ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/99 ገጽ 1
  • የሆዋ ኢዩ ዝምህረና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ኢዩ ዝምህረና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስልጣን
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ —ዓብይን ብርቱዕን ደገ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ዚጠቕሙ ምሩቓት እተፍሪ ቤት ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 6/99 ገጽ 1

የሆዋ ኢዩ ዝምህረና

1 ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኣብ ትሕቲ መለኮታዊ መሪሕነት ሓደ ዓለምለኸ ትምህርታዊ ፕሮግራም ኣብ 233 ሃገራት ይካየድ ኣሎ። እዛ ዓለም እዚኣ ከተቕርቦ ካብ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ነዚ ክወዳደሮ ዝኽእል የለን። እቲ ዓቢ መምህርና የሆዋ ኣብ ርእሲ እቲ ንዘለኣለማዊ ህይወት ዝጠቕመና ነገራት: ነቲ ሕጂ ረብሓ ከምጽኣልና ዝኽእል ነገራት እውን ይምህረና ኣሎ።​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠20 NW ፣ 48:⁠17

2 መለኮታዊ ትምህርቲ ዝወሃበሉ ኣብያተ-ትምህርቲ:- እስከ ነተን ኣብዚ እዋን እዚ ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኣምላኽ ዝዓያ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ ርአ። እቲ ኣብተን 87,000 ኣቢለን ዝዀና ጉባኤታት ሰሙን ሰሙን ዝካየድ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ: ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስለጥቲ ኣገልገልቲ እቲ ወንጌል ንኽዀኑ የለማምዶም ኣሎ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ተመዝጊብካዶ፧ ሓደ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብቲ ንኽልተ ሰሙን ዝግበር ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እተኻፈሉ ተማሃሮ ዲኻ፧ ምናልባት እቲ ካብ ስርዓታውያን ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት ምጕዳሉ ንብዙሓት ካልኦት: ፓይነራት ኰይኖም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንምክፋል ክበቕዑ የኽእሎም ይኸውን። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ብዓበይቲ ቛንቋታት ኣብ እተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝግበር ዘሎ ንኽልተ ወርሒ ዝካየድ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ: ንዘይተመርዓዉ ሽማግለታት ከምኡውን ኣገልገልቲ ጉባኤ ተወሳኺ ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነታት ክቕበሉ የዕጥቖም ኣሎ። ሓሓሊፉ እውን ንዅሎም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን በቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣቢሉ ብውሕሉል ኣገባብ እተዳለወ ትምህርቲ ይወሃቦም ኢዩ።

3 እቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ኣብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከብ ህንጻታት: ክብ ዝበለ ቲኦክራሲያዊ ልምምድ ዝህባ ሰለስተ ፍሉያት ኣብያተ-ትምህርቲ ሓቚፉ ይርከብ። እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝወሃብ ኮርስ: ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ዝርከብ ግራት ኣገልግሎት ከይዶም ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ዝዋፈሩ ኣገልገልቲ የዳሉ። ካብ እተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝመጹ ኣባላት ኮሚቴ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከኣ ኣብቲ ንኽልተ ወርሒ ዝወሃብ ኣብ ምምሕዳር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዘተኵር ትምህርቲ ይካፈሉ። ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን እተዋጽኡ 48 ናይ ፈለማ ተማሃሮ ዝሓዘ ንገየሽቲ ተዓዘብቲ ናይ ክልተ ወርሒ ኮርስ ዝህብ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ኣብ ግንቦት 1999 ጀሚሩ ኣሎ። እዚ የሆዋ ብእተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣቢሉ ዝህቦ ዘሎ ልምምድ: ዕላምኡ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰናይ ረብሓ ንኽረኽቡ ኢዩ።

4 ነየናይ ዕላማ ኢና እንማሃር፧ ሓደ ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ናይዚ እዋን እዚ ትምህርታዊ ፕሮግራምና: ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ህዝቢ የሆዋ ናብቲ ኣብ ምሳሌ 1:⁠1-4 ተገሊጹ ዘሎ ዝበለጸ ደረጃ ብስለት ንምብጻሕ ኢዩ።” እምበኣርከስ ነፍሲ ወከፍና ከየባተኽና ካብ የሆዋ “ናይ ምሁራት ልሳን” እንቕበል ይግበረና።​—⁠ኢሳ. 50:⁠4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ