መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር—ቀንዲ መሳርሒት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
1 ኣብቲ “ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት” ዘርእስቱ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ: እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝወጸት ምስ ሰማዕናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተሓጒስና! ተኣከብቲ ናይ ቀዳም መደብ ምስ ተዛዘመ ናይ ብሕቶም ቅዳሕ ብምርካቦም ተሓጒሶም እዮም። ነዛ ሓዳስ ናይ መምሃሪ መሳርሒት እዚኣ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመላ፧ እዛ መጽሓፍ እዚኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እትሕግዝ ቀንዲ መሳርሒት ክትከውን ተባሂላ እያ ተዳልያ። እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ወርሒ መጋቢት እትዕደል ጽሕፍቲ እኳ እንተ ዀነት: ኣስፋሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን ንምምራሕን ብኡንብኡ ኺጥቀሙላ ተተባቢዖም ኣለዉ።
2 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ዘለና ሰባት:- እቶም ብመጽሓፍ ፍልጠት ወይ ብብሮሹር ብቕዓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ዘለዉ ኣስፋሕቲ: ነዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ እዚኣ መዓስን ብኸመይን ኪጥቀሙላ ኸም ዚጅምሩ ኣብ ምውሳን ምስትውዓል ኬርእዩ ኣለዎም። ንሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሑሉ ዝጀመርኩም ኣብዚ ቐረባ ግዜ እንተደኣ ዀይኑ: በዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ብሓድሽ ክትጅምሩሉ ትኽእሉ ኢኹም። ንመጽሓፍ ፍልጠት ኣፋሪቕኩምዋ እንተደኣ ዄንኩም: ካብቲ ኣብዛ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ምስቲ በጺሕኩምዎ ዘለኹም ትምህርቲ ዚዛመድ ምዕራፍ ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኢኹም። ንመጽሓፍ ፍልጠት ክትውድኡዋ እንተደኣ ቐሪብኩም ድማ: ምውድኣ ኽትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
3 ኵልና ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ብምጽናዕ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ ብዙሓት ሰባት ከም እንፈልጥ ኣየጠራጥርን እዩ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም በዛ ዕቤት ንኺገብሩ እትሕግዞም መጽሓፍ ጌርኩም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ ዘይትመርሑሎም፧ ንኣብነት: እቶም ብሮሹር ብቕዓት ወይ መጽሓፍ ፍልጠት ኣጽኒዖም ክነሶም ርእሶም ዘይወፈዩን ዘይተጠምቁን ሰባት: መጽናዕቶም በዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኪቕጽሉ ይደልዩ ይዀኑ። ወለዲውን ንደቆም ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ኬካፍልዎም ከለዉ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።—ቈሎ. 1:9, 10
4 ካልኣይቲ መጽሓፍ ምጽናዕ:- ሓደ ተመሃራይ ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣጽኒዑ ምስ ወድአ: ካልኣይቲ መጽሓፍ ንኼጽንዕ እተገብረ ምድላዋት ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ። ሓደ ተመሃራይ: በብቝሩብ እውን ይኹን ዕቤት ዜርእን ነቲ ዚመሃሮ ዘሎ ዜማስወሉን እንተደኣ ዀይኑ: በታ ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ መጽሓፍ መጽናዕቲ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና: እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ሓያል መሳርሒት ኰይና ኸም እተገልግለና ንተኣማመን ኢና።—ማቴ. 28:19, 20