ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/05 ገጽ 1
  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብትብዓትዶ ትሰብኽ ኢኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ፦
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2018-2019—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 10/05 ገጽ 1

ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ

1 ከም ክርስትያን ኣገልገልቲ መጠን ክንሰብኽ ከለና: ኵሎም ሰባት ብጽቡቕ ከም ዘይቅበሉና ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 10:14) እንተዀነ ግን: እቲ ሰባት ዚህብዎ ኣሉታዊ ምላሽ: ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ ንድሕሪት ኪመልሰና ኣይነፍቅደሉን ኢና። (ምሳ. 29:25) ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ክንቅጽል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ “ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ” ይርድኦ ስለ ዝነበረ: “ብብዙሕ ምርዳእ” ወይ ብምትእምማን ኪሰብኽ ይድረኽ ነበረ። (ፊሊ. 3:8፣ 1 ተሰ. 1:5) ገሊኦም ነቲ ዚሰብኮ ዝነበረ ትምህርቲ ኸም ዘይጠቅምን ዘረባ ዕሽነትን ገይሮም ይርእይዎ እኳ እንተ ነበሩ: ንሱ ግን እቲ መልእኽቲ “ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን” ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ሮሜ 1:16) በዚ ኸኣ እዩ መስጐጕቲ እውን እናኣጋጠሞ ‘ብጐይታ ተኣሚኑ ብትብዓት ዚዛረብ’ ዝነበረ።—ግብ. 14:1-7፣ 20:18-21, 24

3 ምንጪ ብርታዐና:- ጳውሎስ ብትብዓት ኪምስክር ዝኸኣለ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ኣይኰነን። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ሲላስን ኪዛረብ ከሎ: “ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን: ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና” በለ። (1 ተሰ. 2:2፣ ግብ. 16:12, 37) ኣብ ሮሜ ምስ ተኣስረ እውን: እቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚፍለጥ ንምግባር ‘ከም ዚግብኦ ዀይኑ ንምዝራብ ኪተብዕ’ ካልኦት ኪጽልዩሉ ሓተቶም። (ኤፌ. 6:18-20) ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምውካል: ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ኪቕጽል ከኣለ።—2 ቈረ. 4:7፣ ፊል. 4:13

4 ሎሚውን እንተዀነ እዚ ሓቂ እዩ። ሓደ ሓው ንመሳርሕቱ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኑ ኼፍልጦምን ኪምስክረሎምን ከቢድዎ ነበረ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላይ ኪምስክረሎም ጀመረ። ኣብ መጀመርታ ሓደ ኻብቶም መሳርሕቱ ነቲ ዝገበሮ ጻዕሪ እኳ እንተ ነጸጐ: እቲ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ዝገበርዎ ዝርርብ ግን ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምርሐ። እቲ ሓው ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ንዝረኸባ ኣጋጣሚ ምስክርነት ንምሃብ ኪጥቀመላ ጀመረ። ኣብ ካልእ ዚሰርሓሉ ቦታ: ኣብ ውሽጢ 14 ዓመት ን34 መሳርሕቱ ርእሶም ወፍዮም ኪጥመቑ ሓገዞም። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: የሆዋ ‘ብዅሉ ትብዓት ቃሉ ኽንዛረብ’ ከም ዜበርትዓና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ግብ. 4:29

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ