ክርስትያናዊ ህይወት
ካብ መጽሓፍ ዮናስ ዚርከብ ትምህርቲ
የሆዋ ንትምህርትና ኢሉ ታሪኽ ህይወት እሙናት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቃሉ ኸም ዝጸሓፍ ገይሩ እዩ። (ሮሜ 15:4) ካብ መጽሓፍ ዮናስ እንታይ ተማሂርካ፧ ነታ ኣምልኾ ስድራ ቤት፦ ዮናስ—ካብ ምሕረት የሆዋ ተምሃር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣብዛ ቪድዮ ኸም ዝረኣኻዮ፡ እቶም ሰለስተ ኣስፋሕቲ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧
ተግሳጽ ምስ ዚውሃበና ወይ ድማ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ምስ እንስእን፡ መጽሓፍ ዮናስ ብኸመይ ከተተባብዓና ትኽእል፧ (1ሳሙ 16:7፣ ዮና 3:1, 2)
ዛንታ ዮናስ፡ ኣብ ክልና ብዛዕባ ዘለዉ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዮና 4:11፣ ማቴ 5:7)
ሕዱር ሕማም ምስ ዜጋጥመና ተመክሮ ዮናስ ኬጸናንዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዮና 2:1, 2, 7, 9)
ካብዛ ቪድዮ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምስትንታንን ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እንታይ ተማሂርካ፧