ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/11 ገጽ 3
  • ሰይጣን ኣሎ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰይጣን ኣሎ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰይጣን
    ንቕሑ!—2013
  • ሰይጣን ኪውሕጠካ ስለ ዚደሊ፡ ንቑሕ ኩን!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንጸላኢኻ ፍለጦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ድያብሎስ መን ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/11 ገጽ 3

ገበር | ሰይጣን ኣሎ ድዩ፧

ሰይጣን ኣሎ ድዩ፧

ቅርጺ እቲ ውርደተኛ መልኣኽ ዝዀነ ሰይጣን

ሰይጣን ብልሹውን ውርደተኛን መልኣኽ ምዃኑ ዜርኢ ኣብ ማድሪድ፡ ስጳኛ ዚርከብ ቅርጺ

“ኣብ ኤል ሳልቫዶር እየ ዓብየ። ንኣደይ እንተ ዘይተኣዚዘያ፡ ‘ድያብሎስ መጺኡ ኺወስደካ እዩ!’ ትብለኒ ነይራ። ኣነ ድማ፡ ‘እንታይ እሞ እዩ፧ ይምጻእ’ እብላ ነይረ። ኣብ ኣምላኽ እኣምን እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ሰይጣን ግና ኣይኣምንን እየ ነይረ።”—ሮሄልዮ።

ንስኻኸ ምስቲ ሮሄልዮ ዝበሎ ትሰማማዕ ዲኻ፧ ካብዚ ዚስዕብ ሓሳባት፡ ኣየናይ እዩ ብዝያዳ ዚወሓጠልካ፦

  • ሰይጣን ዚብሃል የለን፣ ንእኩይ ባህርይ ዜመልክት መጸውዒ ጥራይ እዩ።

  • ሰይጣን ኣሎ፣ ግናኸ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ኣይግደስን እዩ።

  • ሰይጣን ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዩ፣ ኣብ ደቂ ሰብ ድማ ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነፍሲ ወከፍ ኣረኣእያ ዚድግፍዎ ብዙሓት፡ ምናልባት እውን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣለዉ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘሎካ ኣረኣእያ ብሓቂ ኣገዳሲ ድዩ፧ ሰይጣን ዘየለ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ከም ዘሎ ገይሮም ዚሓስቡ ሰባት ተታሊሎም ኣለዉ ማለት እዩ። ሰይጣን እንተ ኣልዩ፡ ግናኸ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዘይግደስ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ካብኡ ዚጥንቀቑሉ ወይ ንዕኡ ዚፈርሁሉ ምኽንያት የብሎምን። ይኹን እምበር፡ ሰይጣን መታለልን ንኻልኦት ከም ድላዩ ኺቈጻጸሮም ዚኽእልን እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ሰባት ዚሓስብዎ ንላዕሊ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ማለት እዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ብኸመይ ከም ዚምልሶ እስከ ቐጺልና ንርአ፦ ሰይጣን እንታይ ወይ መን እዩ፧ ንእኩይ ባህርይ ድዩ ዜመልክት ወይስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ መንፈሳዊ ኣካል እዩ፧ ሰይጣን ብሓቂ እንተ ኣልዩ፡ ኪጐድኣካ ይኽእል ድዩ፧ ኪጐድኣካ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ ንርእስኻ ኻብኡ ኸተዕቍባ ትኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ