ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
10ይ ክፋል:- ንተመሃሮ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግሉ ምልምማድ
1 ሽማግለታት: ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ኼገልግል ብቑዕ እዩ ኢሎም ምስ ወሰኑ: ምስታ ጉባኤ ሓቢሩ ኣብ ዕዮ ስብከት ኪሳተፍ ይኽእል እዩ። (ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል [እንግሊዝኛ] ገጽ 79-81 ርአ።) እቲ ተመሃራይ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ዕዮ ስብከት ንኺሳተፍ ክንሕግዞ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ሓቢርካ ምድላው:- ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ጌርካ ምድላው ዚመስልዎ የልቦን። ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኸምኡውን ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብኸመይ ኪረክብ ከም ዚኽእል ኣርእዮ: ብተወሳኺውን ቀሊልን ኣብቲ ኸባቢ ድማ ኣስላጥን ኣቀራርባ ኺመርጽ ሓግዞ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ ኣብ ኣገልግሎት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀም ኣተባብዓዮ።—2 ጢሞ. 4:2
3 ንሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ንምሕጋዝ ናይ ልምምድ መደብ ምግባር ጽቡቕ እዩ። እቲ ተመሃራይ ነቲ ኣቀራርባ ኺለማመደሉ ኸሎ: ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ልሙድ ዝዀነ ምላሽ ብኸመይ ብሜላ ኸም ዚምልሰሉ ኣርእዮ። (ቈሎ. 4:6) ክርስትያን ኣገልገልቲ መልሲ ናይ ኵሉ እቲ ብዓል ቤት ኪሓቶም ዚኽእል ሕቶታት ኪፈልጡ ኣለዎም ማለት ከም ዘይኰነ ኣረድኣዮ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንምምላስ: ምርምር ጌርካ ብዛዕባኡ ኣስፊሕካ ንምምይያጥ ካልእ ግዜ ኽትምለስ ምዃንካ ነቲ ብዓል ቤት ምንጋር ጽቡቕ ምዃኑ ሓብሮ።—ምሳ. 15:28
4 ሓቢርካ ምስባኽ:- እቲ ተመሃራይ ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ንፈለማ ግዜኡ ኺካፈል ከሎ: ነተን ብሓባር ኴንኩም እተዳለኹምለን ኣቀራርባ ቕድም ንስኻ ብኸመይ ከም እትጥቀመለን ኣርእዮ። ብድሕሪኡ ንሱ እውን ከም ዚፍትኖ ግበር። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቲ ሓድሽ ኣስፋሒ: ነታ ጥቕሲ ኣብ ምንባብን ሓሳብ ኣብ ምሃብን ጥራይ ከም ዚካፈል ምግባር ዝሓሸ እዩ። ባህርያትን ክእለትን እቲ ተመሃራይ ኣብ ግምት ኣእቱ። (ፊል. 4:5) እቲ ተመሃራይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳይ ናይ ዕዮ ስብከት ዕቤት ንኼርኢ ኸተለማምዶ ኸለኻ ብዚግባእ ንኣዶ።
5 ንሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ንምሕጋዝ: ዚከኣል እንተደኣ ዀይኑ ኣብ ሰሙን ሰሙን ስሩዕ ናይ ኣገልግሎት መደብ ምውጻእ ኣገዳሲ እዩ። (ፊል. 3:16) ምስቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ሓቢርካ ኣገልግሎት እትኸደሉ ውሱን ግዜ ይሃሉኻ: ምስ ካልኦት ቀናኣት ክርስትያናት ኣብ ዕዮ ስብከት ኪካፈል እውን ኣተባብዓዮ። ኣብነቶምን እቲ ምስኦም ዚገብሮ ሕብረትን ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከት ዘለዎ ብቕዓት ክብ ንኼብልን ሓጐስ ንኺረክብን ኪሕግዞ እዩ።