ሸሞንተ ነገስታት ተፈሊጦም
እተን ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀና፡ ትንቢት ዳንኤልን ራእይ ዮሃንስን ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብ ታሪኽ እተራእዩ ሸሞንተ ነገስታት፡ ወይ ሰብኣዊ ምምሕዳራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፎም መዓስ ከም እተራእዩ እውን ይገልጻ እየን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ መጀመርታ ትንቢት እንተ ተረዲእናዮ፡ ነዚ ትንቢታት እዚ እውን ክንርድኦ ንኽእል ኢና።
ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ፡ ሰይጣን ንዘርኡ ኣብ እተፈላለየ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ወይ መንግስትታት ኪውድቦ ጸኒሑ እዩ። (ሉቃ. 4:5, 6) ይኹን እምበር፡ እተን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ወይ ኣብታ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመት ጉባኤ ዓብዪ ጽልዋ ኺገብራ ዝጸንሓ መንግስትታት፡ ብተዛማዲ ኺረኣያ ኸለዋ ኣዝየን ሒደት እየን። እቲ ዳንኤልን ዮሃንስን ዝረኣይዎ ራእያት፡ ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ዚገብራ ዝነበራ ብጠቕላላ ሸሞንተ ሓያላት መንግስታት ጥራይ ከም ዝዀና እዩ ዚገልጽ።
[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ሰሌዳ/ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ትንቢታት ትንቢታት
ዳንኤል ራእይ ዮሃንስ
1. ግብጺ
2. ኣሶር
3. ባቢሎን
4. ሜዶንን
ፋርስን
5. ግሪኽ
6. ሮሜ
7. ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስትታት
ኣመሪካንa
8. እተኣሳሰራ መንግስትታትን
ውድብ ሕቡራት ሃገራትንb
ህዝቢ ኣምላኽ
2000 B.C.E.
ኣብርሃም
1500
ህዝቢ እስራኤል
1000
ዳንኤል 500
B.C.E./C.E.
ዮሃንስ
ናይ ኣምላኽ እስራኤል 500
1000
1500
2000 C.E.
[እግረ-ጽሑፋት]
[ስእልታት]
እቲ ዓብዪ ምስሊ (ዳን. 2:31-45)
ካብ ባሕሪ ዝወጹ ኣርባዕተ ኣራዊት (ዳን. 7:3-8, 17, 25)
እቲ ድዑልን እቲ ድቤላን (ዳን. ምዕ. 8)
ሸውዓት ዝርእሱ ኣራዊት (ራእ. 13:1-10, 16-18)
እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት፡ ምስሊ እቲ ኣራዊት ከም ዚቐውም ይገብር (ራእ. 13:11-15)
[ምንጪ ስእሊ]
Photo credits: Egypt and Rome: Photograph taken by courtesy of the British Museum; Medo-Persia: Musée du Louvre, Paris