ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንሓደስቲ ኣስፋሕቲ ኣሰልጥን
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ “ንዅሉ” እቲ ንሱ ‘ዝኣዘዞም’ ነገራት ኪሕልዉ ይግባእ። እዚ ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ሓቂ ምስትምሃር እውን የጠቓልል እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ሓያሎ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪካፈሉ በቒዖም እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ንኣባላት ስድራ ቤቶም ወይ ንፈተውቶም ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ይምስክሩሎም ይዀኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ዚምሃርዎ ትምህርቲ ዘለዎም ሞሳ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ከምኡ እውን፡ የሆዋ ንዅሎም ሰባት ሓቂ ኺንገሮም ከም ዚደሊ ምስ ፈለጡ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺካፈሉ ይደልዩ ይዀኑ። (ሮሜ 10:13, 14) ሓደስቲ ሰባት፡ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኪዀኑ ምስ ተፈቕደሎም፡ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ ጽቡቕ ስልጠና የድልዮም እዩ።—ሉቃ. 6:40።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ምስ ተምሃራይካ ዄንካ ኣብቲ ኣብ በቤት ዚግበር ምስክርነት ዕየ፣ ናብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ውሰዶ። ተምሃራይ እንተ ዘይብልካ ግና፡ ብዙሕ ተመክሮ ንዘይብሉ ኣስፋሒ ምሳኻ ኺዓዪ ዓድሞ።