ናብ ህይወት ዚመርሕ ትምህርቲ
1 ሰባት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ተረዲኦም ኣዒንቶም ኪበርህ ከሎ ምርኣይስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ዓስቢ ዀን እዩ! ፍልጠት ኣምላኽን ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማን ንኻልኦት ምክፋል ብሓቂ ዜዕግብ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ንሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሖ ይኽእል እዩ።—ዮሃ. 17:3
2 ብሉጽ ዝዀነሉ ምኽንያት:- ሎሚ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ኣርእስቲ ዚገልጽ ትምህርቲ ዳርጋ ብዅሉ መገድታት ይወሃብ ኣሎ። (መክ. 12:12) ይኹን እምበር: ከምዚ ዓይነት ፍልጠት ምስቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ኪወዳደር ኣይክእልን እዩ። (ግብ. 2:11) ዓለም እትህቦ ትምህርቲ ንሰባት ናብ ፈጣሪኦም ከም ዚቐርቡን ዕላማታቱ ኸም ዚፈልጡን ገይርዎምዶ፧ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ወይ ኣብዚ ግዜና ብዙሕ መከራ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ኺፈልጡ ሓጊዝዎምዶ፧ ንሰባት ተስፋ ኺህብ ክኢሉዶ፧ ናብራ ስድራቤታት ከም ዚመሓየሽ ገይሩዶ፧ ኣይፋሉን። ብመለኮታዊ ትምህርቲ ኣቢልና ጥራይ ኢና ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ኣገዳሲ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ኽንረኽበሉ እንኽእል።
3 መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ብቐሊሉ ዘይርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ይህብ እዩ። ቃል ኣምላኽ ነቶም ዚቕበልዎን ንትምህርትታቱ ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን ሰባት: ንዓሌታውነትን ቀቢላውነትን ሃገራውነትን ካብ ልቦም ይምሕዎ። (እብ. 4:12) ሰባት ንዅሉ ዓይነት ዓመጻ ኣወጊዶም: ‘ሓድሽ ሰብ ኪለብሱ’ ኣለዓዒልዎም እዩ። (ቈሎ. 3:9-11፣ ሚክ. 4:1-3) ኣብ ርእሲ እዚ: መለኮታዊ ትምህርቲ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ኣዕሚቑ ዝሰረተ ልምድታትን ጠባያትን ኬወግዱ ሓይሊ ሂብዎም እዩ።—1 ቈረ. 6:9-11
4 ህጹጽ ዝዀነሉ ምኽንያት:- እቲ ዓብዪ መምህርና ብዛዕባ ትርጕም እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ የጠንቅቐና እዩ። እቲ ብትንቢታዊ ፍርድታቱ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺእወጅ ዘለዎ እዋናዊ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። (ራእ. 14:6, 7) ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ: እዛ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኽትጠፍእ እያ: መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ ኸተጥፍአን እያ። (ዳን. 2:44፣ ራእ. 11:15፣ 17:16) ስለዚ: ሎሚ ሰባት ብህጹጽ ነቲ ዚገዝእ ዘሎ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ኪፈልጡ: ካብ ዓባይ ባቢሎን ኪወጹ: ከምኡውን ንስም የሆዋ ብእምነት ኪጽውዑ ኣለዎም። (መዝ. 2:11, 12፣ ሮሜ 10:13፣ ራእ. 18:4) ሃየ እምበኣር: ነቲ ናብ ህይወት ዚመርሕ ትምህርቲ ብዚከኣለና መጠን ንኻልኦት ሰባት ነካፍሎም።