ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/12 ገጽ 18-22
  • ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ብመንፈስ ኣምላኽ ተመርሑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ብመንፈስ ኣምላኽ ተመርሑ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈስ ኣምላኽ ንሙሴ ኣሐየሎ
  • መንፈስ ቅዱስ ንበሳልኤል ብቑዕ ገበሮ
  • እያሱ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ተዓወተ
  • ‘ንጊዴዎን መንፈስ የሆዋ ወረዶ’
  • ‘ሽዑ መንፈስ የሆዋ ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ’
  • ንሲምሶን ‘መንፈስ የሆዋ መጾ’
  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ከም ሲምሶን፡ ኣብ የሆዋ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንስራሕካ ዜስተብህለሉ መን ምዃኑ ኽሳዕ ክንድቲ ኣገዳሲ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/12 ገጽ 18-22

ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ብመንፈስ ኣምላኽ ተመርሑ

“እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣይን ንመንፈሱን ልኢኹ አሎ።”​—ኢሳ. 48:16።

1, 2. ድልድልቲ እምነት ንኽትህልወና እንታይ የድልየና፧ ብዛዕባ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ምምርማርና ዜተባብዓና ብኸመይ እዩ፧

ካብ ግዜ ኣቤል ክሳዕ እዚ ግዜና፡ ብዙሓት ሰብ እምነት እኳ እንተ ነበሩ፡ “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን።” (2 ተሰ. 3:2) እዛ ባህርይ እዚኣ ኽትህልወና ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧ እሙናት ንኽንከውንከ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ እምነት ብዓብዪኡ ንቓል ኣምላኽ ካብ ምስማዕ እያ እትመጽእ። (ሮሜ 10:17) ብዘይካዚ፡ ሓንቲ መዳይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እያ። (ገላ. 5:22, 23) ስለዚ፡ ድልድልቲ እምነት ክትህልወና እንተ ደሊና፡ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ።

2 እሙናት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን፡ እምነት ሒዞም ኣይኰኑን ዚውለዱ። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰናይ ኣብነት ዚዀኑና ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ‘ከምዚ ኸማና ዝድኻሞም ሰባት እዮም ነይሮም።’ (ያእ. 5:17) ልክዕ ከማና ይጠራጠሩን ይጭነቑን ይደኽሙን እኳ እንተ ነበሩ፡ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ‘ካብ ድኻም ስለ ዝበርትዑ፡’ ነቲ ዘጋጠሞም ብድሆ ተዋጽኡሉ። (እብ. 11:34) ብፍላይ ኣብዚ ዘለናሉ እዋን፡ ንእምነትና ኼዳኽማ ዚኽእል ብዙሕ ነገራት ኬጋጥመና ስለ ዚኽእል፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝዓየየ ምምርማርና፡ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

መንፈስ ኣምላኽ ንሙሴ ኣሐየሎ

3-5. (ሀ) መንፈስ ቅዱስ ንሙሴ ኸም ዝሓገዞ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) የሆዋ ንሙሴ መንፈሱ ዝሃበሉ መገዲ፡ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

3 ሙሴ፡ ካብቶም ብ1513 ቅ.ክ. ዝነበሩ ሰባት ንላዕሊ፡ “ዓቃል ነበረ።” (ዘሁ. 12:3) እዚ ልኡም ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዚ፡ ከቢድ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነበረ። ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ድማ፡ ኪንበን ኪፈርድን ኪጽሕፍን ነቶም ህዝቢ ኺመርሖምን ተኣምራት ኪገብርን ከኣለ። (ኢሳይያስ 63:11-14 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ሓደ እዋን፡ እቲ ሓላፍነት ከም ዝኸበዶ ኣምሪሩ ገለጸ። (ዘሁ. 11:14, 15) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ኻብቲ ‘ኣብ ልዕሊ ሙሴ ዝነበረ መንፈስ ወሲዱ’ ኣብ ልዕሊ 70 ሰባት ኣንበረ እሞ፡ ንሙሴ ኺሕግዝዎ ጀመሩ። (ዘሁ. 11:16, 17) እቲ ሙሴ ዝነበሮ ሓላፍነት ኣመና ኸቢድ ይመስል እኳ እንተ ነበረ፡ ብርእሱ ኣይኰነን ተሰኪምዎ ነይሩ፣ እቶም 70 ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ብርእሶም ኣይኰኑን ነቲ ሓላፍነት ተሰኪሞምዎ ነይሮም።

4 ሙሴ፡ ሓላፍነቱ ንኺፍጽም ዜኽእሎ እኹል መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎ ነበረ። ድሕርቲ እተገብረ ለውጢ እውን እንተ ዀነ፡ ዜድልዮ መንፈስ ነበሮ። ሙሴ መንፈስ ኣይወሓዶን፣ ነቶም 70 ሰባት ድማ ካብቲ ዜድልዮም ንላዕሊ ኣይተዋህቦምን። የሆዋ ኸከም ዜድልየናን ከከም ኵነታትናን እዩ መንፈሱ ዚህበና። “መንፈሱ ሰፊሩ” ዘይኰነስ፡ “ካብ ምልኣቱ” እዩ ዚህበና።​—ዮሃ. 1:16፣ 3:34።

5 ምስ ፈተናታት ዲኻ እትቃለስ ዘለኻ፧ ሓላፍነትካ ንምፍጻም ዚኸውን ግዜ እትስእን ዘለኻ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ወጻኢታትካ እናወሰኸን ጥዕናኻ እናኣንቈልቈለን ክነሱ፡ ንስድራ ቤትካ ብመንፈሳውን ብስጋውን ዜድልዮም ነገራት ከተማልእ ዲኻ እትጽዕር ዘለኻ፧ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ከቢድ ሓላፍነት ድዩ ዘሎካ፧ ኣምላኽ ብመንፈሱ ኣቢሉ፡ ንዝዀነ ይኹን ኵነታት ንኽትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ብርታዐ ኸም ዚህበካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።​—ሮሜ 15:13።

መንፈስ ቅዱስ ንበሳልኤል ብቑዕ ገበሮ

6-8. (ሀ) መንፈስ ኣምላኽ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን፡ እንታይ ንኺገብሩ እዩ ሓጊዝዎም፧ (ለ) በሳልኤልን ኦሆልያብን ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተመርሑ ዚሕብር መርትዖ እንታይ እዩ፧ (ሐ) ብፍላይ እቲ በሳልኤል ዘሕለፎ ተመክሮ ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧

6 እቲ ብግዜ ሙሴ ዝነበረ በሳልኤል ዘሕለፎ ተመክሮ፡ መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ብዙሕ ይሕብረና እዩ። (ዘጸኣት 35:30-35 ኣንብብ።) በሳልኤል ነቲ ማሕደር ዚኸውን ኣድላዪ ኣቕሑ ንኺሰርሕ ተሸይሙ ነበረ። ቅድሚ እዚ ዓብዪ ፕሮጀክት እዚ፡ ክእለት ነይርዎዶ፧ ምናልባት ነይርዎ ይኸውን፣ ቅድሚ እተወሰነ እዋን ዚሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ግና፡ ንግብጻውያን ሕጡብ ምስራሕ እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 1:13, 14) ብኸመይ ደኣ እዩ እሞ ነቲ እተዋህቦ ኸቢድ ዕዮ ኺፍጽሞ ዚኽእል፧ የሆዋ፡ “ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦ፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን፡ ንምሕሳብ ብልሓት፡ . . . ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምዕያይ” ዚኸውን መንፈስ ሃቦ። በሳልኤል ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበሮ ተፈጥሮኣዊ ኽእለት፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝያዳ ወሓለ ገበሮ። ንኦሆልያብ እውን ከምኡ እዩ ገይርዎ። በሳልኤልን ኦሆልያብን፡ ስራሖም ይፍጽሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን ይምህሩ ስለ ዝነበሩ፡ ብጽቡቕ እዮም ተማሂሮም ኪብሃል ይከኣል እዩ። እወ፡ ኣምላኽ ነቲ ንኻልኦት ዚምህርዎ ትምህርቲ ኣብ ልቦም ኣንቢሩሎም ነይሩ እዩ።

7 በሳልኤልን ኦሆልያብን ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተመርሑ ዚሕብር ካልእ መርትዖ፡ እቲ ዝሰርሕዎ ነገራት ብሉጽ ምንባሩ እዩ። እቲ ዝሰርሕዎ ናውቲ፡ ንኣስታት 500 ዓመት እዩ ኣገልጊሉ። (2 ዜና 1:2-6) በሳልኤልን ኦሆልያብን ከምዞም ዘመናውያን ኣፍረይቲ፡ ብስራሖም ኪውደሱ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም። ከመይሲ፡ በቲ ዘርኣይዎ ኽእለት ኪምስገን ዚግብኦ፡ የሆዋ እዩ ነይሩ።​—ዘጸ. 36:1, 2።

8 ሎሚ እውን፡ ምስ ህንጸትን ምስ ሕትመትን ኣኼባታት ኣውራጃ ምስ ምውዳብን ዕዮ ረድኤት ምስ ምምሕዳርን ዚተሓሓዝ ፍሉይ ክእለት ዜድልዮ ኸቢድ ዕዮ የጋጥመና ይኸውን፣ ንሓካይምን ንሰራሕተኛታት ሆስፒታልን ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ንደም ዚምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ መትከልና ኽንገልጸሎም የድልየና ይኸውን። እዚ ዕዮ እዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ብኽኢላታት ሰራሕተኛታት ይዕየ እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ብዙሕ ክእለት ብዘይብሎም ፍቓደኛታት ሰባት እዩ ዚዕየ። መንፈስ ኣምላኽ ከኣ፡ ኣብ ዕዮኦም ንኺዕወቱ ይሕግዞም እዩ። ካልኦት ካባኻ ንላዕሊ ብቑዓት ከም ዝዀኑ ስለ እተሰምዓካ፡ ገለ ሓላፍነት ካብ ምቕባል ድሕር ምሕር ትብልዶ ኣለኻ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ መንፈስ የሆዋ ንፍልጠትካን ንኽእለትካን ኬማዕብሎ ኸም ዚኽእል፡ ንዝዀነ ይኹን እተዋህበካ ሓላፍነት ንኽትፍጽም ከኣ ከም ዚሕግዘካ ኣይትረስዕ።

እያሱ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ተዓወተ

9. እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ እንታይ ኣጋጠሞም፧ እንታይ ሕቶኸ እዩ ኺለዓል ዚኽእል ነይሩ፧

9 መንፈስ ኣምላኽ ንሓደ ብግዜ ሙሴን በሳልኤልን ዝነበረ ሰብ እውን ሓጊዝዎ እዩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣማሌቃውያን ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኸፈቱ። እስራኤላውያን ድማ ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ምላሽ ኪህቡሉ ነበሮም። ብኸመይ ከም ዚዋግኡ ዘይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከም ናጻ ህዝቢ መጠን፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ውግእ ኣተዉ። (ዘጸ. 13:17፣ 17:8) ኰይኑ ግና፡ ነቶም ተዋጋእቲ ዚመርሖም ሰብ የድሊ ነበረ። መን እሞ እዩ ኺመርሖም ዚኽእል ነይሩ፧

10. እቶም ብእያሱ እተመርሑ እስራኤላውያን እተዓወቱ ስለምንታይ እዮም፧

10 እያሱ ነቶም ተዋጋእቲ ኺመርሖም ተመርጸ። ይኹን እምበር፡ ቅድሚኡ ሰራዊት መሪሑ ስለ ዚፈልጥ ድዩ ተመሪጹ፧ ይትረፍዶ ሰራዊት ኪመርሕሲ፡ ብዛዕባ ውግእ እውን ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ባርያን ሰራሕ ሕጡብን ኣራይ ማናን እዩ ነይሩ። ሓቂ እዩ፡ ኤሊሻማዕ ኣቦሓጎ እያሱ፡ ሹም ነገድ ኤፍሬም እዩ ነይሩ፣ ንሱ ዚመርሖም 108,100 ዚዀኑ ሰብኡት ዝሓቘፈ ሰራዊት እውን ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 2:18, 24፣ 1 ዜና 7:26, 27) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ፡ ኤሊሻማዕ ወይ ነዌ ወዱ ዘይኰነስ፡ እያሱ ነቶም ሰራዊት ከም ዚመርሖምን ንሓይሊ እቶም ጸላእቲ ኸም ዚጭፍልቖን እዩ ተዛሪቡ። እቲ ውግእ፡ ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ እዩ ተኻይዱ። እያሱ ምሉእ ብምሉእ ስለ እተኣዘዘን ንመሪሕነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ስለ እተገንዘበን፡ እስራኤላውያን ተዓወቱ።​—ዘጸ. 17:9-13።

11. ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና፡ ከም እያሱ ኽንዕወት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 እቲ “መንፈስ ጥበብ” መሊእዎ ዝነበረ እያሱ፡ ጸኒሑ ንሙሴ ተክኦ። (ዘዳ. 34:9) መንፈስ ቅዱስ ንእያሱ፡ ከም ሙሴ ኸም ዚንበን ተኣምራት ከም ዚገብርን ዘይኰነስ፡ ንእስራኤላውያን ኣብ ውግእ መሪሑ ንከነኣናውያን ከም ዚስዕሮም እዩ ገይርዎ። ሎሚ፡ ገለ ዓይነት ኣገልግሎት ንምፍጻም ዜድሊ ተመክሮ ወይ ብቕዓት ዘይብልና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ከም እያሱ፡ ንመምርሒታት ኣምላኽ ጠቢቕና እንተ ስዒብናዮ፡ ብርግጽ ክንዕወት ንኽእል ኢና።​—እያ. 1:7-9።

‘ንጊዴዎን መንፈስ የሆዋ ወረዶ’

12-14. (ሀ) ሰለስተ ሚእቲ ሰብኡት ምስ ጭፍራ ሚድያናውያን ኪዋግኡ ምኽኣሎም፡ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ (ለ) የሆዋ ንጊዴዎን መረጋገጺ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ሎሚ ዚወሃበና መለኮታዊ መረጋገጺ እንታይ እዩ፧

12 ድሕሪ ሞት እያሱ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንእሙናት ኣገልገልቱ የበራትዖም ነይሩ እዩ። ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ፡ ብዛዕባ እቶም ‘ካብ ድኻም ዝበርትዑ’ ብዙሓት ሰባት ዚገልጽ ጸብጻብ ነንብብ ኢና። (እብ. 11:34) ኣምላኽ ንጊዴዎን ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ፡ ምእንቲ ህዝቡ ንኺዋጋእ ደረኾ። (መሳ. 6:34) ይኹን እምበር፡ እቲ ጊዴዎን ዝኣከቦ ሰራዊት፡ ኣርባዕተ ንሓደ ብዚኣክል ቍጽሪ ብሚድያናውያን ተበሊጹ ነበረ። ኣብ ዓይኒ የሆዋ ግና፡ እዞም ውሑዳት ዚመስሉ ሰራዊት እዚኣቶም፡ እምብዛ ብዙሓት ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንጊዴዎን፡ ክልተ ሳዕ ንቝጽሪ እቶም ሰራዊት ኪንክዮ ነገሮ፣ እስራኤላውያን ድማ ብጸላእቶም፡ 450 ን1 ብዚኣክል ቍጽሪ ተበልጹ። (መሳ. 7:2-8፣ 8:10) የሆዋ እዩ ኸምኡ ኪኸውን ፈቒዱ። ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ እስራኤላውያን እንተ ተዓዊቶም፡ ብጻዕሮም ወይ ብጥበቦም ከም እተዓወቱ ገይሮም ምእንቲ ኸይዕበዩ እዩ።

13 ጊዴዎንን ሰራዊቱን ተዳልዮም እዮም ነይሮም። ኣባል እታ ሒደት ሰራዊት ዝነበርዋ ጕጅለ እንተ ትኸውን ኔርካ፡ እቶም ዚፈርሁ ወይ እቶም ዘይንቑሓት ናብ ቤቶም ብምምላሶም ድሕንነት ምተሰምዓካዶ፧ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኼጋጥመካ ዚኽእል ነገራት ብምሕሳብ ምፈራህካዶ፧ ጊዴዎን፡ ልክዕ ከምቲ እተነግሮ ስለ ዝገበረ፡ ኣብ ኣምላኽ ከም እተወከለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና (መሳፍንቲ 7:9-14 ኣንብብ።) የሆዋ እውን ንጊዴዎን፡ መለኮታዊ ሓገዝ ከም ዚረክብ ንምርግጋጽ ምልክት ብምሕታቱ ኣይገሰጾን። (መሳ. 6:36-40) የግዳስ፡ ንእምነት ጊዴዎን ኣደልደላ።

14 የሆዋ ንኼድሕን ዘለዎ ሓይሊ፡ ደረት የብሉን። ንህዝቡ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ንምድሓን፡ ነቶም ሒደትን ድኹማትን ዚመስሉ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ጸላእትና ኻባና ዚበዝሑን ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት ዘለናን ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ኣብዚ ግዜ እዚ ኸምቲ ንጊዴዎን እተዋህቦ ዓይነት ተኣምራዊ መረጋገጺ ኺወሃበና ዘይንጽበ እኳ እንተ ዀንና፡ ካብ ቃል ኣምላኽን ካብታ ብመንፈሱ እትምራሕ ክርስትያናዊት ጉባኤን መምርሕን መረጋገጽን ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 8:31, 32) ፍቕራዊ መብጽዓታት የሆዋ፡ ንእምነትና የደልድላን ኣምላኽ ከም ዚሕግዘና የረጋግጸልናን እዩ።

‘ሽዑ መንፈስ የሆዋ ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ’

15, 16. ጓል ይፍታሕ ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸተጥሪ ዝኸኣለት ስለምንታይ እያ፧ እዚ ንወለዲ ዜተባብዖምከ ብኸመይ እዩ፧

15 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ዓሞናውያን ንእስራኤላውያን ኪዋግእዎም ምስ መጹ፡ መንፈስ የሆዋ ‘ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ።’ ይፍታሕ ንውዳሰ የሆዋ ዚኸውን ዓወት ንኺጐናጸፍ ካብ ዝነበሮ ህንጥዮት ተላዒሉ፡ ከቢድ መብጽዓ ኣተወ። ኣምላኽ ንዓሞናውያን ኣብ ኢዱ እንተ ሂብዎ፡ እቲ ኪቕበሎ ኢሉ ኻብ ቤቱ ዚወጽእ ንየሆዋ ኸም ዚወሃብ ተመባጽዐ። ንዓሞናውያን ስዒሩ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ፡ ጓሉ እናጐየየት ክትቅበሎ ወጸት። (መሳ. 11:29-31, 34) እሞኸ እዚ ንይፍታሕ ኣሰምቢድዎዶ፧ ኣየሰምበዶን ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ ኪመባጻዕ ከሎ፡ ጓሉ ኽትቅበሎ ኢላ ኽትወጽእ ከም እትኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነታ ሓንቲ ጓሉ ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ንየሆዋ ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ንኸተገልግል ብምውፋይ ድማ መብጽዓኡ ሓለወ። ጓል ይፍታሕ እውን ከም እምንቲ ኣምላኺት የሆዋ መጠን፡ እቲ ኣቦኣ ዝኣተዎ መብጽዓ ኺፍጸም ከም ዘለዎ ተረዲኣ ነበረት። (መሳፍንቲ 11:36 ኣንብብ።) መንፈስ የሆዋ ንኽልቲኦም፡ ዜድልዮም ብርታዐ ሂብዎም እዩ።

16 ጓል ይፍታሕ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ከተጥሪ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ ኣቦኣ ዝነበሮ ቕንኣትን ንየሆዋ ዝነበሮ ተወፋይነትን ንእምነታ ኸም ዘደልደሎ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ንኣብነትኩም የስተብህሉሉ እዮም። እትገብርዎ ውሳነታት፡ ነቲ እትዛረቡሉ ኸም እትኣምኑሉ እዩ ዚሕብር። ደቅኹም ንልባዊ ጸሎትኩም ይሰምዕዎ፡ ንውጽኢታዊ ኣመሃህራኹም የቕልቡሉ፡ ከምኡውን ነቲ ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ንምግልጋል እትገብርዎ ጻዕሪ የስተብህሉሉ እዮም። እዚ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ሓያል ባህጊ ኸም ዜሕድሩ ኺገብሮም እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕጐሱ ኢኹም።

ንሲምሶን ‘መንፈስ የሆዋ መጾ’

17. ሲምሶን ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ እንታይ እዩ ገይሩ፧

17 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። እስራኤላውያን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምስ ወደቑ፡ ንሲምሶን “መንፈስ እግዚኣብሄር ኪድርኾ ጀመረ።” (መሳ. 13:24, 25) ሲምሶን ዜደንጹ ግብርታት ኪገብር እዩ ሓይሊ ተዋሂብዎ። ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤላውያን፡ ንሲምሶን ኪሕዙሎም ምስ ኣእመንዎም፡ “መንፈስ እግዚኣብሄር . . . ናብ ልዕሊኡ [ናብ ሲምሶን] ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳዉ መኸኸ።” (መሳ. 15:14) ዋላ እኳ ጸኒሑ ሕማቕ ውሳነ ብምግባሩ ሓይሉ እንተ ኸደ፡ “ብእምነት” ግና ሓየለ። (እብ. 11:32-34፣ መሳ. 16:18-21, 28-30) መንፈስ የሆዋ ብምኽንያት እቲ ፍልይ ዝበለ ዅነታት ኣብ ሲምሶን ብፍሉይ መገዲ ዓየየ። ይኹን እምበር፡ እዚ ታሪኻዊ ፍጻመታት እዚ፡ ኣዝዩ የተባብዓና እዩ። ብኸመይ፧

18, 19. (ሀ) ሲምሶን ዘሕለፎ ተመክሮ እንታይ እዩ ዜረጋግጸልና፧ (ለ) ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሶም ዘለዉ እሙናት ሰባት ምምርማርካ ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

18 ንሕና እውን ልክዕ ከም ሲምሶን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ንውከል ኢና። ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ዕዮ ኽንፍጽም ከለና፡ ማለት “ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን” ከለና እውን፡ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ንውከል ኢና። (ግብ. 10:42) ከመይሲ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ንኽንፍጽሞ ዜድልየና ኽእለት፡ ብተፈጥሮ ዚመጽእ ኣይኰነን። የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ፡ ነቲ ብሓደራ እተዋህበና እተፈላለየ ዕዮታት ንኽንፍጽሞ ዚሕግዘና ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! ስለዚ፡ ዕዮና ኽንፍጽም ከለና፡ ልክዕ ከም ነብዪ ኢሳይያስ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣይን ንመንፈሱን ልኢኹ አሎ” ኽንብል ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 48:16) ከምቲ የሆዋ ንኽእለት ሙሴን በሳልኤልን እያሱን ዘመሓየሾ፡ ንኽእለትና እውን ኬመሓይሾ ኸም ዚኽእል ብምትእምማን፡ ነቲ እተዋህበና ዕዮ ንፈጽም። ከምቲ ንጊዴዎንን ንይፍታሕን ንሲምሶንን ዘሐየሎም፡ ንዓና እውን ኬሐይለና ኸም ዚኽእል ብምትእምማን፡ “ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ” ንሓዝ። (ኤፌ. 6:17, 18) ነቲ ዜጋጥመና ዕንቅፋት ክንሰግር ከለና ኣብ ሓገዝ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ ልክዕ ከምቲ ሲምሶን ብኣካላዊ መዳይ ብርቱዕ ዝነበረ፡ ንሕና እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ብርቱዓት ክንከውን ንኽእል ኢና።

19 የሆዋ ነቶም ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብትብዓት ደው ዚብሉ ሰባት ይባርኾም እዩ። ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እንተ ተመሪሕና፡ እምነትና ኽትድልድል እያ። ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዝነበሩ ሰባት ዚገልጽ ዜደንቕ ጸብጻባት ንረክብ ኢና። እዚ ኸኣ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ማለት ኣብ ልዕሊ እቶም ቅድሚ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኰነ ድሕሪኡ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይዓዪ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ጸብጻባት እዚ ኽንምርምር ኢና።

መንፈስ ኣምላኽ ኣብዞም ዚስዕቡ ሰባት ብኸመይ ከም ዝዓየየ ምፍላጥካ ዜተባብዓካ ስለምንታይ እዩ፧

• ሙሴ

• በሳልኤል

• እያሱ

• ጊዴዎን

• ይፍታሕ

• ሲምሶን

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ከምቲ መንፈስ ኣምላኽ ንሲምሶን ብኣካላዊ መዳይ ዘበርትዖ፡ ንዓና እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ኬበርትዓና ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣቱም ወለዲ፡ እቲ ቕንኣት ዝመልኦ ኣብነትኩም ኣብ ደቅኹም ጽልዋ የሕድር እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ