ሕቶ ሳጹን
◼ ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ እንታይ ሓሳባት ኢዩ ክቐርብ ዘለዎ፧
ዕላማ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብቲ ቐጺልና እንገብሮ ኣገልግሎት ከም እነተኵር ንምግባር ኢዩ። ስለዚ እቲ መራሒ ጽቡቕ ገይሩ ብምድላው: ዘተባብዕን ንጹርን ተግባራውን ሓሳባት ክህብ ኣለዎ። ናይታ መዓልቲ እቲኣ ዕለት ጥቕሲ ብቐጥታ ምስ ዕዮ ስብከትና ዝተሓሓዝ እንተድኣ ዀይኑ ክንበብን ኣሕጺርካ ምይይጥ ክግበረሉን ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣኼባ ብቐዳምነት ኣብ ኣገልግሎት ከተኵር ኣለዎ: ንዅሎም እቶም ኣገልግሎት ክኸዱ መዲቦም ዘለዉ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኽፍጽሙ ብዝበለጸ ንኽዳለዉ ዝሕግዞም ክኸውን ኣለዎ።—2 ጢሞ. 4:5
ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣየናይ ጽሑፍ ከም ዝዕደልን ብኸመይ ከቕርብዎ ከም ዘለዎምን ምእንቲ ኽፈልጡ ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ተግባራዊ ነጥብታት ምይይጥ ክግበረሉ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መዓልቲ መጽሔት ካብታ “መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል” እትብል ዓንቀጽ ሓንቲ መሪጽካ ብመርኣያ ከም ዝቐርብ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ነቲ ኻልእ ብወፈራ ዝዕደል ጽሑፋት ከኣ ካብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ምስቲ ዞባ ዝሰማማዕ ሓደ ወይ ክልተ መእተዊ መሪጽካ ምቕራብ ይከኣል ኢዩ። ሓደ መዳይ ናይ ኣገልግሎትና ምይይጥ ክግበረሉ ወይ ብመርኣያ ክቐርብ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከሎና መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ: ንዀለፍቲ ዘረባ ብኸመይ ከም እንምልሰሎም: ብኸመይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ከም እንዕድሞም: ወይ ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብኸመይ ከም እንከታተሎ ክቐርብ ይከኣል ኢዩ።
ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ካብ 10 ክሳዕ 15 ደቒቕ ድኣ እምበር ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን የብሉን: እዚ ድማ ምቍራን: ዞባ ምምዳብ: ከምኡውን ጸሎት ሓዊስካ ኢዩ። ክፋነዉ ኸለዉ ዅሎም ምስ መንን ኣበይን ከም ዝኸዱ ክፈልጡ ኣለዎም: ቀልጢፎም ድማ ነናብ ዞባኦም ክኸዱ ኣለዎም። እቲ ኣኼባ ሓጺር ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ኵሎም ኣብ ሰዓቶም ክርከቡ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ መራሒ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ንዘይብሉ ኣስፋሒ ዝኸውን እኹል ናይ ኣገልግሎት ዞባታት ኣብ ኢዱ ኽሕዝ ኣለዎ። እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ደድሕሪ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ዝወሃብ እንተድኣ ዀይኑ ንኣብነት ደድሕሪ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ እንተድኣ ዀይኑ ሕጽር ዝበለ ክኸውን ኣለዎ። ድሮ ጽቡቕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ክግበር ስለ ዝጸንሐ ብዛዕባ ዕለታዊ ጥቕሲ ምይይጥ ምግባር ኣየድልን ኢዩ።
ንነፍሲ ወከፍ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ዝመርሑ እተጠመቑ ብቑዓት ኣሕዋት ኣቐዲሞም ክምደቡ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ ክመርሕ ዝኽእል ሓው እንተድኣ ተሳኢኑ ሽማግለታት ኣብቲ ዘድልየሉ እዋን ኣየኖት ኣሓት ክመርሓ ከም ዝኽእላ ክምድቡ ኣለዎም። እታ ሓብቲ ኮፍ ኢላ ዕለታዊ ጥቕሲ ወይ ምስ ግራት ኣገልግሎት ዝተሓሓዝ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢላ ምይይጥ ክትገብር ትኽእል ኢያ። ርእሳ ድማ ትጐልበብ።
ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ ኣገልግሎት ንኽንካፈል ዘተባብዓናን ዘዕጥቐናን ብሉጽ ኣጋጣሚ ኢዩ። እቲ መራሒ ጽቡቕ ገይሩ እንተድኣ ተዳልዩ ዅሎም ብዝበለጸ ኽጥቀሙ ኢዮም።