ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ጥሪ ገጽ 13
  • ንዅሉ ሰብ ንምስባኽ እተወደበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዅሉ ሰብ ንምስባኽ እተወደበ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ካልእ ቋንቋ ንዚዛረብ ሰብ መስክረሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ነቲ ንተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምምዕባል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ኣብ ክልኻ ንዚነብሩ ዅሎም ሰባት ርኸቦም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ዚዝረበሉ ኽሊ ተሓባቢርካ ምምስካር
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ጥሪ ገጽ 13
ሓደ ሓው ‘JW Language’ ኣፕሊኬሽን ብታብለቱ ይጥቀም።

ክርስትያናዊ ህይወት

ንዅሉ ሰብ ንምስባኽ እተወደበ

የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንእስራኤላውያን ዝወደቦም፡ ሎሚ እውን ንህዝቡ ፍቓዱ ኺገብሩ ይውድቦም እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣብያተ ጨንፈር ጽሕፈትን ወረዳታትን ጉባኤታትን ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍርን ሓቢሮም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ንሰብከሎም ኢና።—ራእ 14:6, 7።

ንኻልኦት ሓቂ ምእንቲ ኽትምህሮም፡ ካልእ ቋንቋ ኽትምሃር ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ቋንቋ ንምምሃር ዚኸውን ግዜ እኳ እንተ ዘይብልካ፡ ብJW Language ኣፕሊኬሽን ተጠቒምካ፡ ቅልል ዝበለ ኣቀራርባታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት ምስ ተጠቐምካሉ ኸኣ፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና እተሰምዖም ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። ንሳቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት፡ “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” በብቛንቋኦም ብምስማዖም ምስ ተገረሙ ተሓጒሶም እዮም።—ግብ 2:7-11።

ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ብቛንቋ ወጻኢ ስበኽ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ‘ዓርኪ የሆዋ ኹን—ብቛንቋ ወጻኢ ስበኽ’ ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ካሌብ፡ ካልእ ቋንቋ ንእትዛረብ ሰበይቲ ብዚትርጕም ሮቦት ኪሰብከላ ኸሎ ብኣእምሮኡ ይስእል።

    JW Language ኣፕሊኬሽን መዓስ ኢኻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል፧

  • ‘ዓርኪ የሆዋ ኹን—ብቛንቋ ወጻኢ ስበኽ’ ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣብ ‘JW Language’ ዘሎ ሰላምታን መእተውን ዘርኢ ገጽ።

    ገለ ኻብቲ መዳያቱ እንታይ እዩ፧

  • ‘ዓርኪ የሆዋ ኹን—ብቛንቋ ወጻኢ ስበኽ’ ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ካሌብን ሶፍያን ነታ ሰበይቲ ብቻይንኛ ሰላም ምስ በልዋ፡ ተሓጒሳ ትቕበሎም።

    ካብ ኵሉ ቛንቋታት ዝዀኑ ሰባት ብስራት ኪሰምዑ የድልዮም እዩ

    ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት እንታይ ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ፧

  • ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘሕደረ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ እንተ ረኺብካ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧—od 100-101 ¶39-41

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ