ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/12 ገጽ 25
  • ተቢዖም ኢዮም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተቢዖም ኢዮም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብትብዓትዶ ትሰብኽ ኢኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/12 ገጽ 25

ተቢዖም ኢዮም

ኣብ ስብከት ተባዕ ምዃን ቀሊል ዝኸውን ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። አረ ሃዋርያ ጳውሎስ እኳ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ብሓይለ ገደል” ከም ዝተብዐ ተዛሪቡ ኣሎ። (1 ተሰሎንቄ 2:⁠2) ንኽትሰብኽ ኢልካ ‘ምግዳል’ ረብሓ ኣለዎዶ፧ መስተንክር ዝዀነ ተመክሮታት ክህሉ ትጽቢት ዝግበረሉ እኳ እንተ ዘይኰነ ህዝቢ ኣምላኽ ብምትብዖም ዝበዝሕ ግዜ ይሕጐሱ ኢዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።

ኣብ ሓደ ክፍሊ ሓንቲ መምህር: ብዛዕባ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣልዒላ እቶም ኣብ ናይ ኣይ​­ሁድ መዳጐኒ ደምበ ዝነበሩ እሱራት መለለዪ ዝኸውን ብጫ ዝሕብሩ ምልክት ኰዀብ ዳዊት ይገብሩ ከም ዝነበሩ እናገለጸት ክትምህር ከላ ታራ እተባህለት ጓል ሸሞንተ ዓመት ጽን ኢላ ትሰምዕ ነበረት። ታራ ተቢዓ ክትዛረብ ዘለዋ ኰይኑ ተሰምዓ። “ኣዒንተይ ከይዓመትኩ ጸለኹ” ብምባል ትዝክር። ሽዑ ኢዳ ሓፍ ኣቢላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብቲ መዳጐኒ ደምበ ምንባሮም: ጁኽ ዝሕብሩ ምልክት ስሉስ ኵርናዕ ከኣ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ገለጸት። እታ መምህር በዚ ተገዲሳ ኣመስገነታ። እቲ ታራ ዝሃበቶ ሓሳባት ምስታ መምህር ተወሳኺ ምይይጥ ክግበር መገዲ ኸፈተ: ድሕሪ ገለ ግዜ እውን ንዅሎም ኣብታ ክፍሊ ዝነበሩ ተማሃሮ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኤገንስት ናዚ ኣሶልት ዘርእስታ ቪድዮ (ብእንግሊዝኛ) ኣርኣየቶም።

ኣብ ጊኒ: ምዕራብ ኣፍሪቃ: ሓንቲ ኢረን ዝስማ ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ኣብ ኣገልግሎታ ዕቤት ክትገብር ደለየት። እታ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረላ ዝነበረት ሚስዮናዊት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንመማህርታ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክትዕድለን ኣተባብዓታ። ኢረን ግን መማህርታ ኣወንታዊ ምላሽ ስለ ዘይነበረን ተወላወለት። ይኹን እምበር: እታ ሚስዮናዊት ብዝሃበታ መተባብዒ ተለዓዒላ መጀመርታ ነታ ዝያዳ ተጻራሪት ኢላ እትግምታ ተማሃሪት ክትቀርባ ፈተነት። እታ ጓል ኣወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ብህንጥዮት መጽሔታት ምስ ተቐበለት ኢረን ደንጸዋ። ካልኦት ተማሃሮ እውን ተቐበላኣ። ኢረን ኣብታ ወርሒ እቲኣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝዓደለቶ ተደሚሩ ዝበዝሕ መጽሔታት ዓደለት።

ኣብ ትሪንዳድ ዝነብር ሓደ ሽማግለ ንሓንቲ ሓላፊት ቤት ትምህርቲ: መጽሔት ንቕሑ! ትምህርቲ ሓዘል ኣርእስትታት ዘለዎ ምዃኑ ንኸርእያ ክቐርባዶ ኣይፋለይን እናበለ ይወላወል ነበረ። ደሓር ግን ተብዐ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ ኸለኹ ጸለኹ። እታ ሓላፊት ብዘይመጠን ተሓጒሳ ምስ ረኣኽዋ ክኣምን ኣይከኣልኩን።” ነታ “ሎሚ ንዘለዉ መንእሰያት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧” ዘርእስታ መጽሔት ንቕሑ! ተቐበለት: ክትምህር ከላ ክትጥቀመላ ምዃና እውን ገለጸት። ካብ ሽዑ ንነጀው እተፈላለየ ኣርእስትታት ዝሓዘ 40 መጽሔታት ተቐቢላ ኣላ።

ስብከት ንሓደ ቮን እተባህለ መንእሰይ ኵሉ ግዜ የጸግሞ ነበረ። “እሓፍር: ኣእዳወይ ይርህጽ: ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢለ ኸኣ እዛረብ​—⁠ቀስ ክብል ኣይክእልን” በለ። ይኹን ድኣ እምበር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኰነ። ገና ግን ሕጂ እውን እንተዀነ ተቢዑ ብድፍረት ክዛረብ ቀሊል ኰይኑ ዝረኽቦ ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። ሓደ መዓልቲ ስራሕ ክደሊ ውዒሉ ተስፋ ቘሪጹ ክምለስ ከሎ: “ኣብዛ ሕማቕ ዝወዓልኩላ መዓልቲ ገለ መደዓዓሲ እንተ ተረኽበ ኣይፍለጥን ኢዩ” ብምባል ንሓደ ኣብ ባቡር ዝረኸቦ ሰብ ክምስክረሉ ደለየ: ይኹን እምበር እቶም ሕፉራት ዝመስሉ ኣብታ ናይ ትሕቲ ምድሪ ባቡር ዝነበሩ ነጋዶ ኣፍርህዎ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ትብዕ ኢሉ ክዛረቦ ጀመረ። እዚ ኸኣ ናብ ነዊሕ ዕላል መርሐ። እቲ ነጋዳይ “መንእሰይ ክነስኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ዘመያይጥ ነጥብታት ኣሎካ። ናይ ቲኦሎጂ ምሁር ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ቮን “ኣይፋለይን: ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ” ኢሉ መለሰ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ፍሽኽ እናበለ “ክትከውን ኣሎካ: ገሪሙኒ እንዶ ግዳ ጸኒሑ” በለ።

ኵሎም እዞም ኣብዚ እተጠቕሱን ካልኦት ማእለያ ዘይብሎምን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንኽሰብኩ ስለ ዝተብዑ ሕጕሳት ኢዮም። ንስኻኸ ከምኡዶ ክትገብር ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ታራ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ቮን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ