ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/09 ገጽ 1
  • ብቐሊል መገዲ ምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብቐሊል መገዲ ምሃር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣመሃህራና ንኸነመሓይሽ ዚሕግዘና ሰለስተ ነጥብታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንኻልኦት ዚርድኦም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • “ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 5/09 ገጽ 1

ብቐሊል መገዲ ምሃር

1. ንጹርን ውጽኢታውን ትምህርቲ ንኽትምህር ዜኽእል ቀንዲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

1 ውጽኢታዊ ትምህርቲ ንኽትምህር ዜኽእል ቀንዲ ረቛሒ፡ ብቐሊል መገዲ ምምሃር እዩ። እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ዝመሃረሉ መገዲ ምምርማርና፡ “ጥበብ ኣመሃህራና” ንኸነመሓይሽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 4:2 NW፣ ዮሃ. 13:13።

2. ብቐሊል መገዲ ምምሃር እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧ ከምዚ ዓይነት ኣመሃህራኸ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧

2 ብቐሊል መገዲ ተዛረብ፦ እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት፡ ብቐሊል መገዲ እተገልጸን ኣዝዩ ዜደንቕን ዓሚቝ ሓቅታት ዝሓዘ እዩ። (ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7) እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት “ብምህሮኡ ተገረሙ።” እቶም ኪሕዝዎ እተላእኩ ገላው እውን ኣዝዮም ስለ እተተንከፉ፡ “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” በሉ። (ማቴ. 7:28, 29፣ ዮሃ. 7:46) ብዛዕባ እታ ሓቂ ንሰባት ከነእምኖም ኢልና ኸቢድ ቃላትን ንምርዳኡ ዜጸግም ሓረጋትን ዝርዝር ዝበዝሖ ምሳሌታትን ክንጥቀም ኣየድልየናን እዩ። ምኽንያቱ፡ እታ ሓቂ ብቐሊሉ ብዚፍለጥ ቃላት ክትግለጽ ትኽእል እያ።

3. ገሊኦም ሰባት ንሰማዕቶም ብዙሕ ሓበሬታ ዚህብዎም ስለምንታይ እዮም፧ እዚኸ ብኸመይ ኪውገድ ይከኣል፧

3 ብዝሒ እተመሓላልፎ ሓበሬታ ወስን፦ የሱስ ኣብ ሓደ እዋን ክንደይ ዚኣክል ሓበሬታ ኸም ዜመሓላልፍ ኪውስን ከሎ፡ ንሰማዕቱ ኣብ ግምት የእቱ ነበረ። (ዮሃ. 16:12) ንሕና እውን ብሕልፊ ንኣዝማድና፡ ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሓደስቲ ሰባት፡ ወይ ንቘልዑ ኽንምስክር ከለና፡ መስተውዓልትን ተዓጻጸፍትን ክንከውን ኣሎና። ጽን ኢሎም ኣብ ዚሰምዑና እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ሓበሬታ ኽንህቦም የብልናን። ከመይሲ፡ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ዝያዳ እናፈለጡ ኪኸዱ እዮም።—ዮሃ. 17:3፣ 1 ቈረ. 3:6።

4. ኣብ ክንዲ ኣብ ዝርዝር ነገራት ኣብቲ ቐንዲ ነጥብታት ምትኳር ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣብ ቀንዲ ነጥብታት ኣተኵር፦ የሱስ ዝርዝር ነገራት ብምብዛሕ፡ ነቲ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ኣይሓላለኾን። ንኣብነት፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኺወጹ እዮም” ኢሉ ኣብ እተዛረበሉ እዋን፡ እቶም ዚትንስኡ ምውታት ኪህልዎም ብዛዕባ ዚኽእል ክልተ ዓይነት መጻኢ ዝርዝር ሓሳባት ኣይሃበን። (ዮሃ. 5:28, 29) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ኣብቲ ቐንዲ ነጥብታት ከነተኩር ኣሎና፣ ኣብቲ መጽናዕቲ ኻልእ ጽሑፋት ብዘየድሊ ኽንጠቅስ የብልናን።

5. ብቐሊል መገዲ እንተ ምሂርና፡ እንታይ በረኸት ንረክብ፧

5 የሆዋ ነቲ ኽንፈልጦ ዜድልየና ነገራት ብቐሊል መገዲ ምምሃሩ ማዕረ ኽንደይ መማሰውቲ ዀን ኢና! (ማቴ. 11:25) እምበኣርከስ፡ ብቐሊል መገዲ ንምምሃር ጻዕሪ ንግበር፡ ከምኡ እንተ ጌርና ኸኣ ነቲ ውጽኢታዊ ኣገልግሎት ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ከነስተማቕሮ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ