ታሪኽ ህይወት
“ኣብ የማናይካውን ንዘለኣለም ብጽእና አሎ”
ሎይስ ዲደር ዘዘንተወቶ
‘ከምዚ ዓይነት ምርጫ እንተ ዘይገብር ጽቡቕ ነይሩ’ ኢልኩምዶ ትፈልጡ፧ ኣነ ግና ኣብቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸናሕኩሉ 50 ዓመት፡ ኣብ የማነይቲ ኢድ የሆዋ ምዃን ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘይብሉ ርእየዮ እየ። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበልኩ እስከ ኸዘንትወልኩም።
ብ1939 እየ ተወሊደ፣ ኣብቲ ኣብ ሰስካችወን፡ ካናዳ ዚርከብ ገጠር፡ ምስ ኣርባዕተ ኣሓተይን ምስ ሓደ ሓወይን ድማ እየ ዓብየ። ኣብቲ ልሙዕ ጐላጕል ዘሕለፍክዎ ህይወት፡ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤትና መጺኦም ንኣቦይ ኣዘራረብዎ፣ ኣነ ኸኣ፡ ኣምላኽ ስም እንተ ኣልይዎ ሓተትክዎም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ኣብ መዝሙር 83:18 ዚርከብ ‘የሆዋ’ ዚብል ስም ድማ ኣርኣዩና። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ቓሉን ብዝያዳ ንኽፈልጥ ደረኸኒ።
ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ደቂ ሓረስቶት፡ ክሳዕ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ይመሃሩ ነበሩ። ንብዙሕ ኪሎ ሜተራት ብኣፍራስ ወይ ብእግሮም እናተመላለሱ እዮም ዚመሃሩ ነይሮም። እተን ኣብቲ ኣውራጃ ዝነበራ ስድራ ቤታት ድማ፡ ነቶም መምህራን ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም ነበራ። ሓደ ዓመት፡ ወለደይ ነቲ ሓድሽ ዝመጸ መምህር፡ ማለት ንጆን ዲደር ናብ ቤትና ዚቕበሉሉ ተራ በጽሐ።
ኣነ ደኣ እየ ዘይፈለጥኩ እምበር፡ ጆን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ልዑል ተገዳስነት ነበሮ። ሓደ እዋን፡ ነቲ ኣቦይ እውን ዚሕለቐሉ ዝነበረ ኮምዩኒዝምን ሶሻሊዝምን ደጊፈ ኽዛረብ ከለኹ፡ ጆን ብህዱእ ድምጺ፡ “ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ናይ ምግዛእ መሰል የብሉን። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ናይ ምግዛእ መሰል ዘለዎ” ኢሉ መለሰለይ። እዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ኣገዳሲ ምይይጥ ንኽንገብር መገዲ ኸፈተልና።
ጆን ብ1931 ስለ እተወልደ፡ ብዛዕባ እቲ ውግእ ዜምጽኦ ሳዕቤናት ሰሚዑ ነበረ። ብ1950 ውግእ ኮርያ ምስ ጀመረ፡ ንብዙሓት ኣቕሽሽቲ ኣብ ውግእ ይካፈሉ እንተ ዀይኖም ሓቲትዎም ነበረ። ኵላቶም ድማ፡ ክርስትያናት ኣጽዋር ኪዕጠቑ ኸም ዚኽእሉ መለሱሉ። ጸኒሑ ድማ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ ሕቶ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ውግእ ዝነበሮም ቅዱስ ጽሑፋዊ መትከል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣይዎ። ብ1955 ድማ ተጠምቀ። ንዓመታኡ ኸኣ ኣነ ተጠመቕኩ። ክልቴና፡ ንህይወትናን ንጕልበትናን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸነውዕሎ ኸም እንደሊ ንፈልጥ ነበርና። (መዝ. 37:3, 4) ኣብ ሓምለ 1957 ድማ ኣነን ጆንን ተመርዓና።
ብዙሕ ግዜ፡ ዝኽሪ ዕለት መርዓና፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ እንገብረሉ እዋን እዩ ዚውዕል ነይሩ። ኣብ መንጎ እቶም ንሓዳር ዜኽብሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ብምኽኣልና ባህ ይብለና ነበረ። ብ1958 ንመጀመርታ እዋን ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተኣከብና። ሓሙሽተ ዄንና ኸኣ፡ ቀትሪ ቐትሪ እናተጐዓዝና፡ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ኣብ ቴንዳ እናሓደርና፡ ንሓደ ሰሙን ካብ ሰስካችወን ናብ ኒው ዮርክ ብማኪና ተጐዓዝና። ኣብ ቤት-ልሄም፡ ፐንስልቨንያ፡ ሓደ ሓው ምስኡ ኽንሓድር ምስ ዓደመና፡ ኣዚና ተሓጐስና። ሳላ እቲ ሓው ዘርኣየና ሕያውነት፡ ተሓጻጺብናን ተኸዳዲንናን ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ ኽንበጽሕ ከኣልና። እቲ ዓብዪ ኣኼባ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ሓለፍ ዝበለ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ንኽንግንዘብ ሓጊዙና እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ የማናይካውን ንዘለኣለም ብጽእና [ወይ ሓጐስ] አሎ” ኺብል ሓቁ እዩ።—መዝ. 16:11።
ፈለምቲ ዀንና
ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ማለት ብ1959 ፈለምቲ ዀንና፣ ኣብ ሓደ ኣብ ሰስካችወን ዚርከብ ልሙዕ ኵድዅዶ፡ ኣብ ተጐታቲት ቤት ንነብር ነበርና። ኣብኡ ዄንና፡ ንገለ ኻብቲ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዚርከብ ክልና ኽንርእዮ ንኽእል ነበርና።
ሓደ መዓልቲ ኻብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተላእከት እተገርም ደብዳበ በጽሓትና። ናብቲ ጆን ትራክተር ዚጽግነሉ ዝነበረ ቦታ ድማ ተቐላጢፈ ኸድኩ። እታ ደብዳበ፡ ኣብ ሬድ ሌክ፡ ኦንታርዮ፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል እትዕድም እያ ነይራ። እቲ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጥና፡ ካርታ ኣምጺእና ደለናዮ።
እቲ እተመደብናሉ ቦታ ኻብቲ ዝነበርናዮ ልሙዕ ጐላጕል ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ናብቲ ዓበይቲ ጫካታት ዚርከበሉ ቦታታትን ኣብ ጥቓ መዐደኒ ወርቂ ናብ ዚርከባ ንኣሽቱ ኸተማታትን ኢና ግዒዝና። ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ፡ መሕደሪ ኸነናዲ ኸለና፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ምስ ጐረቤታ ኽንዘራረብ ከለና ሰምዓትና። ናብ ኣዲኣ እናጐየየት ከይዳ ድማ ብዛዕባና ነገረታ፣ ኣዲኣ ኸኣ ብሕያውነት ምስኣቶም ክንሓድር ፈቐደትልና። እቲ ዝሓደርናሉ ዓራት፡ ኣብቲ ብርስሓት ዝመልአ ምድሪ ቤት እዩ ዚርከብ ነይሩ። ንጽብሒቱ፡ ክልተ ኽፍሊ ዘለዎ ገዛ እኳ እንተ ረኸብና፡ ብዕንጨይቲ ዚሰርሕ መውዓዪ እንተ ዘይኰይኑ፡ ማይ ቡምባን ኣቕሑ ገዛን ኣይነበሮን። ኰይኑ ግና፡ ካብ ሓደ ድኳን እተወሰነ ዘገልገለ ኣቕሑ ዓደግና፣ በቲ ዘሎና መሰረታዊ ነገራት ዓጊብና ኸኣ ክንነብር ጀመርና።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካብቲ ንሕና ዝነበርናሉ ቦታ፡ 209 ኪሎ ሜተር ርሒቕካ እዩ ጉባኤ ዚርከብ ነይሩ። ብዙሓት ኣብ መዐደኒ ወርቂ ዚሰርሑ ኤውሮጳውያን ድማ፡ ብቛንቋኦም እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ከነምጽኣሎም ይሓትቱና ነበሩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ 30 ንፉዓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ጀመርና። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ኸኣ፡ ንእሽቶ ጉባኤ ተመስረተት።
ንሓንቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓላ ዝነበርና ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ናብ ቀሹ ደዊሉ፡ መጺኡ ንሰበይቱ ኼስምዓሉ ሓተቶ። ምስቲ ቐሺ ኽንዘራረብ ከለና፡ ብቐንዱ ብዛዕባ ስላሴ ኽንምህር ከም ዘሎና ነገረና። እታ ሰበይቲ፡ ናይ ካቶሊክ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምጺኣ ነቲ ቐሺ ብምሃብ፡ ነቲ ዚብሎ ዘሎ ነገራት ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬርእያ ሓተተቶ። ንሱ ግና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ጣውላ ደርብዩ፡ መርትዖ ኬቕርብ ከም ዘየድልዮ ተዛረበ። ኪኸይድ ከሎ፡ ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ካብ ቤቶም ኪሰጕጉናን መሊሶም ከይቅበሉናን ብዩክረይንኛ ነገሮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ቐሺ፡ ጆን ዩክረይንኛ ኸም ዚሰምዕ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።
ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ጆን ኣብ ዕዮ ወረዳ ኺስልጥን ስለ ዝነበሮ፡ ካብ ሬድ ሌክ ገዓዝና። ይኹን እምበር፡ ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ጆን ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ መደረ ጥምቀት ኬቕርብ ከሎ፡ ሰብኣይ እታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓላ ዝነበርና ሰበይቲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሕጹያት ጥምቀት ኮፍ ኢሉ ነበረ። እቲ ምስቲ ቐሺ ዝገበርናዮ ምይይጥ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዕ ደረኾ።
ኣብ ዕዮ መገሻ ተጸመድና
ኣብ ዕዮ ወረዳ፡ ምስ እተፈላለያ ስድራ ቤታት ክንቅኒ ምኽኣልና ኣዝዩ የሐጕሰና ነበረ። ምስቶም ኣብ ቤቶም ዚቕበሉና ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ድልዱል ምሕዝነት መስሪትና ኢና። ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ ኣብ ደርቢ ዚርከብ ቈራሪ ኽፍሊ ቐነና። ይኹን እምበር፡ ንግሆ ንግሆ፡ እታ እተቐበለትና ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ፡ ሰላሕ ኢላ ናብ ክፍልና ብምእታው፡ ነታ ንእሽቶ እቶን ትውልዓልና ነበረት። ብዙሕ ከይጸንሐት ከኣ፡ ምእንቲ ኽንተሓጻጸብ፡ ሸሓንን ውዑይ ማይን ሒዛትልና ትመጽእ ነበረት። እቲ ሕያውነት ዝመልኦ ህዱእ ባህሪኣ ብዙሕ እዩ ምሂሩኒ።
ዕዮ መገሻ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ንክቐርብ ሓጊዙኒ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣልበርታ ዚርከብ ሓደ ወረዳ፡ ብሸነኽ ሰሜን እትርከብ መዐደኒ ዘለዋ ኸተማ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፣ ኣብታ ኸተማ ድማ ሓንቲ ሓብቲ ትነብር ነበረት። እሞኸ ውድብ የሆዋ ነታ ንበይና እትነብር ሓብቲ ብኸመይ እዩ ዚርእያ ነይሩ፧ ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ፡ ኣነን ጆንን ብነፋሪት ብምኻድ፡ ምስኣ ሰሙን ንገብር ነበርና፣ ልክዕ ከምቲ ምስ ዓበይቲ ጉባኤታት እንገብሮ ኸኣ፡ ምስኣ ነገልግልን ኣኼባ ንእከብን ነበርና። እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ በጊዑ ኸም ዚሓልየላ ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ።
ምስቶም ኣብ ቤቶም ዚቕበሉና ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነበረና ምሕዝነት ቀጺሉ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ነታ ጆን ንመጀመርታ እዋን ዝሃበኒ ብናይ ደብዳበ ወረቐት ዝመልአት ምልክዕቲ ሳጹን እዩ ዜዘኻኽረኒ። በቲ ኣብዛ ሳጹን እዚኣ ዝነበረ ናይ ደብዳበ ወረቐት ተጠቒምና ድማ፡ ምስቶም ፈተውትና ንራኸብ ነበርና። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ነታ ሳጹን ኣኽቢረ እየ ዝርእያ።
ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸለና፡ ሓደ ሓው ካብ ቤት-ኤል ደዊሉ፡ ናብ ቤት-ኤል ኣቲና ኽንሰርሕ ንኽእል እንተ ዄንና ሓተተና። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ንጽብሒቱ ውሳነና ኸነፍልጦ ድማ ነገረና። ንሕና ኸኣ፡ ፍቓደኛታት ምዃንና ሓበርናዮ።
ኣገልግሎት ቤት-ኤል
ነፍሲ ወከፍ ምደባ፡ ነቲ ኻብ የማነይቲ ኢድ የሆዋ ዚመጽእ እተፈላለየ ባህ ዜብል ነገራት ንኽንርኢ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። ብ1977 ናብ ቤት-ኤል ምስ ኣተና፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢሙና። ምስ ገሊኦም ቅቡኣት ብምሕባርና፡ ነቲ እተፈላለየ ባህርያቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንቓል ኣምላኽ ዘለዎም ዓብዪ ኣኽብሮት እውን ክንርኢ ኽኢልና ኢና።
ንዕዮ ቤት-ኤል ኣዚና ፈተናዮ። ንኣብነት፡ ንኽዳውንትና ኣብ ባልጃ ዘይኰነስ፡ ኣብ ተመዛዚ ኸነቐምጦ ጀመርና፣ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ተመዲብና እውን ክንእከብ ጀመርና። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝዓይዮ ዝነበርኩ ዕዮ፡ ነቶም ንቤት-ኤል ኪበጽሑ ዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ንእተፈላለየ ዕዮታት ቤት-ኤል የርእዮም ነበርኩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚዕየ ዕዮ እነግሮም፡ ነቲ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ዚህብዎ ርእይቶ እሰምዕ፡ ከምኡውን ንሕቶታቶም እምልሰሎም ነበርኩ።
ዓመታት በሪረን ሓለፋ፣ ብ1997 ድማ ጆን ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ ኺካፈል ጻውዒት ቀረበሉ። ድሕሪኡ፡ ናብ ዩክረይን ክንግዕዝ ንኽእል እንተ ዄንና ሕቶ ቐረበልና። ንውሳነና ብጥንቃቐን ብጸሎትን ክንሓስበሉ ኸኣ ተተባባዕና። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ነቲ ዝቐረበልና ጻውዒት ከም እንቕበሎ ርግጸኛታት ኢና ኔርና።
ናብ ዩክረይን ገዓዝና
ብ1992 ኣብቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ፡ ሩስያ እተገብረ፡ ብ1993 ከኣ ኣብቲ ኣብ ክየቭ፡ ዩክረይን እተገብረ ዓብዪ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተኻፈልና። እዚ ኣኼባታት እዚ፡ ነቶም ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝነበሩ ኣሕዋትና ኸም እንፈትዎም ገበረና። ኣብ ልቮፍ፡ ዩክረይን ኣብ ዚርከብ ዝኣረገ ቤት፡ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ንነብር ነበርና። መስኰትና ድማ ናብቲ ንእሽቶ ጀርዲንን ሓደ ዓብዪ ኩኩናይን ሒደት ጨቓዊት ደርሁን ዚርኣዩሉ ኻንሸሎ እዩ ዚጥምት ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ሰስካችወን ዝነበረ ቦታ ሕርሻ ዘለና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና። ኣብታ ቤት እቲኣ፡ 12 እንኸውን ሰባት ንቕመጥ ነበርና። ንግሆ ንግሆ ድማ ብማኪና ጌርና ንማእከል እታ ኸተማ ብምሕላፍ፡ ናብ ቤት-ኤል ንኸይድ ነበርና።
ኣብ ዩክረይን ምንባርና እንታይ ስምዒት ኣሕደረልና፧ እቲ ዩክረይናውያን ኣሕዋትና ዘሕለፍዎ ፈተናታትን እገዳታትን ማእሰርትን፡ ንዝዀነ ይኹን ዘሕለፍናዮ ነገራት ኣትሒትና ኸም እንርእዮ እዩ ገይሩና። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣሕዋት፡ ብተኣማንነት ጸኒዖም እዮም። ክንንእዶም ከለና ድማ፡ “ንየሆዋ ኢልና ኢና ኸምኡ ጌርና” ኢሎም ይምልሱልና ነበሩ። እተጠንጠኑ ዀይኑ ኣይተሰምዖምን። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ስለቲ ዘርኣዩኻ ሕያውነት ከተመስግኖም ከለኻ፡ ምንጪ ዅሉ ሰናይ ነገራት የሆዋ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ “ንየሆዋ ኣመስግኖ” ኢሎም እዮም ዚምልሱልካ።
ኣብ ዩክረይን፡ ብዙሓት ኣሕዋት ንሓደ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብእግሮም ተጓዒዞም እዮም ናብ ኣኼባታት ዝኸዱ፣ ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንኼዕልሉን ንሓድሕዶም ንኺተባብዑን ዜኽእሎም ግዜ ኣለዎም። ኣብ ልቮፍ ልዕሊ 50 ጉባኤታት እየን ዘለዋ፣ ካብዚኣተን እተን 21፡ ዓብዪ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እየን ዚጥቀማ። ሰንበት ሰንበት፡ ናብ ኣኼባታት ዚመጹ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምርኣይ ባህ ዜብል እዩ።
እቶም ዩክረይናውያን ኣሕዋት ጥዑማትን ሕያዎትን ስለ ዝዀኑ፡ ፈጺምና ኣይተጋየሽናን። ዩክረይንኛ ንምርዳኡ ኼሸግረኒ ኸሎ፡ ይዕገሱኒ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ቃላቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ገጾም እውን ይርአ እዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋትና ዘሎ ምትእምማን፡ ኣብቲ ብ2003 ኣብ ክየቭ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተራእዩ እዩ። ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዚርከብ መደበር ባቡር ከለና፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ናባና መጺኣ፡ “ጠፊአ እየ። ንዓባየይ ክረኽባ ኣይከኣልኩን” በለትና። እታ ጓል፡ ንባጅና ብምርኣይ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ኣለለየትና። ተባዕ ስለ ዝነበረት ኣይበኸየትን። ምሳና ዝነበረት ሰበይቲ ሓደ ሓላው ወረዳ ድማ፡ ነታ ጓል ናብቲ ኣብቲ ስታድዩም ዝነበረ ኽፍሊ ጠፊኡ እተረኽበ ወሰደታ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እታ ጓል ምስ ዓባያ ተራኸበት። ኣብቲ መደበር ባቡር ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት እኳ እንተ ነበሩ፡ በቲ እዛ ጓል እዚኣ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ዝነበራ ምትእምማን ኣዝየ እየ ተተንኪፈ።
ኣብ ግንቦት 2001 እቲ ኣብ ዩክረይን እተሃንጸ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪውሰን ከሎ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ኣሕዋት ነበሩ። ድሕሪ እቲ ሰንበት ንግሆ ኣብ ስታድዩም ዝቐረበ ፍሉይ መደረ፡ ብዙሓት ኣሕዋት ነቲ ሓድሽ ቤት-ኤል ኪርእይዎ ኢሎም ብእግሮም መጹ። ከመይ ዝኣመሰለ ዘይርሳዕ ትርኢት ኰን እዩ ነይሩ! ነቶም ህዱኣትን ብስርዓት ዚጐዓዙን ዝነበሩ ኣሕዋት ምስ ረኣኹ፡ ውሽጠይ ተተንከፈ። ነቲ ንኣምላኽ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ዘሎኒ ሞሳ ድማ ብዝያዳ ኣዕመቖ።
ዓብዪ ለውጢ
እቲ ዜሕዝን፡ ብ2004 ጆን ሕማም መንሽሮ ኸም ዘለዎ ተፈልጠ። ምእንቲ ኺሕከም ድማ፡ ናብ ካናዳ ኸድና። እቲ ኣብ ፈለማ ዝወሰዶ ኬሞተራፒ ዚብሃል ሕክምና፡ ኣዝዩ ኸበዶ፣ ንእተወሰነ ሰሙናት ከኣ ዝለዓለ ኽንክን ተገብረሉ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እንደገና ሃለዋቱ ፈለጠ። ኪዛረብ ዘይክእል እኳ እንተ ነበረ፡ ብኣዒንቱ ግና ንዅሎም እቶም ኪበጽሕዎ ዚመጹ ዝነበሩ፡ ሞሳኡ ይገልጸሎም ነበረ።
ይኹን እምበር፡ ኪሕሾ ኣይከኣለን፣ ኣብ መወዳእታ 2004 ድማ ሞተ። ኣብ ህይወተይ ገለ ዓብዪ ነገር ዝጐደለ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣነን ጆንን ብሓባር ኴንና ንየሆዋ ብምግልጋል፡ ሓጐስ ረኺብና ኢና። እሞኸ ድሕሪኡ እንታይ ገበርኩ፧ ናብ ዩክረይን ክምለስ ወሰንኩ። ነቶም ምዉቕ ፍቕሪ ዘርኣዩኒ ስድራ ቤት-ኤልን ኣባላት እታ ጉባኤን ኣዝየ እየ ዘመስግኖም።
ኣብ ህይወትና በቲ ዝገበርናዮ ምርጫታት ተጣዒስና ኣይንፈልጥን ኢና። ባህ ዜብል ህይወት ምስ ባህ ዜብሉ ኣሕዋት ኢና ኣሕሊፍና። ‘ኣብ የማነይቲ ኢድ የሆዋ ሓጐስ ስለ ዝረኸብኩ፡’ ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋ ኸኣ ገና ኽመሃር ከም ዘሎኒ ስለ ዝፈልጥ፡ ንዘለኣለም ከገልግሎ ተስፋ ኣሎኒ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ኣብ ህይወትና በቲ ዝገበርናዮ ምርጫታት ተጣዒስና ኣይንፈልጥን ኢና”
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ጆን ኣብ እተመርዓናሉ እዋን
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሬድ ሌክ፡ ኦንታርዮ፡ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ከለኹ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ብ2002 ኣነን ጆንን ኣብ ዩክረይን ከለና