መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጅምር እትሕግዝ ሓዳስ ጽሕፍቲ!
1 ሓንቲ ኣመሪካዊት ሰበይቲ ውፍይቲ ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ነበረት። ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያና ትምህርትታት ድማ ብተኣማንነት ትጣበቐሉ ነበረት። አረ ሓደ እዋንሲ ናብ ቫቲካን እውን ንንግደት ከይዳ እያ። ይኹን እምበር: ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ቤታ ምስ መጸታ: ምስኣ ሓቢራ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ፍቓደኛ ዀነት። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ክትፈልጥ ደለየት: ቤተ-ክርስትያና ኸኣ ኣብ ቤታ ዀይና መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመሃር ምድላው ኣይገበረትላን። እዚ ተመክሮ እዚ እንታይ እዩ ዝምህረና፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ መን ምዃኖም ክንፈልጥ ከም ዘይንኽእል ካብዚ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።—መክ. 11:6
2 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ንዝደልዩ ኵሎም ሰባት ክንሕግዝ ፍቓደኛታት ምዃንና ንሰባት ምንጋር ከቢዱካዶ ይፈልጥ፧ ኵሎም ኣብ ከባቢኻ ዝነብሩ ሰባት ነዚ ብዘይክፍሊት ዝወሃብ ኣገልግሎት ይፈልጥዎ ድዮም፧ ኵላቶም ንኽፈልጥዎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ በዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ ጌርና ኸነፍልጦም ንኽእል ኢና። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ሽዱሽተ ገጽ ዘለዋ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ጽብቕቲ ትራክት እያ። እምበኣር ንትሕዝቶ ናይዛ ትራክት በብንኡስ ኣርእስቲ ጌርና እስከ ንመርምሮ።
3 “መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ዘድልየካ ስለምንታይ እዩ፧” እዛ ትራክት እትህቦ ምኽንያት ኣዝዩ ዝማርኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ካብ ፍቕሪ ተደሪኹ ዝሃበና መምርሒ” ዝሓዘ ምዃኑ ከምኡውን ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንምርካብ ብኸመይ ከም እንቐርቦን ውህበት ዘለኣለማዊ ህይወት ብኸመይ ከም እንረክብን ዝሕብረና ምዃኑ እዛ ትራክት ትገልጸልና እያ። (1 ተሰ. 2:13) ድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዘጋጥም: ኣብ ዓለም መከራ ዝበዝሓሉ ምኽንያት: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ “ምስትውዓል ዝህበና ሓቅታት” ትጠቅስ እያ። “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ስርዓታት ኣምላኽ” ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ንጽቡቕ ጥዕና ኣበርክቶ ኸም ዝገብር ከምኡውን ሓጐስ ንኽንረክብ: ተስፋ ንኽህልወና: ባህ ዘብል ባህርያት ድማ ንኸነማዕብል ከም ዝሕግዘና ትገልጽ እያ። ብዘይካዚ: እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝሕብረና ትንቢታት: መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነንብብ ተወሳኺ ምኽንያት ከም ዝዀነና ትሕብር እያ።—ራእ. 21:3, 4
4 “መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ሓገዝ ምርካብ”:- እዛ ትራክት “ኵላትና ንቓል ኣምላኽ ንኽንርድኦ ሓገዝ የድልየና እዩ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ “መብዛሕትኡ እዋን ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ መሰረታዊ ትምህርትታት ጀሚርካ ደረጃ ብደረጃ ኽትመሃሮ እዩ ዝሓሸ ዝኸውን” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እንጥቀመሉ ሜላ ገሊጻ ኣላ። “መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ምንጪ [ናይቲ] ትምህርቲ” ምዃኑ ንጹር ድሕሪ ምግባር: እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ነቲ ተማሃራይ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት እንታይ ከም ዝብል መወከሲ” ክትዀኖ ኸም እትኽእል ብፍላይ ጠቒሳ ኣላ። እታ ቐጺላ ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ ኣገዳሲ ሕቶ እያ እተበግስ።
5 “መጽሓፍ ቅዱስ ንኽርድኣካ ኣብ ሰሰሙን እተወሰነ ግዜ ኽትመሃር ፍቓደኛ ዲኻ፧” መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ነቲ ተማሃራይ ዝጥዕሞ ግዜን ቦታን: ኣብ ቤቱ ወይ እውን እንተ ደልዩ ብተሌፎን ክግበር ከም ዝኽእል እታ ትራክት ትገልጽ እያ። ኣብዚ ምይይጥ እዚ መን ክካፈል ይኽእል፧ እታ ትራክት ከምዚ ብምባል ትምልስ:- “ኵሎም ኣባላት ስድራቤትካ ኽካፈሉ ይኽእሉ እዮም። ክትዕድሞም እትደሊ ፈተውቲ እንተ ኣለዉኻ እውን ክመጹ ይኽእሉ እዮም። ወይ ድማ እንተ ደሊኻ እቲ ትምህርቲ ንበይንኻ ኽወሃበካ ይኽእል እዩ።” ሓደ ሰብ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ እዩ ኸጽንዕ ዝኽእል፧ እታ ትራክት ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሓያሎ ሰባት በዚ መዳይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኣብ ሰሰሙን ሓሓደ ሰዓት ይምድቡ። ኣብ ሰሰሙን ካብዚ ዝዛይድ ወይ ዝውሕድ ግዜ ኸተሕልፍ ትደሊ እንተ ዄንካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽተሓባበሩኻ ድሉዋት እዮም።” እወ: እዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። ከከም ኵነታት ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ምትዕርራይ ኽንገብር ድሉዋት ኢና።
6 “ንኽትመሃር ዝቐረበልካ ዕድመ”:- እቲ እታ ትራክት እትበጽሖ ሰብ ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ንኽለኣኸሉ ወይ ብዘይ ክፍሊት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመሃር ዝሓተላ ኩፖን ኣብታ ትራክት ኣላ። እቲ ገበር ናይታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ብሕብራዊ ስእሊ ኣብኡ ወጺኡ ኣሎ። እዛ ትራክት ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንኽንሕግዞም እነቕርቦ ዕድመ ንኽቕበሉ ከም እተተባብዖም ንጹርዶ ኸይኰነ፧ ነዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ እዚኣ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኣጸቢቕና ኽንጥቀመላ እንኽእል፧
7 እዛ ትራክት ንመን ከነበርክታ ንኽእል፧ እዛ ትራክት ንሰባት ኣብ ኢዶም ክንህቦም ወይ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኽብናዮም ክንገድፈሎም ንኽእል ኢና። ካብ ቤት ናብ ቤት: ኣብ መገዲ: ከምኡውን ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። ጽሑፋትና ይቀበሉ ኣይቀበሉ ብዘየገድስ ነዛ ትራክት እዚኣ ኽትህቦም ፈትን። ኣብ ውሽጢ እቲ እትዕድሎ መጽሔታት ወይ ኣብ ካልእ ጽሑፋት ኣእትዋ። ምስቲ እትልእኮ ደብዳበ እውን ስደዳ። ነቲ ብተሌፎን እተዘራርቦ ሰብ ነዛ ትራክት ክትሰደሉ ዝደሊ እንተ ዀይኑ ሕተቶ። ናብ ዕዳጋ ኽትወርድ: ብመጓዓዝያ ኽትከይድ: ከምኡውን ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትህብ ከሎኻ ምእንቲ ኽትጥቀመላ ወትሩ እተወሰነ ቕዳሓት ተማላእ። ናብ ቤትካ ንዝመጹ ሰባት ኣበርክተሎም። ነዝማድካ: ጐረባብትኻ: መሳርሕትኻ: መማህርትኻ: ከምኡውን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባት ሃቦም። ንዝረኸብካዮ ዘበለ ዅሉ ነዛ ትራክት ክትዕድሎ ጽዓር! ድሕሪኡኸ፧
8 ብኡንብኡ ተገዳስነት እንተ ኣርእዮም:- ገሊኣቶም ውልቀ-ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃሩ ኸም ዝደልዩ ብምግላጽ ብኡንብኡ ተገዳስነት የርእዩ እዮም። ስለዚ: ወትሩ ናብ ኣገልግሎት ክትከይድ ከሎኻ: ክልተ ቕዳሓት ናይታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር— ማለት ሓንቲ ነቲ ተማሃራይ ሓንቲ ንዓኻ—ተማላእ። እቲ ውልቀ-ሰብ ብኡንብኡ መጽናዕቲ ኽጅምር እንተ ደልዩ: ሽዑንሽዑ ጀምረሉ። ኣብ ውሽጣዊ ገበር ናይታ ብሮሹር ዝርከብ “ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ” ዝብል ሓሳባት ኣንብበሉ። ድሕሪኡ ናብ ትምህርቲ 1 ኼድካ: መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዝግበር ኣርእዮ። እዝስ ቀሊልዶ ኸይኰነ፧
9 ሰማዒኻ ንኽሓስበሉ ግዜ እንተ ኣድልይዎ:- ብዙሕ ግዜ ከየሕለፍካ: እንደገና ንኽትረኽቦ ጻዕሪ ግበር። ክትከይድ ከሎኻ ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ምሳኻ ተማላኣያ። ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ገበር ዘሎ ትሕዝቶ ናይታ ብሮሹር ዝገልጽ ክፋል ኣርእዮ። ባህ ዝበሎ ኣርእስቲ ኽመርጽ ሕተቶ። ናብቲ ዝመረጾ ትምህርቲ ገንጺልካ ብእኡ ኣመያይጦ።
10 መጽሔታት ንዘበርከትካሎም ምክትታል:- ነዛ ትራክት ምስ መጽሔታት ብሓባር እንተ ኣበርኪትካሎም: ተመሊስካ ኽትበጽሖም ከሎኻ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ:- “ዝሓለፈ እዋን መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ገዲፈልካ ነይረ። ምናልባት ነቲ መንግስቲ የሆዋ ዝእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ዝብል ምሉእ ኣርእስቲ ናይዛ መጽሔት ኣስተውዒልካሉ ትኸውን። ሎሚ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ከምኡውን ንዓኻን ንስድራቤትካን እንታይ ከም እተምጽኣልካ ኽገልጸልካ እፈቱ።” ድሕሪኡ ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ትምህርቲ 6 ገንጽል እሞ እቲ በዓል ቤት ግዚኡ ኽሳዕ ዘፍቀደሉ ተመያየጡ። ካብኡ ካልእ መዓልቲ ተመሊስካ ንኽትመጾን ነቲ ትምህርቲ ንኽትቅጽለሉን ቈጸራ ግበር።
11 ትራክትታት ክሳዕ ዝውዳኣካ ኣይትጸበ:- እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ጽሑፋት ኣገልገልትን ወትሩ እኹል ቅዳሓት ናይታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ኣብ ጉባኤ ኽሕዙ ኣለዎም። እተወሰነ ቕዳሓት ናይዛ ትራክት ኣብ ጁባኻ: ኣብ ቦርሳኻ: ኣብ ማኪናኻ: ኣብ ስራሕካ: ኣብ ቤት ትምህርትኻ: ኣብ ቤትካ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማዕጾ: ኰታስ ኣብ ኵሉ ኽትጥቀመላ ዘኽእለካ ቦታታት ኣቐምጥ። ነቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እተዘራርቦም ሰባት ምእንቲ ኸተበርክተሎም ኣብታ ንኣገልግሎት እትጥቀመላ ቦርሳኻ ምምላእ ክትርስዕ የብልካን።
12 የሆዋ ጻዕርታትና ይባርኮ:- ኵሎም ክርስትያናት ነታ ሓቂ ንኻልኦት ሰባት ናይ ምብጻሕ ሸቶ ኽህልዎም ይግባእ። (ማቴ. 28:19, 20) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕዶ ኣሎኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ካልእ መጽናዕቲ ንኽትመርሕከ ግዜ ኽትረክብ ትኽእልዶ፧ ኣብዚ እዋን እዚ መጽናዕቲ እትመርሓሉ ሰብ እንተ ዘየልዩ: ከጽንዕ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ከም እትደሊ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ከጽንዕ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ንኽትረክብ እትገብሮ ጻዕርታት የሆዋ ንኽባርኾ ጸልይ። ድሕሪኡ ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ዕየ።—1 ዮሃ. 5:14, 15
13 ሕጂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር እትሕግዘና ሓዳስ ጽሕፍቲ ኣላትና! ውሽጣ ኣጸቢቕካ ፍለጣ። ንዅሉ ሰብ ዓድላ። ‘ገባር ሰናይ ክትከውን: ብሰናይ ግብሪ ኽትህብትም’ ከምኡውን ነቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ እትፈልጦ ‘ንኽትልግስን ንኸተማቕልን’ ዝከኣለካ ዅሉ ግበር።—1 ጢሞ. 6:18
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]
ነዛ ትራክት ክንዕድለሉ እንኽእል ኣጋጣሚታት
◼ ኣብ መዓልታዊ ዕላል
◼ ሓደ ሰብ ጽሑፋትና ኽቕበል ከሎ
◼ ሰባት ኣብ ቤቶም ኣብ ዘይንረኽበሉ እዋን
◼ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና
◼ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት
◼ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ክንሰብኽ ከሎና
◼ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክንህብ ከሎና
◼ ደብዳበ ኽንጽሕፍ ከሎና
◼ መጓዓዝያ ኽንጥቀም ከሎና
◼ ሰባት ናብ ቤትና ኽመጹ ኸለዉ
◼ ምስ ኣዝማድና: ጐረባብትና: መሳርሕትና: መማህርትና: ከምኡውን ምስ እንፈልጦም ሰባት ክንዘራረብ ከሎና