ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ነሓሰ ገጽ 8
  • ዘይርሳዕ ሰናይ ግብሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘይርሳዕ ሰናይ ግብሪ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ቤት-ኤል እንታይ እዩ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ነሓሰ ገጽ 8
ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ቤት-ኤል ኣብ ክሽነ ትዓይዪ

ክርስትያናዊ ህይወት

ዘይርሳዕ ሰናይ ግብሪ

ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ብኣምላኽ ንሓዋሩ ዘይርሳዕ ዕዮ ኺዓይዩ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ ከምቲ ሓደ ንደቁ ዜፍቅርን ንዝገበርዎ ነገራት ዘይርስዖን ወላዲ፡ የሆዋ እውን ንግብርናን ነቲ ንስሙ ዘርኣናዮ ፍቕሪ ኣይርስዖን እዩ። (ማቴ 6:20፣ እብ 6:10) ሓቂ እዩ፡ ኵላትና እተፈላለየ ኽእለት እዩ ዘሎና፣ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ዅነታት እውን ይፈላለ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣለና ዘበለ እንተ ጌርና፡ ክንሕጐስ ንኽእል ኢና። (ገላ 6:4፣ ቈሎ 3:23) ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቤት-ኤል ኣገልጊሎም እዮም። ኣብ ቤት-ኤል ብወለንታ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ ንስኻ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ካልእ ሰብ ከምኡ ኺገብር ወይ ንሓደ ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ኣብዚ ፍሉይ ኣገልግሎት እዚ ኪቕጽል ከተተባብዖ ትኽእልዶ፧

ነታ ገዛእ ርእስኻ ንኣገልግሎት ቤት-ኤል ብኸመይ ተቕርብ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ኪድርኸካ ዘለዎ እንታይ እዩ፧

  • ገሊኦም ኣብ ቤት-ኤል ብምግልጋል ብዛዕባ ዝረኸብዎ በረኸት እንታይ ኢሎም፧

  • ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ዜድሊ ብቕዓታት እንታይ እዩ፧

  • ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ብኸመይ ከተመልክት ትኽእል፧

ሰለስተ ቤት-ኤላውያን ሓደ ፕሮጀክት ኣብ ኮምፒዩተር ብሓባር ይዓይዩ፣ ሓደ ሓው፡ ጽሑፋት ኣብ ሳጹናት ይመልእ፣ ሓደ ሓው ኣብ ቤት-ኤል ስራሕ ጽርበት ይሰርሕ

ኣብ ቤት-ኤል ንምግልጋል ዜድሊ ብቕዓታት

  • ንየሆዋን ንውድቡን ዓሚቝ ፍቕሪ

  • ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ሕልናን

  • ንክርስትያን ኣገልጋሊ ዚግባእ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን

  • ንክርስትያን ዚግባእ ናይ መዘናግዒ ምርጫ

  • ብሓፈሻ ኻብ 19 ኽሳዕ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ

  • ጽቡቕ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ጥዕና

  • ክእለት እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚጥቀመሉ ቐንዲ ቛንቋ ምንባብን ምጽሓፍን ምዝራብን

  • እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ክትጸንሕ ፍቓደኛ ምዃን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ