ንሓድሕድና እንጸናንዓሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ
1 ህዝቢ የሆዋ ንእምነቶም ዝፍትን ነገራት ከየጋጠሞም ዝሓልፍሉ መዓልቲ ዳርጋ የለን። ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምብልሻው ናይ መወዳእታ መጥቃዕቱ ኢዩ ዝፍኑ ዘሎ። (ራእ. 12:12) ስለዚ እምበኣር: ‘በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽንክእል: ኵሉ ምስ ኣስለጥናውን ደው ክንብልስ: ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን ክንብርትዕ’ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዀን ኢዩ።—ኤፌ. 6:10, 13
2 የሆዋ ሓይሊ ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ምስ ኣመንቲ ብጾትና እንራኸበሉ ኣኼባ ኣዳልዩልና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ንሓድሕዶም ‘ምእንቲ ኽጸናንዑን’ ኣብ እምነቶም ‘ክጸንዑን’ ኢሉ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋቱ ክእከብ ሃረር ኢዩ ዝብል ነይሩ። (ሮሜ 1:11, 12) ኣመሓዳሪ ኣካል ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ምእንቲ ኸዕጥቐና ኢሉ: ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣብ ንሓድሕድና እንጸናንዓሉ ኣጋጣሚ ኣዳልዩልና ኣሎ።
3 ንኽትጥቀም ተኣከብ:- ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት ንኽትርከብ ሸቶ ግበር። መዝሙር ቅድሚ ምጅማሩ ኣትሒዝና ኽሳዕ እታ ኣብ መዕጸዊ ኻብ መዓሙቝ ልብና “ኣሜን” እንብለላ ጸሎት ብምጽናሕ ‘ንጥቀም’ ኢና። (ኢሳ. 48:17, 18) ሓያሎ ኣሕዋት ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት ምእንቲ ኽእከቡ ኣቐዲሞም ናይ ስራሕ መደባቶም ከተዓራርዩ ኸድልዮም ኢዩ። ንወሃብ ስራሕካ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ኽህበካ ንኸተእምኖ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ የሆዋ ፍቓዱ ንኽትገብር ከም ዝሕግዘካ ኣረጋጊጹልካ ኢዩ። (1 ዮሃ. 5:14, 15) ዛጊት ዝገበርናዮ ምድላዋት ዘየለ እንተደኣ ዀይኑ: ሕጂ ውዓል ሕደር ከይበልና ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ንምውሳድን ንመጓዓዝያ ይኹን ንመደቀሲ ዝኸውን ባጀት ንምውጻእን ምድላዋት ክንገብር ኣሎና እምበር ንዅሉ ኣብ ኣጋጣሚ ክንገድፎ የብልናን። የሆዋ ነቲ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት ንኽንእከብ ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዝባርኾ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ምሳ. 10:22
4 መተባብዒ ኽትረክብ ተጸበ:- ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምስ ተኻፈልካ “ናይ ሎምስ ንበይኑ ኢዩ!” ኢልካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እተሰምዓካ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ዘይፍጹማት ብምዃንና በብቝሩብ እናደኸምና ብምኻድ ስለ እንሕለል መንፈሳዊ ምትብባዕ የድልየና ኢዩ። (ኢሳ. 40:30) ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ በለት:- “እዚ ኣገባብ እዚ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐልለኒ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ኣኼባታት ግን እቲ ዘድልየኒ መንፈሳዊ ሓይሊ ብምሃብ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ንኽህልወኒ ይሕግዘኒ ኢዩ። እቲ መተባብዒ ኣብቲ ብዝያዳ ዘድልየኒ ግዜ ከም ዝረኸብክዎ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።” ንስኻውን ከምኡ ዝኣመሰለ ስምዒት ተሰሚዑካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
5 እቲ ዘድልየና መተባብዒ ካብቲ ዝቐርብ ዝርርባትን ቃለ-መጠይቓትን ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ብመንፈስ ዘበልጽገና ኻልእ መዳያት ናይቲ ዓብዪ ኣኼባ እውን ንረክብ ኢና። ሓደ ሓው ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹርን ኣብ ግብሪ ኸነውዕለሉ ብእንኽእል መገድታትን ስለ ዝቐርብ ብሓቂ ኢዩ ዘሐጕሰኒ። እቲ ድራማታት እውን ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ጽቡቕን ሕማቕን ኣብነታት ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ስለ ዘርእየና ካብኡ እንረኽቦ ጥቕሚ ብዋጋ ክሽነን ዘይክእል ኢዩ። እቲ ዝወጽእ ሓደስቲ ጽሑፋት ወትሩ ሃረር ኢለ ኢየ ዝጽበዮ: ድሕሪ እቲ ኣኼባ ንገዛይ ምስ ተመለስኩ እውን ከይተረፈ ንነዊሕ እዋን ኢየ ዝሕጐሰሉ።”
6 ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ የሆዋ ብኣውራጃዊ ኣኼባታት ገይሩ ጠቓሚ ምድላዋት ይገብረልና ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:1) እዚ ኣኼባታት እዚ ነቲ “ንቕሑ: ኣብ እምነት ጽንዑ: ሰብኡት ኩኑ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምኽሪ ክንስዕብ ዝሕግዘና ኢዩ። (1 ቈረ. 16:13) ስለዚ እምበኣር: ኣብቲ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ብምክፋል ንሓድሕድና ንኽንጸናናዕ ሸቶ ንግበር!
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ኣብ ሰለስቲኡ መዓልትታት ንኽትእከብ መደብ ግበር
■ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ኽወሃበካ ሕተት።
■ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ እትሓድረሉ ቦታ ኣቐዲምካ ምድላዋት ግበር።
■ ናብቲ ዓብዪ ኣኼባ እትኸደሉ መጐዓዝያ ምድላዋት ግበር።