ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/04 ገጽ 1
  • ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኻ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓይንኻ ጥዕይቲ ድያ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ድግማ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 9/04 ገጽ 1

ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኻ

1. ጥዕይቲ ዓይኒ ምህላው ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: እዚ ኣገዳሲ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

1 የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ምሳልያዊት ወይ መንፈሳዊት ዓይኒ ኣብ ምሉእ ህይወትና ዘለዋ ዓብዪ ጽልዋ ኺገልጽ ከሎ “ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት: ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና: ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን” በለ። (ማቴ. 6:22, 23) ጥዕይቲ ዓይኒ ብዘየድሊ ጭንቀት ናይ ስጋዊ ነገራት ኣቓልቦኣ ኸይተሰርቀ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እያ እተተኵር። (ማቴ. 6:19-21, 24-33) ጥዕይቲ ዓይኒ ንኽትህልወና እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

2. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኺህልወና እዩ ዜተባብዕ፧

2 ይኣኽለኒ ምባል ኣማዕብል:- ንስድራቤትካ ዜድሊ ነገራት ምሕላይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) እዚ ኺበሃል ከሎ ግን ዘዝበለጸን ዘዝሓደሰን ነገራት ንምርካብ ኢልና ሃነፍነፍ ክንብል ኣሎና ማለት ኣይኰነን። (ምሳ. 27:20፣ 30:8, 9) ኣብ ክንድኡ ግና ቕዱሳት ጽሑፋት ንህይወትና ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ማለት “ቀለብናን ክዳንናን” እንተለና ብእኡ ኽንዓግብ እዩ ዚላበወና። (1 ጢሞ. 6:8፣ እብ. 13:5, 6) ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ ኣዒንትና ንኸይነግፍሕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

3. ባዕልና እነምጽኦ ጾር ንምውጋድ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

3 ንገዛእ ርእስና ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ኻብ ምእታውን ብዙሕ ግዜን ኣቓልቦን ዝሓትት ንብረት ካብ ምጥራይን ምቝጣብ ጥበብ እዩ። (1 ጢሞ. 6:9, 10) ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ሓደ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳድና ተጠንቂቕና ብጸሎት ንሕሰበሉ: ንመንፈሳዊ ንጥፈታትካ ኸም ዘይትንክፎ ንምርግጋጽ ድማ ብቕንዕና ገምግም። ኣብ ህይወትካ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳማይ ቦታ ንምሃብ ቈራጽነት ግበር።—ፊል. 1:10፣ 4:6, 7

4. ኣነባብራና ቐሊል ክንገብሮ ዜኽእለና መገድታት ከነናዲ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣነባብራኻ ቐሊል ግበሮ:- ፍቕረ-ንዋይ ከተወግድ እትኽእለሉ ኻልእ መገዲ ድማ ኣነባብራኻ ቐሊል ንምግባር ብምጽዓር እዩ። ምጡን ስጋዊ ንብረት ብምጥራይ ስድራቤቱ ኺኣሊ ዝኸኣለ ሓው: “ሕጂ ኣብ ጉባኤ ኣሕዋተይ ንምግልጋል ብዙሕ ነገር ኪገብር እኽእል እየ። የሆዋ ዅሎም ኣገልገልቱ ኻብ ናይ ገዛእ ርእሶም ረብሓ ንላዕሊ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቐዳማይ ቦታ ምስ ዚህብዎ ከም ዚባርኾም እተኣማመን እየ” በለ። ኣነባብራኻ ቐሊል ብምግባር ዓበይቲ በረኸታት ክትረክብ ምኸኣልካዶ፧

5. ጥዕይቲ ዓይኒ ንኽትህልወና ቐጻሊ ጻዕሪ ምግባር ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

5 ነቲ ሰይጣን: እዛ ብፍቕረ-ንዋይ መሊኣ ዘላ ዓለም: ከምኡውን ዘይፍጹም ስጋና ዚገብሩልና ጽልዋ ንምቅዋም ቀጻሊ ጻዕሪ ምግባር የድልየና። ዓይኒ ኸየግፋሕና: ኣብ ፍቓድ ኣምላኽን ኣብቲ ኽቡር ዝዀነ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ነተኵር።—ምሳ. 4:25፣ 2 ቈረ. 4:18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ