ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
1ይ ክፋል:- መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
1 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ። ኣስላጢ ዝዀነ ሜላ ኣመሃህራ ተጠቒምና ነዞም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ኸምኡውን “ንኻልኦት ኪምህሩ” ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 2:2) እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሉ ሰብ ቀጻሊ ዕቤት ንኺገብር ክትሕግዞ ምደለኻዶ፧ ካብዛ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እዚኣ ኣትሒዙ ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሕ ዚሕግዘካ መሰረታዊ ነገራት ዚገልጽ ዓንቀጻት ኪወጽእ እዩ።
2 መዓስ እዩ ጸብጻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር፧ ንሓጺር ግዜ እውን ይኹን ብመጽሓፍ ቅዱስን ብሓደ ኻብቲ ንመጽናዕቲ እተዳለወ ጽሑፋትን ጌርካ ስርዓታዊ ዄንካ ብሜላ ምይይጥ ትገብር እንተለኻ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ እትመርሕ ዘለኻ። እቲ ዚግበር ምይይጥ ኣብ ኣፍ ደገ ይኹን ብተሌፎን ብዘየገድስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመራሕካ እዩ ዚቝጸር። ነቲ መጽናዕቲ ኽልተ ሳዕ ምስ መራሕካ ኸምኡውን ዚቕጽል እንተ መሲሉካ ጸብጻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።
3 እታ ብቕዓት ዘርእስታ ብሮሹርን እታ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ኢና እንጥቀመለን። ሓደ ሰብ ነዚአን ምስ ወድአ: ዋላ እውን ቀስ እናበለ ምምሕያሽ ይገብር እንተሎ: ነቲ እተማሃሮ ነገር ዘለዎ ሞሳ ድማ እንተ ኣዕቢይዎ: ነታ ንኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ቀጽለሉ። እዚ ንዅሎም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ዚዓዪ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ብዙሕ ትምህርቲ ወይ ክእለት ንባብ ንዘይብሎም በታ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ዘርእስታ ብሮሹር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
4 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ንብዙሓት ሰባት ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ሓጊዝዎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) በቲ ኣብ ዚመጽእ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ዚወጽእ ሓሳባት ተጠቒምካ ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ትኽእል ኢኻ።