ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/1 ገጽ 11-13
  • ንምዉታት ትፈርሆም ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንምዉታት ትፈርሆም ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምዉታት ብህይወት ይቕጽሉ ድዮም፧
  • “ኣጋንንቲ” ወይ ርኹሳት መናፍስቲ
  • ንፍርሂ ኣጋንንቲ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
  • ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • እኩያት መናፍስቲ ሓያላት ኢዮም
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ እዮም ዚጸልዉና፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር፡ ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/1 ገጽ 11-13

ንምዉታት ትፈርሆም ዲኻ፧

ብዙሓት ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ “ኣይፈርሆምን እየ። ስለምንታይከ እየ ዝፈርሆም፧” ኢሎም ይምልሱ። ዝሞቱ ሰባት ዋላ ሓንቲ ኺገብርዎም ከም ዘይክእሉ እዮም ዚኣምኑ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻልኦት ሰባት ግን፡ ምዉታት ከም መናፍስቲ ዀይኖም ምንባር ከም ዚቕጽሉ ይኣምኑ እዮም።

ኣብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ በኒን ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ ምዉታት ንኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤቶም ንምቕታል ከም ዚምለሱ ይኣምኑ እዮም። እቶም ዝሞቱ ኣዝማዶም ንኸይጐድእዎም ኢሎም መስዋእቲ እንስሳታትን ጽምብላትን ምእንቲ ኺገብሩ፡ ንብረቶም ይሸጡ ወይ ኣብ ዕዳ ይኣትዉ። ገሊኦም ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ይካፈሉ፣ እዚ ማለት ሰብ ድሕሪ ሙማቱ ብህይወት ዚቕጽል መንፈስ ከም ዘለዎን ምስ ህያዋን ኪዘራረብ ከም ዚኽእልን ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ዜፍርህ ነገራት ምስ ኣጋጠሞም፡ ብሰንኪ መናፍስቲ ምዉታት ከም ዘጋጠሞም ይገልጹ።

ኣብ ዶብ በኒንን ናይጀርያን ዚነብር ኣግቡላ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ከባቢና፡ ሓተታ መናፍስቲ ንህይወትና ይቈጻጸሮ እዩ። ምዉታት ንመንፈሳዊ ዓለም ምእንቲ ኺዳለዉ ተባሂሉ፡ ንሬሳታት ምሕጻብ ልሙድ እዩ። ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝተረፈ ሳሙና ኣኪበ፡ ምስ እተፈልየ ዓይነት ኣቝጽልቲ እሕውሶ። ድሕሪኡ፡ በቲ ዝቐመምክዎ ገይረ ነታ ንሃድን ዝጥቀመላ ጠበንጃይ እለኽያ፡ ዓው ኢለ ድማ ነቲ ኽሃድኖ ዝደልዮ እንስሳ እድሀ። ከምዚ ምግባር ልሙድ እዩ፡ ኣጸቢቑ ዚዓዪ ድማ ይመስል። ገሊኡ መዳያት ሓተታ መናፍስቲ ግን ዜፍርህ እዩ።

“ክልተ ደቀይ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ምስ ሞቱ፡ ሓደ ሰብ ብመናፍስቲ ገይሩ የጥቅዓኒ ኸም ዘሎ ጠርጠርኩ። መን ምዃኑ ንምፍላጥ ናብ ሓደ ሓያል ጠንቋሊ ዝዀነ ኣረጋዊ ሰብኣይ ከድኩ። ንሱ ድማ ነዚ ኣረጋገጸለይ። እዚ ኸይኣክል ከኣ፡ ክልቲኦም ደቀይ ኣገልገልቲ እቲ ዝቐተሎም ሰብ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ክሳዕ እቲ ሰብ ዚመውት ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ይጽበዩ ኸም ዘለዉ ነገረኒ። እቲ ሳልሳይ ወደይ ከም ዚመውት እውን ነገረኒ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ድማ ሞተ።”

ድሕሪኡ፡ ኣግቡላ ምስ ጆን ዚበሃል ኣብ ናይጀርያ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸበ። እቲ ጆን ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት ዝነገሮ ሓሳብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ነበረ። እዚ ኸኣ ንህይወት ኣግቡላ ቐየሮ። ንህይወትካ እውን ኪቕይሮ ይኽእል እዩ።

ምዉታት ብህይወት ይቕጽሉ ድዮም፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ኺምልሳ ዚኽእል መን እዩ፧ ውሩይ ዚበሃል ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ኪምልሳ ኣይክእልን እዩ። እቲ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን” ዘበለ ህይወት ኵሉ ዝፈጠረ የሆዋ ግን፡ ኪምልሳ ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 1:16) መላእኽቲ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኪነብሩ፡ ሰባትን እንስሳታትን ከኣ ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዩ ፈጢርዎም። (መዝሙር 104:4, 23, 24) ኣብ መላእ ምድሪ ዘሎ ህይወት ኣብኡ እዩ ዚምርኰስ። (ራእይ 4:11) እምበኣር፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሞት ዚብሎ እስከ ንርአ።

ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ሞት እተዛረበ፡ የሆዋ እዩ። ንኣዳምን ሄዋንን፡ እንተ ዘይተኣዚዞምዎ ኸም ዝሞቱ ኣጠንቀቖም። (ዘፍጥረት 2:17) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በለ። (ዘፍጥረት 3:19) ኣብ ግዜ ሞት፡ ኣካልና ይምሽምሽ፡ ናብ መሬት ይምለስ፡ ህይወት ድማ ተቋርጽ።

ኣዳምን ሄዋንን ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዝ ስለ ዘፍረሱ፡ ሞት ተፈርዶም። ንመጀመርያ ግዜ ዝሞቱ ግን ንሳቶም ኣይኰኑን። ወዶም ኣቤል እዩ ቐዲምዎም ሞይቱ። እቲ ምዕባዩ ሓዉ ዝነበረ ቃየል ድማ እዩ ቐቲልዎ። (ዘፍጥረት 4:8) ኰይኑ ግን፡ እቲ ዝሞተ ሓዉ ሕነ ኸይፈድዮ ኣይፈርሀን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ብህይወት ዘለዉ ሰባት ኣብኡ ኼውርድዎ ብዛዕባ ዚኽእሉ መጥቃዕቲ እዩ ኣተሓሳሲብዎ።—ዘፍጥረት 4:10-16።

ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት፡ ንጉስ ሄሮድስ፡ ሰብ ጥበብ መጺኦም ኣብ ግዝኣቱ “ንጉስ ኣይሁድ” ከም እተወልደ ምስ ነገርዎ ተቘጥዐ። ነቲ መቐናቕንቱ ኼጥፍኦ ኢሉ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበሩ ደቂ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዘለዉ ቘልዑ ኬቕትሎም ሓሰበ። ሓደ መልኣኽ ግን ንዮሴፍ፡ ንየሱስን ንማርያምን ሒዙ ‘ናብ ግብጺ ኺሃድም’ ነገሮ።—ማቴዎስ 2:1-16።

ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ ሓደ መልኣኽ ንዮሴፍ ናብ እስራኤል ኪምለስ ብራእይ ነገሮ፣ “እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም” ድማ በሎ። (ማቴዎስ 2:19, 20) እቲ ንባዕሉ መንፈስ ዝዀነ መልኣኽ፡ ሄሮድስ ንየሱስ ኪጐድኦ ኸም ዘይክእል ይፈልጥ ነበረ። ዮሴፍ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝሞተ ንጉስ ሄሮድስ ኣይኰነን ፈሪህዎ። የግዳስ፡ እቲ ጨካን ዝነበረ ኣርኬላዎስ ወዲ ሄሮድስ ኪገብሮ ዚኽእል ነገራት እዩ ኣፍሪህዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናብታ ኻብ ግዝኣት ኣርኬላዎስ ወጻኢ ዝነበረት ገሊላ ኸደ።—ማቴዎስ 2:22።

እዚ ጸብጻባት እዚ፡ ምዉታት ሓይሊ ኸም ዘይብሎም ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ብዛዕባ እቲ ንኣግቡላን ንኻልኦት ሰባትን ዘጋጠሞም ደኣ እሞ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

“ኣጋንንቲ” ወይ ርኹሳት መናፍስቲ

የሱስ በጽሒ ምስ ኰነ፡ እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት የጋጥምዎ ነይሮም እዮም። ንየሱስ ስለ ዘለለይዎ ድማ፡ “ወዲ ኣምላኽ” ኢሎም ጸውዕዎ። የሱስ እውን መን ምዃኖም ይፈልጥ ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ሰባት ኣይነበሩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሱስ፡ “ኣጋንንቲ” ወይ ርኹሳት መናፍስቲ ኢሉ ጸውዖም።—ማቴዎስ 8:29-31፣ 10:8፣ ማርቆስ 5:8።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑን ብዛዕባ እቶም ካብኡ ዝዓለዉን መናፍስቲ ይገልጽ እዩ። የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ድሕሪ ምውጻኡ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብኣ ንኸይኣቱ ብሸነኽ ምብራቕ ኪሩቤል ወይ መላእኽቲ ኸም ዘቐመጠ፡ ኦሪት ዘፍጥረት ትገልጸልና። (ዘፍጥረት 3:24) መናፍስቲ ንፈለማ እዋን ንሰባት ኪረኣይዎም ዝጀመሩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኪኸውን ኣለዎ።

ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ሓያሎ መላእኽቲ ስጋ ሰብ ለቢሶም ናብ ምድሪ መጹ። የሆዋ ነዚኣቶም ኣብ ምድሪ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኺዓዩ ኣይመዘዞምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዝነበረ “ሰፈሮም ዝሐደጉ” እዮም። (ይሁዳ 6) ብስስዐ ተደሪኾም እዮም ከምኡ ገይሮም። ኣንስቲ ኣእተዉ፡ ንሳተን ከኣ ነፊሊም ዚበሃሉ ድቓላታት ወለዳሎም። እቶም ነፊሊምን ዓለወኛታት ኣቦታቶምን ንምድሪ ብዓመጻን ብኻልእ ዓብዪ ኽፍኣትን መልእዋ። (ዘፍጥረት 6:1-5) የሆዋ ነቲ ዅነታት ንምዕራይ፡ ብግዜ ኖህ ማይ ኣይሂ ኣዝነመ። ነቶም እኩያት ሰብኡትን ኣንስትን፡ እንተላይ ነቶም ድቓላታት ድማ ኣጥፍኦም። እቶም መላእኽቲኸ እንታይ ኰኑ፧

ብምኽንያት ማይ ኣይሂ፡ ናብ መንፈሳዊ ዓለም ንኺምለሱ ተገደዱ። የሆዋ ግን ናብቲ ናይ ቀደም “መዓርጎም” ከይምለሱ ኸልከሎም። (ይሁዳ 6) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ [“ጦርጦስ፡” NW] ደርብዩ፡ ብመቝሕ ጸልማት ተአሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም” ይብል።—2 ጴጥሮስ 2:4።

ጦርጦስ ውሱን ቦታ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ንንጥፈታት እቶም እተሰጐጉ መላእኽቲ ዚድርት፡ ምስ ቤት ማእሰርቲ ዚመሳሰል ሕሱር ኵነታት እዩ። እቶም ኣጋንንቲ እንደገና ስጋ ኺለብሱ ዘይክእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንኣእምሮን ህይወትን ኪጸሉ ዚኽእል ዓብዪ ሓይሊ ግን ኣለዎም። ኣብ ሰባትን እንስሳታትን ድማ ኪኣትዉ ይኽእሉ እዮም። (ማቴዎስ 12:43-45፣ ሉቃስ 8:27-33) መናፍስቲ ምዉታት መሲሎም ብምቕራብ እውን ንሰባት የታልልዎም እዮም። ስለምንታይ፧ ንሰባት በቲ ንየሆዋ ዜሐጕሶ መገዲ ኸየምልኹ ንኺዓግትዎም፡ ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዅነታት ምዉታት ንኼደናግርዎም እዮም ከምኡ ዚገብሩ።

ንፍርሂ ኣጋንንቲ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ

ኣግቡላ ነቲ ብዛዕባ ሞትን መንነት መናፍስትን ዚሕብር መግለጺ መጽሓፍ ቅዱስ ርትዓዊ ዀይኑ ረኸቦ። ዝያዳ ኺመሃር ከም ዘለዎ ተረድአ። ምስ ጆን ኰይኑ ድማ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኬንብብ ጀመረ። ደቁ ኣብ መቓብር ደቂሶም ደኣ እምበር፡ ኣገልገልቲ እቲ ቐታሊኦም ኪዀኑ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ይጽበዩ ኸም ዘየለዉ ምስ ፈለጠ፡ ተጸናንዐ።—ዮሃንስ 11:11-13።

ኣግቡላ ነቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ተግባራት ምሉእ ብምሉእ ኪሓድጎ ኸም ዘለዎ ፈለጠ። ንዅሉ እቲ ምስ ጥንቈላ ርክብ ዘለዎ ንብረቱ ድማ ኣንደዶ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19) ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት፡ መናፍስቲ ኸም ዚጐድእዎ ኣጠንቀቕዎ። ንሱ ግን ኣይፈርሀን። የግዳስ፡ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 6:11, 12 ዘሎ፡ ‘እቲ ቕልስና ምስ መናፍስቲ እከይ እዩ እሞ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ’ ዚብል ምኽሪ እዩ ስዒቡ። እቲ መንፈሳዊ ኣጽዋር ንሓቂ፡ ጽድቂ፡ ወንጌል ሰላም፡ እምነት፡ ከምኡውን ነቲ ናይ መንፈስ ሰይፊ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ዜጠቓልል እዩ። እዚ ኣጽዋር እዚ ኻብ ኣምላኽ ዚምንጭው ኪኸውን ከሎ፡ ሓያል እውን እዩ።

ኣግቡላ ነቲ ምስ ሓተታ መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ልምድታት ምስ ሓደጎ፡ ገሊኦም ፈተውቱን ኣዝማዱን ረሓቕዎ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ ዚኣምኑሉ ሓደስቲ ፈተውቲ ረኸበ።

ሕጂ ኣግቡላ፡ የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንምድሪ ኻብ ኵሉ ኽፍኣት ከም ዜጽርያን ንንጥፈታት ኣጋንንቲ ደው ከም ዜብሎን ይፈልጥ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኬጥፍኦም እዩ። (ራእይ 20:1, 2, 10) ነቶም “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ኣብ ምድሪ ኼተንስኦም እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እዚ ኸኣ ንኣቤልን ነቶም ንጉስ ሄሮድስ ዝቐተሎም ንጹሃት ሕጻናትን ንኻልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባትን ዜጠቓልል እዩ። ኣግቡላ፡ እቶም ሰለስተ ደቁ ኸም ዚትንስኡ እምነት ኣለዎ። ብሞት እተፈልዩኻ እተፍቅሮም ሰባት እውን ካብ መንጎ እቶም ዚትንስኡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኵሎም እዞም ዚትንስኡ ሰባት፡ ካብ ዝሞቱ ኣትሒዞም ክሳዕ ዚትንስኡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይተሰምዖምን ብዛዕባ እቲ እተገብረሎም ጽምብላት እውን ከም ዘይፈልጡን ኪገልጹ እዮም።

ንምዉታት እትፈርሃሉ ምኽንያት የብልካን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ እተፍቅሮም ሰባት እትሓብረሉ እዋን ብሃንቀውታ ኽትጽበ ትኽእል ኢኻ። ክሳዕ ሽዑ ግን እምነትካ ንምድልዳል፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ዘይትገብር፧ ምስቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ዚኣምኑሉ ሰባት ተቐራረብ። ምስ ሓተታ መናፍስቲ ትተናኸፍ እንተ ዄንካ፡ ቀልጢፍካ ኣቋርጾ። “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ” ብምልባስ፡ ንርእስኻ ኻብ ኣጋንንቲ ኣዕቍብ። (ኤፌሶን 6:11) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። በታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧a ዘርእስታ መጽሓፍ ገይሮም፡ ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣግቡላ ንምዉታት ኣይፈርሆምን እዩ፡ ንኣጋንንቲ ብኸመይ ከም ዚቃወሞም እውን ይፈልጥ እዩ። ከምዚ በለ፦ “እቶም ሰለስተ ደቀይ ብሰንኪ መን ከም ዝሞቱ ኣይፈልጥን እየ። ንየሆዋ ኸገልግል ካብ ዝጅምር ኣትሒዘ ግን፡ ሸውዓተ ደቂ ተወሊዶምለይ እዮም። ዋላ ሓደ ኻብ መንፈሳዊ ዓለም ከኣ ጕድኣት ኣየውረደሎምን።”

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ቃየል፡ እቲ ዝሞተ ሓዉ ሕነ ኸይፈድዮ ኣይፈርሀን

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣግቡላ ንምዉታት ኣይፈርሆምን እዩ፡ ንኣጋንንቲ ብኸመይ ከም ዚቃወሞም እውን ይፈልጥ እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ