ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ጥቅምቲ ገጽ 6-11
  • የሆዋ ‘ብሉጽ ሓጐስና’ እዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ‘ብሉጽ ሓጐስና’ እዩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ
  • ሓጐስካ ኺስረቕ ኣይትፍቀድ
  • ሓጐስ—ካብ ኣምላኽ እነጥርያ ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ካብ ኣገልግሎት ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ካብ ምሃብ ዚርከብ ዝዓበየ ሓጐስ ኣስተማቕር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ጥቅምቲ ገጽ 6-11

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 40

መዝሙር 111 መሐጐሲና

የሆዋ ‘ብሉጽ ሓጐስና’ እዩ

“ናብ ኣምላኽ፡ ናብቲ ብሉጽ ሓጐሰይ ክመጽእ እየ።”—መዝ. 43:4።

ኣትኵሮ

ሓጐስና ዜጥፍኣልና ነገራት ከነለሊ፡ ሓጐስና እንተ ኣጥፊእና ኸኣ ብኸመይ ክንመልሶ ኸም እንኽእል።

1-2. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ሰባት እንታይ የጋጥሞም ኣሎ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

ኣብዛ ዓለምና ዘለዉ ሰባት፡ ሓጐስ ንምርካብ ሃነፍነፍ ይብሉ ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ነባሪ ሓጐስ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። መብዛሕትኦም ብጓህን ብናይ ባዶነት ስምዒትን ተዋሒጦም ይርከቡ። ህዝቢ የሆዋ እውን እንተ ዀኑ፡ ካብዚ ስምዒታት እዚ ናጻ ኣይኰኑን። ከመይሲ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና። ስለዚ ድማ፡ ኬጕህየና ዚኽእል “ጽንኩር” ኵነታት ኬጋጥመና ንጽበ ኢና።—2 ጢሞ. 3:1።

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሓጐስና ኼጥፍኣልና ዚኽእል ነገራት እንታይ ምዃኑ፡ ሓጐስና እንተ ኣጥፊእና ኸኣ ብኸመይ ክንመልሶ ኸም እንኽእል ክንመያየጥ ኢና። ፈለማ ግና፡ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ መን ምዃኑ ኸነለሊ ይግባእ።

ምንጪ ናይ ሓቂ ሓጐስ

3. ፍጥረት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

3 የሆዋ ወትሩ ሕጉስ እዩ። ንዓና እውን ሕጉሳት ክንከውን እዩ ዚደልየና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንሱ ሕጉስ ምዃኑ ዜርኢ ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ኣዳልዩ ዘሎ። ንኣብነት፡ ምልክዕቲ ምድሪ፡ በበይኑ ዝዓይነቱ ሕብርታት፡ ዕንደራ ዚፈትዉ እንስሳታት፡ ከምኡ እውን ጥዑም ምግቢ ኣዳልዩልና ኣሎ። ኣምላኽ ናይ ሓቂ የፍቅረና እዩ፣ ህይወት ከነስተማቕር እውን ይደልየና እዩ።

ስእልታት፦ ዕንደራ በበይኖም እንስሳታት። 1. ምራኽ ሓርማዝ ኣብ ማይ ጨፍላሕላሕ ይብል። 2. ጨቓዊት ፐንጒን ኣብ ውርጪ ሰለይ ይብላ። 3. መሓስእ ይዕንድራ። 4. ኣቡ ሰላማ ካብ ባሕሪ ይዘልሉ።

Baby elephant: Image © Romi Gamit/Shutterstock; penguin chicks: Vladimir Seliverstov/500px via Getty Images; baby goats: Rita Kochmarjova/stock.adobe.com; two dolphins: georgeclerk/E+ via Getty Images

ኣብ እንስሳታት እንርእዮ ዕንደራ፡ የሆዋ ሕጉስ ምዃኑ የርእየና (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)


4. (ሀ) የሆዋ ኣብዛ ዓለም ዘሎ መከራ እናረኣየ ኽነሱ፡ ሓጐሱ ዘየጥፍአ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ዝሃበና ውህበት እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 16:11)

4 የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ጓህን መከራን ግና ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። (1 ጢሞ. 1:11) ይኹን እምበር፡ እዚ ነገር እዚ ሓጐሱ ኼጥፍኣሉ ኣይፈቐደን። መከራ ግዝያዊ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፣ ዜብቅዓሉ ግዜ ኸኣ ንሱ ባዕሉ ወሲኑ ኣሎ። እታ ሓዘንን መከራን ንዘለኣለም ዜጥፍኣላ መዓልቲ ኽሳዕ እትኣክል ከኣ ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ እቲ እነሕልፎ ዘለና ስለ ዚርድኦ ኺሕግዘና ይደሊ እዩ። ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧ ሓጐስ ብምሃብ እዩ። (መዝሙር 16:11 ኣንብብ።) ነዚ ውህበት እዚ ንወዱ የሱስ ብኸመይ ከም ዝሃቦ እስከ ንርአ።

5-6. የሱስ ሕጉስ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ካብ ኵሎም ፍጥረታት የሆዋ፡ ማዕረ የሱስ ሕጉስ ዝዀነ የልቦን። ስለምንታይ፧ ክልተ ምኽንያታት እስከ ንርአ። (1) “ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነን ባህርያት ኣቦኡ ብዅሉ መገዲ ብፍጹም ስለ ዜንጸባርቕን እዩ። (ቈሎ. 1:15፣ 1 ጢሞ. 6:15) (2) ምስቲ ምንጪ ሓጐስ ዝዀነ ኣቦኡ ኻብ ኵሉ ዝነውሐ ግዜ ዘሕለፈ ንሱ እዩ።

6 የሱስ፡ ኣቦኡ ዝሓተቶ ዘበለ ዅሉ ብምፍጻም ሓጐስ ረኺቡ እዩ። (ምሳ. 8:30, 31፣ ዮሃ. 8:29) በዚ ኸምዚ እሙን ምዃኑ ስለ ዘርኣየ ኸኣ፡ ስምረት ኣቦኡ ረኺቡ እዩ።—ማቴ. 3:17።

7. ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧

7 ንሕና እውን ናብቲ ምንጪ ሓጐስ ዝዀነ የሆዋ ብምቕራብ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ የሆዋ ንምፍላጥን ንዕኡ ንምምሳልን ግዜ ብዘሕለፍና መጠን፡ ብዝያዳ ሕጉሳት ኢና እንኸውን። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርናን ስምረቱ ኸም ዘሎና ምፍላጥናን እውን፡ የሐጕሰና እዩ።a (መዝ. 33:12) ሓድሓደ ግዜ ምናልባት እውን ብቐጻሊ ዘይሕጉሳት እንተ ዀንናኸ፧ እዚ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብልና ዜርኢ ድዩ፧ ኣይፋልን! ዘይፍጹማት ኢና፣ ሓድሓደ ግዜ እውን ቃንዛ፡ ጓሂ፡ ጭንቀት ኣሎና። የሆዋ ኸኣ ነዚ ይፈልጦ እዩ። (መዝ. 103:14) ሕጂ እምበኣር፡ ሓጐስና ኼጥፍኣልና ዚኽእል እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ሓጐስና ኽንመልስ ከም እንኽእልን እስከ ንመርምር።

ካብ የሆዋ ሓጐስ ርኸብ

ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ። ሓጐስ ሓንቲ ኻብተን ፍረ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነት፡ ሓጐስ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጥምት ኣሎና። (ገላ. 5:22) ብሓገዝ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ ፈተናታት እኳ እናኣጋጠመና ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ኽንጻወር’ ንኽእል።—ቈሎ. 1:11።

ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ኣተኵር። ቃል ኣምላኽን ጽሑፋትናን ብስሩዕ ኣንብብ። ኣብ ኵሉ እቲ እትረኽቦ ኣጋጣሚታት፡ ብዛዕባ እቲ ‘ዓብዪ ሓጐስ ኣበስር።’ (ሉቃ. 2:10) እቶም ንኣምልኾ የሆዋ ቐዳማይ ቦታ ዚህቡ ሰባት፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሕጉሳት እዮም።—መዝ. 65:4።

ንየሆዋ ዅሉ ሳዕ ተኣዘዞ። ሕግታት የሆዋ ንጥቕምኻ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንየሆዋ እዙዝ እንተ ዄንካ፡ ናጽነትካ ይድረት ማለት ኣይኰነን፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሕጉስ ኢኻ እትኸውን።—ሉቃ. 11:28።

ሓጐስካ ኺስረቕ ኣይትፍቀድ

8. ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧

8 ሰራቒ ቍ. 1፦ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት። ስደት፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ድኽነት፡ ሕማም፡ ወይ እርጋን ዜምጽኦ ሳዕቤናት ይጸልወካዶ ኣሎ፧ ከምዚ ዓይነት ሽግራት፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ሽግራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብቐሊሉ ሓጐስና ንስረቕ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጓሂ ልቢ . . . መንፈስ ይሰብር” ኪብል እምበኣር ሓቁ እዩ። (ምሳ. 15:13) ሓዉን ክልቲኦም ወለዱን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ዝሞትዎ ባቢስ ዝስሙ ሽማግለ ኸምዚ ይብል፦ “በይነይ ዝተረፍኩን ሓጋዚ ዘይብለይን ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ብብዙሕ ነገራት ትሑዝ ስለ ዝነበርኩ፡ ወለደይን ሓወይን ቅድሚ ሙማቶም ምሳታቶም ጽቡቕ ግዜ ኸሕልፍ ብዘይ ምኽኣለይ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣዝዩ እዩ ዜጕህየኒ።” እወ፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት ንኣካላውን ንስምዒታውን ሓይልና ኺጽንቅቖ ይኽእል እዩ።

9. ሓጐስና ብኸመይ ኢና ኽንመልስ እንኽእል፧ (ኤርምያስ 29:4-7, 10)

9 ሓጐስና ብኸመይ ንመልስ፧ በቲ ኽንቅይሮ ዘይንኽእል ነገር ብዘይምጭናቕን በቲ ዘሎና ኣመስገንቲ ብምዃንን ሓጐስና ኽንምለስ ንኽእል ኢና። እዛ ዓለም እዚኣ፡ ኵሉ ነገር ምስ ተማልኣልና ሕጉሳት ከም እንኸውን ከተእምነና እያ እትጽዕር። እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ የሆዋ ነቶም ብምርኮ ናብ ባቢሎን እተወስዱ ኣይሁድ፡ ኣብቲ ዝኸድዎ ዓዲ፡ ነቲ ኸቢድ ኵነታት ኪቕበልዎ፡ ምስኡ ተላሚዶም ንምንባር ከኣ ዚከኣሎም ኪገብሩ ኣዘዞም። (ኤርምያስ 29:4-7, 10 ኣንብብ።) ካብዚ እንታይ ትምሃር፧ ነቲ ህሉው ኵነታትካ ተቐበሎ። በቲ ዘሎካ ኣወንታዊ ነገራት ከኣ ኣመስግን። የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ እውን ዘክር። (መዝ. 63:7፣ 146:5) ንኣብነት፡ ንኤፊ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ንሳ ብሰንኪ ሓደጋ እኳ እንተ ለመሰት፡ ከምዚ ትብል፦ “ካብ የሆዋን ካብ ስድራ ቤተይን ካብ ጉባኤን ብዙሕ ሓገዝ ረኺበ እየ። ስለዚ፡ ተስፋ እንተ ቘሪጸ ዘይኣመስጋኒት ዝኸውን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ስለቲ ዝገበሩለይ ሓገዝ፡ ንየሆዋን ንፈተውተይን ምስጋናይ ከርኢ እደሊ እየ።”

10. ሽግራት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ዋላ እኳ ህይወትና ኸምቲ እተጸበናዮ እንተ ዘይኰነልና፡ ወይ ሕማቕ ነገራት ኣብ ልዕሌና ዀነ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤትና እንተ ወረደ፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።b (መዝ. 126:5) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሓጐስና ኣብ ኵነታትና እተመርኰሰ ኣይኰነን። ማሪያ እትብሃል ፈላሚት ከምዚ ትብል፦ “ሽግራት እናኣጋጠመካ ኽነሱ ሕጉስ ምዃን፡ ስምዒትካ ምሕባእ ማለት ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበካ ተስፋታት ከም ዘይረሳዕካዮ ዜርኢ እዩ። ኣቦና ኸኣ ሓጐስካ ኽትዕቅብ ኪሕግዘካ እዩ።” እምበኣር፡ ሕጂ ዘለናዮ ዅነታት ዝኸበደ ይኽበድ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሽግር ልክዕ ከምቲ ኣብ ሑጻ እትሓድጎ ኣሰር ጠፋኢ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ነቲ ስቓይን ጓህን ዜስዕበልና መከራ ኼጥፍኦ እዩ።

11. ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ዜተባብዓካ ብኸመይ እዩ፧

11 ‘እዚ ዜጋጥመና ዘሎ ሽግራት፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዝስኣንና እዩ ዚሕብር’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ብዛዕባ እቶም ከቢድ ፈተናታት ዘሕለፉ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምሕሳብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ ንርአ። “ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ደቂ እስራኤልን” ሓቂ ኺምስክር የሱስ ባዕሉ እዩ መሪጽዎ። (ግብ. 9:15) እዝስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ ህይወት ጳውሎስ ካብ ሽግር ናጻ ኣይነበረን። (2 ቈረ. 11:23-27) እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዚመስል ዝነበረ ፈተናታት ጳውሎስ፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዘይነበሮ ዜርኢ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን! ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ እቲ ተጻዋርነቱ በረኸት የሆዋ ኸም ዝነበሮ እዩ ዜርኢ። (ሮሜ 5:3-5) ሕጂ ብዛዕባ ዅነታትካ ሕሰብ። መከራታት እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ብተኣማንነት ትጻወሮ ኣለኻ። ስለዚ፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዘሎካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

12. ዘይተፈጸመ ትጽቢት ሓጐስና ኺሰርቀና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ሰራቒ ቍ. 2፦ ዘይተፈጸመ ትጽቢት። (ምሳ. 13:12) ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ኣብ ኣገልግሎቱ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንዓዪ ሸቶ ኸነውጽእ የለዓዕለና እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዘውጻእናዮ ሸቶ ኽንወቅዕ ኵነታትና ዘይፈቕደልና እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 17:22) ሆሊ ዝስማ ፈላሚት ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ክምሃር፡ ኣብ ወጻኢ ዓዲ ኸይደ ኸገልግል፡ ወይ ድማ ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት ራማፖ ኽካፈል እደሊ ነይረ። ኵነታተይ ምስ ተቐየረ ግና፡ ነዚ ሸቶታት እዚ ኽበጽሖ ኣይከኣልኩን። በዚ ድማ ኣዝየ እየ ሓዚነ። እተፈላለየ ነገር ክትዓምም እናደለኻ ኽነስኻ፡ ዋላ ሓዲኡ ኽትገብር ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ኣዝዩ ዜጕሂ እዩ።” ብዙሓት ከምዚ ይስምዖም እዩ።

13. ኵነታትና ንዓቕምና ዚድርቶ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ክንወቕዖ እንኽእል ሸቶታት ኢና ኸነውጽእ እንኽእል፧

13 ሓጐስና ብኸመይ ንመልስ፧ የሆዋ ጠለባት ዜብዝሕ ኣምላኽ ኣይኰነን። ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ኣይጽበየናን እዩ፣ ወይ በቲ እነቕርበሉ ኣገልግሎት ኣይኰነን ዚመዝነና። ትሑታትን እሙናትን ክንከውን ጥራይ እዩ ዚደልየና። (ሚክ. 6:8፣ 1 ቈረ. 4:2) እቲ ቐንዲ ዜገድሶ፡ እቲ እንገብሮ ዘይኰነስ ድራኸና እዩ። እሞ ኻብቲ የሆዋ ዚጽበየና ንላዕሊ ኽንገብር ክንጽዕርሲ ግቡእ ድዩ፧c ኣይኰነን! ስለዚ፡ ኵነታትካ ነቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ዚድርቶ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ጥራይ ኣተኵር። ንንኣሽቱ ኣብነት ክትኰኖም፡ ንዓበይቲ ኸኣ ከተተባብዖም ትኽእልዶ፧ ንሓደ ሰብ ብኣካል ብምብጻሕ፡ ተሌፎን ብምድዋል፡ ወይ መልእኽቲ ብምጽሓፍ ንምትብባዑ ሸቶ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጉም ዘለዎ ሸቶታት ንምውቃዕ ክትጽዕር ከለኻ፡ የሆዋ ሓጐስ ብምሃብ ኪባርኸካ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ ኣብታ የሆዋ ዚህበና ሓዳስ ዓለም፡ ካብቲ ሕጂ ኽትሓስቦ እትኽእል ንላዕሊ ንየሆዋ ንምግልጋል ዜኽእል መወዳእታ ዘይብሉ ኣጋጣሚታት ኪህልወካ እዩ። ንኣብነት፡ እታ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ሆሊ ሕማቕ ኪስምዓ ኸሎ እንታይ ከም እትገብር ክትገልጽ ከላ፡ “ሓንሳእ እሃድእ እሞ ‘ንዘለኣለም እኮ ኽነብር እየ’ ኢለ እሓስብ እየ። ሽዑ ብሓገዝ የሆዋ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንገሊኡ ሸቶታተይ ክወቕዖ እየ” ትብል።

14. ሓጐስና ኺሰርቀና ዚኽእል እንታይ ካልእ ነገር ኣሎ፧

14 ሰራቒ ቍ. 3፦ ፍትወት ተድላ። ገሊኦም ሰባት ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ካብ ተድላ ኸም ዚርከብ ገይሮም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ የወዓውዑ እዮም። ኣብ ዝደለኻዮ ዘበለ ንጥፈታት ክትሳተፍ፡ ቃሕ ዝበለካ ዘበለ ኽትዕድግ፡ ናብ ፈቐዶኡ ዓድታት ክትገይሽ ከም ዘሎካ ይንገረካ እዩ። ካብዚ ነገራት እዚ ባህታ ምርካብ ጌጋ ኣይኰነን። የሆዋ ጽቡቕ ነገራት ከም እነድንቕ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ይኹን እምበር፡ ካብዚ ነገራት እዚ ሓጐስ ኪረኽቡ ኢሎም ዝጸዓሩ ሰባት፡ ሓጐሶም ኣጥፊኦም እዮም። ሓንቲ ኢቫ ዝስማ ፈላሚት፡ “ገዛእ ርእስኻ ንምሕጓስ ጥራይ እትጽዕር እንተ ዄንካ፡ ይኣኽለኒ ኣይትብልን ኢኻ” ትብል። ፍትወት ተድላ ኣደዳ ባዶነትን ጓህን ኪገብረና ይኽእል እዩ።

15. ካብ ንጉስ ሰሎሞን እንታይ ንምሃር፧

15 ፍትወት ተድላ ብዛዕባ ዜስዕቦ ጓሂ፡ ካብ ተመክሮ ንጉስ ሰሎሞን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ንሱ ውልቃዊ ድሌቱ ንምዕጋብ ጥዑም ምግቢ፡ ጥዑም ሙዚቃ፡ ኰታስ ኣብቲ ግዜኡ ገንዘብ ኪዕድጎ ዚኽእል ዘበለ ዅሉ ኼስተማቕር ብምፍታን ሓጐስ ኪረክብ ጸዓረ። ግናኸ፡ ዕግበት ኪረክብ ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ፡ “ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትዓግብን፣ እዝኒ ድማ ብምስማዕ ኣይትመልእን” ብምባል ደምደመ። (መክ. 1:8፣ 2:1-11) ንናይ ሓቂ ሓጐስ ዚምልከት ዓለም እተቕርቦ ምኽሪ፡ ልክዕ ከም ናይ ሓሶት ገንዘብ እዩ። ዋጋ ዘለዎ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅምን እዩ።

16. ካብ ምሃብ፡ ሓጐስ እንረክብ ብኸመይ ኢና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

16 ሓጐስና ብኸመይ ንመልስ፧ የሱስ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ብምባል ምሂሩ እዩ። (ግብ. 20:35) ኣለኮስ ዝስሙ ሽማግለ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ንኻልኦት ንምሕጋዝ ንኣሽቱ ነገራት ክገብር እጽዕር እየ። ብዝያዳ ብዝሃብኩ መጠን ከኣ፡ ኣትኵሮይ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ጥራይ ኣይከውንን፣ ስለዚ ድማ ሕጉስ እየ።” እሞ ደኣ ንኻልኦት እንታይ ክትገብረሎም ትኽእል፧ ሽግር ዘለዎ ሰብ እንተ ርኢኻ፡ ከተተባብዖ ፈትን። ሽግሩ ኽትፈትሓሉ ኣይትኽእልን ትኸውን፣ ብድንጋጽ ጽን ኢልካ ምስ እትሰምዖ፡ ምስ እትርሕርሓሉ፡ ጾሩ ናብ የሆዋ ኺድርቢ እውን ምስ እተተባብዖ ግና፡ በዚ ኺጸናናዕ ይኽእል እዩ። (መዝ. 55:22፣ 68:19) የሆዋ ስለ ዘይሓደጎ ድማ ነዚ ኼማስወሉ ኽትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 37:28፣ ኢሳ. 59:1) ምግቢ ብምስራሕ ይኹን፡ ብሓደ ብምዝዋር እውን ብግብራዊ መገዲ ኽትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። መንፈሱ ምእንቲ ኺለዓዓል ብሓደ ኸተገልግሉ ዓድሞ። ንኻልኦት ንምሕጋዝ፡ የሆዋ ኺጥቀመልካ ፍቐድ። ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልኦት ምትኳር ናይ ሓቂ ሓጐስ ኬምጽኣልካ እዩ።—ምሳ. 11:25።

ስእልታት፦ 1. ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ካፈ ኾፍ ኢላ ኣብ ተሌፎና ትርኢ። ኣብ ዙርያኣ ብዙሕ ዝዓዳደገቶ ነገራት ኣሎ። 2. ዕምባባታት ሒዛ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኽትበጽሓ ኸላ፡ ኣብ ገጻ ሓጐስ ይንበብ።

ኣብ ናይ ርእስኻ ድሌት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት ኣተኵር (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)d


17. ሓጐስና ምስ የሆዋ ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 43:4)

17 ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ እንተ ቐሪብና፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ኢና። የሆዋ ‘ብሉጽ ሓጐስና’ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። (መዝሙር 43:4 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኣብ ህይወትና ዜጓንፈና ነገር ብዘየገድስ፡ ክንፈርህ የብልናን። እምበኣር፡ ናብቲ ምንጪ ዘየቋርጽ ሓጐስ ዝዀነ የሆዋ ነተኵር!—መዝ. 144:15።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • የሆዋን የሱስን ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

  • ሓጐስና ኺሰርቀና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

  • ሓጐስና ምስ እነጥፍእ፡ ብኸመይ ክንመልሶ ንኽእል፧

መዝሙር 155 ናይ ዘልኣለም ሓጐስ

a “ካብ የሆዋ ሓጐስ ርኸብ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ንኣብነት፡ ኣብ jw.org ኣብ እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣካል 2023—ቍ. 5 ዝወጸ ቓለ መጠይቕ ደኒስ ክሪስተንሰንን ኢሪና ክሪስተንሰንን ርአ።

c ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሚዛናዊ ትጽቢታት ኣሕድር እሞ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንርእሳ ብዙሕ ነገራት ትዓዳድግ። ብዕድመ ንዝደፍአት ሓብቲ ዕምባባታት ምስ ዓደገትላ ግና፡ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ