ዕቤት ዘርኢ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
1 ኣብ ታንዛንያ ንዘላ ኣላዪት ሕሙማት: ኣብ ኣርጀንቲና ንዘላ መንእሰይ: ከምኡውን ኣብ ላትቭያ ንዘላ ኣደ ዘመሳስለን እንታይ ናይ ሓባር ነገር ኣሎ፧ ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ (ገጽ 8, 46, ከምኡውን ገጽ 56) ሰለስቲአን ኣብቲ ዝገብርኦ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ቅልጡፍ ዕቤት ከም ዘርኣያ ትሕብር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ግዜ ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት ክግበረለን ፍቓደኛታት ብምንባረን ምስጋና ይብጽሓየን። ኣስፋሕቲ ኣብቲ ዝከኣለሉ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽናዕቲ ክፍለ-ግዜ ሓደ ምዕራፍ ናይታ መጽሓፍ ንምውሳድ ጻዕሪ ክገብሩ ዝነኣድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ከምኡ ምግባር በዳሂ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ዝያዳ ኣብ ኵነታት ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይን ናይ ምርዳእ ክእለቱን ዝምርኰስ እኳ እንተዀነ: ተመክሮ ዘለዎም መማህራን ግን ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዓወት ረኺቦም ኢዮም።
2 ከምቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ተሓቢሩ ዝነበረ: ተማሃሮኻ ንጽንዓት ክዳለዉ ከተለማምዶም ኣድላዪ ኢዩ። ኣብታ ናይ መጀመርታ ግዜ: እዚ ብኸመይ ከም ዝግበር ክትገልጸሎምን ከተርእዮምን ጽቡቕ ኢዩ። ናይ ብሕትኻ መጽናዕቲ እትገብረሉ ቅዳሕ ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮም። ነታ መጀመርታ እትውሰድ ትምህርቲ ብሓንሳብ ኴንኩም ተዳለዉላ። ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ሕቶ ብቐጥታ ዝምልስ ኣገደስቲ ቃላት ወይ ሓረጋት ረኺቦም ክሕንጽጹሎም ወይ ድማ ጕሉሕ ምልክት ክገብሩሎም ሓግዞም። ገለ ኣስፋሕቲ ሕብሪ ዘለዎ ዘጕልሕ ብርዒ እውን ከይተረፈ ንተማሃሮኦም ክጥቀሙሉ ሂቦምዎም ኢዮም። ንጽንዓት ክዳለዉ ከለዉ ንዅሉ እቲ ጥቕስታት ከንብብዎ ኣተባብዓዮም። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ: ንናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ከምኡውን ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንምክፋል ክዳለዉ ተለማምዶም እውን ኢኻ ዘሎኻ።—ሉቃ. 6:40
3 ንፉዕ መምህር እቲ ተማሃራይ ናጻ ዀይኑ ሓሳባቱ ከም ዝገልጽ ይገብር እምበር ንበይኑ ጥራይ ኣይኰነን ዝዛረብ። ብዙሕ ኣገዳስነት ኣብ ዘይብሎም ነጥብታት ግዜኡ ኣየሕልፍን ኢዩ። ካብታ መጽሓፍ ወጻኢ ብዙሕ ኣይከይድን። ኣብ ክንድኡስ ንቐንዲ-ቐንዲ ነጥብታት ናይቲ ትምህርቲ ኢዩ ዘጕልሕ። ገለ ኣስፋሕቲ ንዝልዓሉ ሕቶታት መልሲ ክረኽቡ ዝሕግዞም ተወሳኺ ጽሑፋት ንተማሃሮኦም ሂቦሞዎም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ተገደስቲ ሰባት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብምክፋል ተወሳኺ ሰፊሕ ሓበሬታ ክረኽቡ ኢዮም።
4 እቲ ትምህርቲ ክውሰድ ከሎ ኵሉ እቲ ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ክንበብ ኣድላዪ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ካብቶም ኣብታ ቍጽሪ ሓሳባቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ገለ ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ግዜ ድግማ: ነቶም መብርሂ እተዋህበሎም ቀንዲ ጥቕስታት ኣጕልሓዮም ከምኡውን እቲ ተማሃራይ ክዝክሮም ኣተባብዓዮ።
5 ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽናዕቲ ክፍለ-ግዜ ክንደይ ክወስድ ኣለዎ፧:- እቲ ጽንዓት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ክውዳእ ግድን ኣይኰነን። ገለ ሰብ ቤት እኹል ግዜ ስለ ዘለዎም ንንውሕ ዝበለ ከጽንዑ ይደልዩ ይዀኑ። ወይ ድማ እቲ ተማሃራይ አብ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ግዜ ከጽንዕ ይደሊ ይኸውን። እዚ ነቶም ከምኡ ክገብሩ ዝኽእሉ ጠቓሚ ኢዩ።
6 ከምቲ ኢሳይያስ 60:8 እትገልጾ: ሎሚ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓደስቲ ወደስቲ የሆዋ ‘ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዝነፍራ ረገቢትን ብምምጻእ’ ናብተን ናይ ህዝቡ ጉባኤታት ይእከቡ ኣለዉ። ነቲ ምእካብ ናይ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ከቃላጥፎ ኸሎ: ኵላትና ምስ የሆዋ ጠቢቕና ብምዕያይ ግዴና ንግበር።—ኢሳ. 60:22