ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 መስከረም ገጽ 7
  • ግዜኻን ጕልበትካን ክትውፊ ትኽእልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግዜኻን ጕልበትካን ክትውፊ ትኽእልዶ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክት ህንጸት ሓግዝ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ምህናጽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ንክርስትያናት ኣሕዋቶም የገልግሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ቅድሚ ለበዳ እተዛዘመ ዕዮ ህንጸት
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 መስከረም ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ግዜኻን ጕልበትካን ክትውፊ ትኽእልዶ፧

ሓደ ሓው ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት፡ ፍሽኽ እናበለ ሓጺን ይቘርጽ።

ከምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ፡ ኣብ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ፡ ዜደንቕ ዕቤት ንርኢ ኣለና። (ኢሳ 54:2) እዚ ድማ፡ ሓደስቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣዳራሻት ዓበይቲ ኣኼባ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምህናጽ የጠቓልል። እዚ ህንጻታት እዚ፡ ድሕሪ ግዜ ምጽጋን፡ ገሊኡ ድማ ምሕዳስ የድልዮ እዩ። እዚኸ ግዜናን ጕልበትናን ንምውፋይ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚህበና፧

  • ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍርና፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከተጽሪ ኽትምደብ ከላ ንሕና እውን ክንሳተፍ ንኽእል

  • ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽጋን ብፍታው ክንስልጥን ንኽእል

  • ነታ መመልከቲ ወለንተኛታት ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (DC-50) እትብሃል ፎርም ብምምላእ፡ ኣብ ከባቢና ኣብ ዚርከብ ፕሮጀክት ህንጸትን ጽገናን በብእዋኑ ኽንሕግዝ ንኽእል

  • ነታ ኣፕሊኬሽን ፎር ቨሎንቲር ፕሮግራም (A-19) እትብሃል ፎርም ብምምላእ ንሓደ ሰሙን ወይ ንልዕሊኡ ኣብ ከባቢና ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ወይ ኣብ ካልእ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚውነን ህንጻታት ንምሕጋዝ ወለንተኛ ኽንከውን ንኽእል

ነታ ሓድሽ ዕዮ ህንጸት ተወጢኑ ኣሎ—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ እንጥቀመሉ ዘሎና ቪድዮታት፡ እንታይ ኣዝዩ ዜደንቕ ወሰኽ ይርአ ኣሎ፧

  • ንኣምልኾና ዜድሊ ቪድዮታት ንምድላው፡ እንታይ መደብ ተሓንጺጹ፧ እቲ ፕሮጀክትኸ መዓስ ተጀሚሩ መዓስ ይውዳእ፧

  • ወለንተኛታት ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ፡ ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

  • ኣብ ህንጸት ራማፖ ኽንሕግዝ እንተ ደሊና፡ ነታ መመልከቲ (DC-50) እትብሃል ፎርም ብምምላእ፡ ስለምንታይ ኣብ ከባቢና ንዚርከብ ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸት ዘይንሕግዝ፧

  • የሆዋ ነቲ ፕሮጀክት ይመርሖ ኸም ዘሎ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

  • ኣብ ዕዮ ህንጸት ብብሕቲ ኽንካፈል ዘይንኽእል እንተ ዄንና፡ ነዚ ፕሮጀክት እዚ፡ ብኻልእ መገዲ ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ