ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 16-17
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • የሱስ ክርስቶስ—ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • የሱስ ክርስቶስ መን ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 16-17

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኬተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

የሱስ ከም ካልኦት ደቂ ሰብ ዘይኰነስ፡ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ኣብ ሰማይ ከም መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ይነብር ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 8:23) ናይ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ፣ ካልእ ኵሉ ነገራት ኣብ ምፍጣር ከኣ ሓጊዙ እዩ። ብየሆዋ ብቐጥታ እተፈጥረ ንሱ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ “ሓደ ወዲ” ኣምላኽ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። የሱስ ከም ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ስለ ዘገልገለ እውን፡ “ቃል” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—ዮሃንስ 1:1-3, 14፣ ምሳሌ 8:22, 23, 30፣ ቈሎሴ 1:15, 16 ኣንብብ።

2. የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንህይወት ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ማርያም እትበሃል ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ብምስጋር፡ ንወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ስለዚ፡ የሱስ ሰብኣዊ ኣቦ ኣይነበሮን። (ሉቃስ 1:30-35) የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ፡ (1) ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺምህር፡ (2) ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ዝመጸ ኣብነት ኪኸውን፡ (3) ፍጹም ህይወቱ “በጃ” ኺህብ ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 18:37 ኣንብብ።

3. በጃ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

በጃ ንሓደ ሰብ ሓራ ንምውጻእ ዚኽፈል ዋጋ እዩ። ሞትን እርጋንን፡ ክፋል እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣይነበረን። ከምኡ ምዃኑ፡ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ፡ ከም ዚመውት ነጊርዎ ነበረ። ኣዳም እንተ ዘይሓጥእ ነይሩ፡ ኣይምሞተን። ካብ ዝሓጥኣሉ ግዜ ንዘመናት ዚኣክል እኳ እንተ ዘይሞተ፡ ካብታ ሕጊ ኣምላኽ ዝጠሓሰላ እዋን ኣትሒዙ ግን ናብ ሞት ኬምርሕ ጀሚሩ እዩ። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 5:5) ናብ ኵሎም ዘርኡ እውን፡ ሓጢኣትን እቲ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ዝዀነ ሞትን ኣሕለፈ። በዚ ኸምዚ፡ ሞት ናብ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ‘ኣተወ።’ ስለዚ ድማ እዩ በጃ ዜድልየና።—ሮሜ 5:12፣ 6:23 ኣንብብ።

4. የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧

ካብ ሞት ሓራ ዜውጽኣና በጃ ኪኸፍል ዚኽእል መን እዩ፧ ክንመውት ከለና፡ ብብሕቲ ንዝገበርናዮ ሓጢኣት ጥራይ ኢና እንቕጻዕ። ዝዀነ ይኹን ዘይፍጹም ሰብ፡ ንሓጢኣት ካልኦት መቕጻዕቲ ኪኸፍል ኣይክእልን እዩ።—መዝሙር 49:7-9 ኣንብብ።

የሱስ ካብ ሰብኣዊ ኣቦ ዘይፍጽምና ኣይወረሰን፣ ስለዚ፡ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ሓጢኣት ካልኦት ኢሉ እዩ ሞይቱ። ኣምላኽ ከም መግለጺ እታ ንደቂ ሰብ ዘላቶ መወዳድርቲ ዘይብላ ፍቕሪ፡ ንወዱ ምእንታና ኺመውት ለኣኾ። የሱስ እውን ንኣቦኡ ተኣዚዙ ምእንቲ ሓጢኣትና ህይወቱ ብምሃብ፡ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:18, 19 ኣንብብ።

5. ሎሚ የሱስ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

የሱስ ንሕሙማት ብምሕዋይን ንምውታት ብምትንሳእን ንሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንምውጻእ ህይወቱ ብምሃብን፡ ኣብ መጻኢ ንእዙዛት ደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎም ኣርእዩ እዩ። (ሉቃስ 18:35-42፣ ዮሃንስ 5:28, 29) የሱስ ምስ ሞተ፡ ኣምላኽ መንፈሳዊ ህይወት ሂቡ ኣተንስኦ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ድሕሪኡ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ንኺገዝእ ዜኽእሎ ስልጣን ካብ የሆዋ ኽሳዕ ዚወሃቦ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። (እብራውያን 10:12, 13) ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ኣሎ፣ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቱ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይእውጁ ኣለዉ።—ዳንኤል 7:13, 14፣ ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሱስ ነቲ ኸም ንጉስ መጠን ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ፡ ንዅሉ መከራን ነቶም መከራ ዜውርዱን ኬጥፍኦም እዩ። ብእኡ ዚኣምኑን ንዕኡ ዚእዘዝዎን ሚልዮናት ሰባት ድማ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብህይወት ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:9-11 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 4 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብየሱስ ዚኣምኑን ንዕኡ ዚእዘዝዎን ሚልዮናት ሰባት፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብህይወት ኪነብሩ እዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ