ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ተቐበል
ዘርኢ ሓቂ ኣብ ልቢ ሓደ ሰብ ዜብቍልን ዜዕብን የሆዋ እዩ። (1ቈረ 3:6-9) ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዕዉታት ክንከውን፡ የሆዋ ንዓናን ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎምን ምእንቲ ኺሕግዘና፡ ኣብኡ ኽንውከል ኣሎና።
ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ ንዜጋጥሞም ጸቕጥታት ምእንቲ ኺጻወሩን ዕንቅፋታት ምእንቲ ኺሰግሩን ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምነሎም። (ፊል 1:9, 10) ሓሳባትካ ብዝርዝር ግለጽ። መንፈስ ቅዱስ ንሓሳባትካን ንተግባራትካን ኪመርሖ ጸሊ። (ሉቃ 11:13) ንተምሃሮኻ ብኸመይ ከም ዚጽልዩ ምሃሮም፣ ኪጽልዩ እውን ኣተባብዓዮም። ምስ ተምሃሮኻ ዄንካ ጸሊ፣ ስሞም እናረቋሕካ ኸኣ ብዛዕባኦም ጸሊ።
ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ሓገዝ የሆዋ ተቐበል—ብጸሎት ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኒታ ንጀድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሐላ ኸላ፡ እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዋ፧
ቀዳማይ ቈረንቶስ 3:6 ንኒታ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧
ጸገም ኒታ ብኸመይ ተፈቲሑ፧