ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/10 ገጽ 2
  • ዓቕመይ ዚፈቕዶ ድየ ዝገብር ዘሎኹ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዓቕመይ ዚፈቕዶ ድየ ዝገብር ዘሎኹ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ኣዚኻ ተፍቅሮዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • መዘኻኸሪታት የሆዋ እሙን እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ናይ የሆዋ መዘኻኸሪታት ብመንፈስ የነቓቕሑናዶ ኣለዉ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ሓጐስ ልብኻ ግበሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 7/10 ገጽ 2

ዓቕመይ ዚፈቕዶ ድየ ዝገብር ዘሎኹ፧

1. ሓደ እሙን ክርስትያን እንታይ እዩ ኼተሓሳስቦ ዚኽእል፧

1 ከምዚ ኢልካ ሓቲትካ ትፈልጥዶ፧ ብምኽንያት ዕድመ ምድፋእ፡ ጸገማት ጥዕና፡ ወይ ሓላፍነት ስድራ ቤት፡ ኣብ ኣገልግሎት እትገብሮ ተሳትፎ እናነከየ ብምኻዱ ተስፋ ቘሪጽካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣደ ሰለስተ ቘልዑ ዝዀነት ሓብቲ፡ ግዜኣን ጕልበታን ስድራ ቤታ ንምእላይ ስለ እትጥቀመሉ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ኽትዓዪ ኣይከኣለትን፣ በዚ ድማ ናይ ገበን ስምዒት ከም ዚስምዓ ገለጸት። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ንኸነጥሪ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

2. የሆዋ ኻባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧

2 የሆዋ ኻባና ዚጽበዮ ነገር፦ ኵላትና ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ኽንዓዪ ኸም እንደሊ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ መንጎ እቲ ኽንገብሮ እንደልዮን ክንገብሮ እንኽእልን ዓብዪ ፍልልይ እዩ ዘሎ። ዝያዳ ኽንገብር ምድላይና፡ ሸለልተኛታት ዘይምዃንና እዩ ዘርኢ። የሆዋ ዓቕምና ኸም ዚፈልጥን ልዕሊ ዓቕምና ኸም ዘይጽበን ክንርስዕ የብልናን። (መዝ. 103:13, 14) ካባና እንታይ እዩ ዚጽበ፧ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎን ዝበለጸ ኽንህቦን እዩ ዚደልየና።—ቈሎ. 3:23።

3. ኣብ ኣገልግሎት ንእንገብሮ ጻዕሪ ብኸመይ ኢና ኽንግምግሞ እንኽእል፧

3 ዓቕምና ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ንዅነታትና ኣመዛዚንና ኽንርኢ ንኺሕግዘና ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። (መዝ. 26:2) ጽቡቕ ገይሩ ዚፈልጠና፡ ከነመሓይሾ ዜድልየና ነገር ኪህሉ ኸሎ ኸኣ ከይፈርሀ ዚነግረና እሙንን ብሱልን ክርስትያን ፈታዊ እውን ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 27:9) ብዘይካዚ፡ ኵነታት ኪቀያየር ስለ ዚኽእል፡ ንብሕታዊ ዅነታትና ኣዘውቲርና ምግምጋሙ ጠቓሚ ምዃኑ ኣይንረስዕ።—ኤፌ. 5:10።

4. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብዛዕባ ኣገልግሎት ዚወሃበና መዘኻኸሪታት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

4 ንመዘኻኸሪታት ኪህልወና ዚግባእ ኣረኣእያ፦ ተቐዳደምቲ ኺጐዩ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ተዓዘብቲ ኼተባብዕዎም እዮም ዚጽዕሩ። ዕላማኦም ከኣ ነቶም ተቐዳደምቲ ሸቶኦም ንኺወቕዑ ንኺሕግዝዎም ደኣ እምበር፡ ተስፋ ንኬቝርጽዎም ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ኣኼባታትና ዀነ ኣብ ጽሑፋትና ‘ነቲ ቓል ክንሰብኽ’ ዚወሃበና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መተባብዕን መዘኻኸርን፡ ንጥቕምና ደኣ እምበር፡ እንገብሮ ጻዕሪ እኹል ከም ዘይኰነ ንምእማት ኣይኰነን። (2 ጢሞ. 4:2) ዚከኣለና ኽንገብር እንተ ጽዒርና፡ የሆዋ ‘ንግብርናን ንፍቕርናን’ ብጽቡቕ ከም ዚዝክሮ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—እብ. 6:10።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ