ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 መጋቢት ገጽ 32
  • ቅድሚ እቲ በጃ እተገብረ ሕድገት ሓጢኣት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅድሚ እቲ በጃ እተገብረ ሕድገት ሓጢኣት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ በጃ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ወትሩ ነቲ በጃ ኣማስወሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • እቲ በጃ ንጽድቂ ኣምላኽ የጕልሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 መጋቢት ገጽ 32

ሓረግ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅድሚ እቲ በጃ እተገብረ ሕድገት ሓጢኣት

በቲ የሱስ ብደሙ ዝኸፈሎ በጃ ኣቢልና ጥራይ ኢና ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ እንኽእል። (ኤፌ. 1:7) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ እናተጻወረ ነቲ ቐደም እተገብረ ሓጢኣት ብምሕዳግ” ይብል እዩ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ የሱስ በጃ ቕድሚ ምኽፋሉ እተገብረ ሓጢኣት እዩ ዜመልክት ነይሩ። (ሮሜ 3:25) ብኸመይ እዩ የሆዋ ነቲ ቕድሚ እቲ በጃ እተገብረ ሓጢኣት ሕድገት እናገበረ ኽነሱ ፍጹም መለክዒታት ፍትሑ ኺሕሉ ዝኸኣለ፧

የሆዋ ኻብቲ ሓደ “ዘርኢ” ነቶም ዚኣምኑ ደቂ ሰብ ከም ዜድሕኖም ዝወሰነሉ ህሞት ኣትሒዙ፡ እቲ በጃ ኸም እተኸፍለ ገይሩ እዩ ዚርኢ ነይሩ። (ዘፍ. 3:15፣ 22:18) ብግዜኡ እቲ ሓደ ወዱ ብፍታዉ በጃ ኸም ዚኸፍል ከኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። (ገላ. 4:4፣ እብ. 10:7-10) የሱስ ኣብ ምድሪ ተወካሊ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ እቲ በጃ ገና ኸይተኸፍለ ኸሎ፡ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ነይርዎ እዩ። ብዋጋ እቲ ኣብ መጻኢ ዚኸፍሎ መስዋእቲ ገይሩ ኸኣ ነቶም እምነት ዘለዎም ሰባት ሓጢኣቶም ሓዲግሎም እዩ።—ማቴ. 9:2-6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ