረማዊ ዓይነት ኣምልኾ ተቐዲሱ ዘይኰነስ ንብምልእታ እታ ቤት መቕደስ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ኣውዲቑዋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንይሁዳ ኣዕለቕሊቑዋ ከምኡውን ዓመጽን ስነ-ምግባራዊ ብዕልግናን ንኸስፋሕፍሕ ግደ ነይርዎ ኢዩ። ኣብታ ኣብ ልደት ናይ ሳቱርናልያ ኣምልኾ ጸሓይ ዝመበቈሉ ተግባራት ጕሉሕ ቦታ ዝሕዘሉ ህዝበ-ክርስትያን ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። እቲ ኣዝዩ ከገድሰና ዝግብኦ ነገር ግን: ህዝቅኤል ነቲ ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ ሒደት ዓመታት ጸኒሑ የሩሳሌም ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝወረዳ ምፍላጥ ኢዩ—ብኢድ ባቢሎናውያን ጠፍአት።—2 ዜና መዋእል 36:15-20
እቲ ኣብዛ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ በቲ ኮርያዊ ምሁር ተዘንትዩ ዘሎ ነቲ ንእሽቶ ቘልዓ ዝዀነ የሱስ እተዋህበ ኣገላልጻ ኣስሒቑካ ይኸውን ኢዩ። ኣይምሰልካ ግን: ካብ ሓደ ርጡብ ፍልጠት ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ዝመጽእ መልሰ-ግብሪ ብቐሊሉ ዘይርአ ቁም ነገር ዝሓዘ ኢዩ። ልደት ንዘብዕሉ ሰባት ብዕቱብ ከም ዝሓስቡ ክገብሮም ይኽእል ይኸውን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ልደት ንክርስቶስ ብልክዕ ኣይውክሎን ኢዩ። አረ ነቲ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ቦታ ከም ዘይስትብሃለሉ ዝገብር ኢዩ። ሕጂ የሱስ ኣብ መብልዕ ማል ዘሎ ህጻን ኣይኰነን።
የሱስ ሕጂ እቲ መሲሕ ዝዀነ ሓያል ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጕሊሑ ዝገልጽ። (ራእይ 11:15) የሱስ ነቲ ገለ ሰባት ኣብ እዋን ልደት ንማሕበራት ግብረ-ሰናይ ክውፍዩ ኸለዉ ዘይርስዕዎ ድኽነትን መግደራን ከም ዘብቅዕ ንምግባር ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ።
ብግልጺ ንምዝራብ ልደት ነተን ኣብ ምድረ-ክርስትያን ዝርከባ ሃገራት ይኹን ንኻልኦት ሃገራት እንተላይ ነተን ኣብ ምብራቓዊ ክፍለ-ዓለም ዘለዋ ሓዊስካ ከቶ ዘምጽኣለን ረብሓ የለን። ኣብ ክንድኡስ: ሰባት ናብቲ ብሓቀኛታት ክርስትያናት ዝንገር ዘሎ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን መወዳእታ እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብን ከም ዘየድህቡ ይገብሮም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) እቲ መወዳእታ እቲ ከመይ ኢሉ ኸም ዝመጽእ ዝገልጽ ሓበሬታ ንምርካብ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትውከሶም ነተባብዓካ። ካብኣቶም ከኣ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ እዚ መወዳእታ እዚ ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንግስቲ ኣምላኽን እቲ ንጉስ ኰይኑ ዝገዝእ የሱስ ክርስቶስን ዝህሉ ነባሪ በረኸታት ክትመሃር ኢኻ።—ራእይ 21:3, 4
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ዘ ኒው ሻፍ -ሄርሶክ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ሬሊጅየስ ኖውለጅ እተመስረተ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣረማውነት ናብ ስመ-ክርስትያን ልሒኹ ንኽኣቱ ልደት ሓጊዙ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሓት ቈልዑ እንታይ ከም ዘሎ ንምርኣይ ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ይኸዱ እሞ: ናይ ቸኮላታ ህያብ ከኣ ይወሃቦም ነበረ። ነታ ቐጺላ ዘላ ልደት ድማ ብናፍቖት ይጽበዩዋ ነበሩ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ድሮ ልደት ኣብ ማእከል ከተማ ሴኡል: ኮርያ
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ሕጂ ክርስቶስ ንእሽቶ ቘልዓ ዘይኰነስ ሓያል ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ