ኣብቲ ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ክትካፈልዶ ኢኻ?
1 እቲ ስርዓታዊ ዑደት ናይ ህይወትና ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኽንዛረቦም እንምድቦ ፍሉይ ግዜያት እውን ዘጣመረ ኢዩ። ብስሩዕ ምስክርነት ንምሃብ ካብ ቤት ናብ ቤትን ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ግዜ ንምድብ ኢና። ይኹን እምበር ንሰባት ብዛዕባ ሓቂ ክንዛረቦም እንኽእለሉ ስሩዕ ዘይኰነ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ኣሎ። ነዚ ስብከት እዚ ድማ ኢና ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ኢልና እንጽውዖ።
2 ገለ ኣስፋሕቲ ኣብዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ንኽጽመዱ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይረኽቡ ኢዮም። ኩልና ናብ ዓበይቲ ኣኼባታት ክንከይድን ክንምለስን ከሎና፣ ዕረፍቲ ክንወስድ ከሎና ኰነ፣ ነዝማድና ክንበጽሕ ከሎና ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ንቑሓት ኴንና ክንጥቀመሉ ጻዕሪ ክንገብር የድልየና። ኣብዚ ግዜያት እዚ ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ብምግባር ነቲ ዘሎካ ኣጋጣሚ ክትጥቀመሉዶ ኢኻ?
3 ኣቐዲምካ መደባት ግበር:- ምድላውን ኣቐዲምካ ምሕሳብን ስሉጥ ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ክንገብር የኽእለና። ነዚ ንምፍጻም ዝሕግዙና እተፈላላዩ ጽሑፋት ስለ ዘለዉና ብግቡእ ተዓጢቕና ኢና። ኣብ ርእሲ ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን ተገዳስነት ንምሕዳር ዝሕግዙ ሓሳባት ዘለዓዕሉ ኣርእስታትታት ሒዞም ዝርከቡ እተፈላላዩ ናእሽቱ ጽሑፋት ኣለዉና። ነቶም እተፈላላየ ኣተዓባብያን ሃይማኖትን ዘለዎም ሰባት ክስሕብዎም ዝኽእሉ ብሮሹራት ድማ ኣለዉና። ምስ ግዜኡ ዝሰማምዑ ተገዳስነት ዘለዓዕሉ ኣርእስታት ሒዞም ዝርከቡ ኣብ ጁባ ክኣትዉ ዝኽእሉ መጻሕፍቲውን ኣለዉና። ንኽትጥቀመሎም ምሹኣት ኰይኖም ዝስምዑኻ ጽሑፋት ኣየኖት ኢዮም? ነዚ ከም ስድራቤት ኴንኩም ሕሰብሉ። ድሕርዚ እቲ ኣጋጣሚ እቲ ምስ ተረኽበ ክትብልዎ ዘሎኩም ተለማመዱሉ።
4 ከመይ ገይርካ ከም እትጅምር:- ቈጸራ እንተ ኣልዩና እሞ ክንጽበ ድማ ገለ ግዜ ከነጥፍእ ምዃና እንተድኣ ፈሊጥና፣ ምሳና ሓደስቲ መጽሔታት ብምምላእ ምስቲ ዝገጠመና ሰብ ንምዝርራብ ግዳሴ እተልዕል ዓንቀጽ ክንዳሎ ንኽእል ኢና። ከምኡውን ንትራክት ወይ ንብሮሹር ከም ዕላል እንኸፍተሉ መሰረት ጌርና ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ኣቀራርባ እዚ ገሊኦም ነቲ ዕላል ኣብ እዋናዊ ዝኾነ ፍጻሜ እተመስረተ ዘተሓሳስብ ቃላት ይጥቀሙ እሞ፣ ድሕርዚ ነቲ ሰብ ምላሽ ክህብ ይሓትዎ። ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት፣ ነዚ ንምፍጻም ተበግሶ ኢዩ ዝሓትት።
5 ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ምስ ዘጋጥመና፣ ነቲ እንዛረቦ ዘሎና ሰብ ሓሳባቱ ክገልጽ ከነፍቅደሉ ሰናይ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ትሑታትን መኽበርትን ክንከውን ይግብኣና። እቲ ሰብ እቲ ዝብሎ ኣቐዲምና እንተድኣ ብጥንቃቐ ጽን ኢልና ሰሚዕናዮ፣ ተገዳስነቱ ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ንውስን እሞ ድሕርዚ ንመንፈሳዊ ሸውሃቱ ዝኸፍተሉ ቓላት ክንዛረቦ ንኽእል። (ምሳ. 25:11) እንተ ተኻኢሉ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ኣስማቶምን ኣድራሽኦምን ንሓዝ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ እንደገና ተራኺብና ተገዳስነቶም ከነለዓዕል ንኽእል ኢና። ንኣብነት፣ ኣብ ናይሮቢ ምስቲ ዓለምለኻዊ ዓበይቲ ኣኼባታት እተተሓሓዘ፣ እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ናይ ብዙሓት ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ጽሑፋት ክስደደሎምን ምብጻሕ ክግበረሎምን ዝሓትት ደብዳቤታት ተቐቢሉ ኢዩ። እዚኣቶም ካብቶም ናብቲ ኣኼባ ዝመጹ ልኡኻትና ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት እተገብረሎም ኢዮም።
6 ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ዘሎና ኣጋጣሚ ሸለል ኣይንበሎ። እዚ ዓይነት ስብከት እዚ ፍረ ስለ ዘለዎ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብኡ ክካፈሉ ይግብኦም። ከም የሱስ ንዓናውን እቲ ኣብ ብጾትና ደቂ ሰብ ዘሎና ፍቕሪ፣ ኣብ ኩሉ እቲ ዝሰማማዕ ኣጋጣሚ ንኽንዛረብ ዝድርኸና ይግበሮ! — ማቴ. 5:14–16