ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 40
  • ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዜጨንቐካ ነገር እንታይ እዩ፧
  • ኵሉ ዓይነት ጭንቀት ሕማቕ እዩ ማለት ድዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኵሉ ጭንቀትኩም ኣብ የሆዋ ደርብይዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ጭንቀት
    ንቕሑ!—2016
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 40
ሓደ መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይጭነቕ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ዜጨንቐካ ነገር እንታይ እዩ፧

  • ኵሉ ዓይነት ጭንቀት ሕማቕ እዩ ማለት ድዩ፧

  • ክትገብሮ እትኽእል

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ዜጨንቐካ ነገር እንታይ እዩ፧

እዚ ዚስዕብ ሓሳባት፡ ነቲ ሓድሓደ እዋን ዚስምዓካ ስምዒት ዚገልጽ ድዩ፧

“ኵሉ ግዜ፡ ‘ገለ ነገር እንተ ኣጋጠመኸ፧’ ‘ሓደጋ ማኪና እንተ ኣጋጠመኒኸ፧’ ‘ዝጓዓዘላ ነፋሪት እንተ ወደቐትከ፧’ ኢለ እሓስብ እየ። ንኻልእ ሰብ ብዙሕ ዘየጨንቕ ነገራት እዩ ዜጨንቐኒ።”​—⁠ቻርለስ።

“መውጽኢ ኣብ ዘይብሉ ዓንኬል እጐዪ ዘለኹ ዀይኑ ስለ ዚስምዓኒ፡ ወትሩ እየ ዝጭነቕ። ብዘይ ዕረፍቲ እየ ዝሰርሕ፡ እንተ ዀነ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይዓምምን እየ።”​—⁠ኣና።

“ሰባት ገና ኣብ ትምህርቲ ስለ ዘለኹ፡ ‘ዕድለኛ ኢኻ’ ይብሉኒ። ኣነ ድማ ንርእሰይ፡ ‘ትምህርቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜጨንቕ ኣይተረድኦምን’ እብል።”​—⁠ዳንኤል።

“መዓልታዊ እዩ ጸቕጢ ዚስምዓኒ። ብዛዕባ ቐጺሉ ዜጋጥም ወይ ብዛዕባ ኽገብሮ ዘሎኒ ነገር ወትሩ እየ ዝጭነቕ።”​—⁠ላውራ።

ክውንነት ህይወት፦ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጽንኩር ግዜ” ዚብሎ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) በዚ ምኽንያት እዚ፡ መንእሰያት እውን ልክዕ ከም ዓበይቲ ሰባት ይጭነቑ እዮም።

ኵሉ ዓይነት ጭንቀት ሕማቕ እዩ ማለት ድዩ፧

መልሱ፡ ‘ኣይፋል’ እዩ። እኳ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ነቶም ዜፍቅርዎም ኬሐጕሱ ኢሎም እንተ ተጨነቑ፡ ግቡእ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ።​—⁠1 ቈረንቶስ 7:32-34፣ 2 ቈረንቶስ 11:28።

ብዘይካዚ፡ ጭንቀት ሓያል ድራኸ ኬሕድር ከም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈተና ኸም ዘሎካ ጌርካ ሕሰብ፣ በዚ ስለ እትጭነቕ ኣብታ ቕድሚኣ ዘላ ሰሙን ከተጽንዕ ትጅምር፡ እዚ ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ከተምጽእ ኪሕግዘካ ይኽእል።

ዚስምዓካ ጭንቀት፡ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ኸም ዘሎ ኼጠንቅቐካ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሰሬና እተባህለት መንእሰይ፡ “ኣካይዳኻ ጌጋ ምዃኑን ናይ ሕልና ዕረፍቲ ንምርካብ ለውጥታት ክትገብር ከም ዘሎካን ምስ እትፈልጥ ጭንቀት ኪስምዓካ ይኽእል እዩ” ትብል።​—⁠ምስ ያእቆብ 5:14 ኣነጻጽር።

ክውንነት ህይወት፦ ጭንቀት ጽቡቕ ነገር ክትገብር ክሳዕ ዝደረኸካ፡ ኣብ ጥቕምኻ ከተውዕሎ ትኽእል ኢኻ።

እንተ ዀነ ግና፡ ጭንቀት ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኸም ትውሓጥ ምስ ዝገብረካኸ፧

ሓደ ሰብኣይ ንሓደ መንእሰይ ካብ ሕልኽላኽ መገዲ ኺወጽእ ይሕግዞ

ጭንቀት ኣብ ሕልኽላኽ ዝኣተኻ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ኪገብር ይኽእል እዩ፣ እተፈልየ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ ግና፡ ካብቲ ሕልኽላኽ ክትወጽእ መገዲ ኸርእየካ ይኽእል እዩ

ኣብነት፦ ወዲ 19 ዓመት ዝዀነ ሪቻርድ ከምዚ ይብል፦ “ሓደ ዜጨንቕ ጕዳይ ምስ ዜጋጥመኒ፡ ብዛዕባ እቲ ኼስዕቦ ዚኽእል ጸገማት ብምሕሳብ ኣዝየ እየ ዝጭነቕ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ደጊመ ደጋጊመ እሓስብ እሞ ድሕሪኡ ብጭንቀት እውሓጥ።”

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ህዱእ ልቢ ንሰብነት ህይወት ይህብ” ይብል። (ምሳሌ 14:30) ብኣንጻሩ ግና ጭንቀት፡ ከም ሕማም ርእሲ፡ ጽርውርው ዜብል ስምዒት፡ ቍጥዐ ኸስዐ፡ ምውሳኽ ህርመት ልቢ ዝኣመሰለ ጸገማት ኬምጽእ ይኽእል እዩ።

ጭንቀት ኣብ ክንዲ ጥቕሙ፡ ጕድኣቱ ምስ ዚበዝሕከ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ክትገብሮ እትኽእል

  • ጭንቀትካ ምኽንያታዊ ድዩ፧ “ዘሎካ ሓላፍነታት ኬተሓሳስበካ ንቡር እዩ፡ ብዛዕባኡ እምብዛ ምጭናቕ ግና ሓደጋ ኣለዎ። ጭንቀት፡ ኣብ ሰለል ንየው ነጀው ከም ምባል እዩ ዚብል ኣበሃህላ እዝክር እየ። ሓደ ዕማም ከም ዝዓመምካ ዀይኑ ይስምዓካ፡ ኣብ እትበጽሖ ግና የለን።”​—⁠ካትሪን።

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧”—ማቴዎስ 6:27።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጭንቀት፡ መፍትሒ ንኽትረክብ ዘይሕግዘካ እንተ ዀይኑ፡ ንጸገምካ የጋድዶ ወይ ባዕሉ ጸገም ይዀነካ።

  • ናይ ጽባሕ ንጽባሕ ሕደጎ። “ነዚ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ። እቲ ሎሚ ዜጨንቐካ ነገር ጽባሕ፡ ድሕሪ ወርሒ፡ ድሕሪ ዓመት፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዜገድሰካ ድዩ፧”​—⁠ኣንቶኒ።

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ዝዀነት መዓልቲ ናታ ጭንቂ ኣለዋ።”—ማቴዎስ 6:34።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጽባሕ ጸገም ኬጋጥም እዩ ኢልካ ኣይትጨነቕ፣ ከመይሲ፡ ገሊኡ ኸየጋጥም እውን ይኽእል እዩ።

  • ነቲ ኽትቅይሮ ዘይትኽእል ነገራት ተቐበሎ። “ብእተኻእለካ መጠን፡ ኬጋጥም ንዚኽእል ነገራት ተዳሎ፣ ገሊኡ ነገራት ግና ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ምዃኑ ተቐበል።”​—⁠ሮበርት።

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ፈጣናት ኣብ ቅድድም ወትሩ ኸም ዘይዕወቱ፡ . . . ፈላጣት እውን ኣሳልጦ ወትሩ ኸም ዘይረኽቡ ረኣኹ፣ ከመይሲ፡ ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም።”—መክብብ 9:11።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓድሓደ ግዜ ንዅነታትካ ኽትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ነቲ ብዛዕባኡ ዘሎካ ኣረኣእያ ግና ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።

  • ብዛዕባ ዅነታትካ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። “ብዝርዝር ነገራት ኣብ ክንዲ ዝጭነቕ፡ ነቲ ዅነታት ብሓፈሻ ኽርድኦ እፍትን እየ። ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገር ኣለልየ፡ ሓይለይ ኣብኡ ኼውዕል እየ ዝደሊ።” ​—⁠ኣሌክሲስ።

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ።’—ፊልጲ 1:10።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ብዛዕባ ጭንቀቶም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት፡ ብእኡ ኣይወሓጡን እዮም።

  • ምስ ሰብ ተዛረበሉ። “ሻድሻይ ክፍሊ ኸለኹ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛይ ብጭንቀት ተዋሒጠ እየ ዝምለስ ነይረ፣ ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ተመሊሰ ምኻድ ኣዝዩ እዩ ዜፍርሃኒ ነይሩ። ኣቦይን ኣደይን፡ ስምዒተይ ክገልጽ ከለኹ ጽን ኢሎም ይሰምዑኒ ነይሮም። ኣብ ጐድነይ ምንባሮም ዓብዪ ነገር እዩ። እኣምኖምን ከይተሰከፍኩ እዛረቦምን ነይረ። እዚ ድማ ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ኸይፈራህኩ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ የበራትዓኒ ነይሩ።”​—⁠ማርሊን።

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።”—ምሳሌ 12:25።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ወላዲኻ ወይ ፈታዊኻ ንጭንቀትካ ኺንክየልካ ዚኽእል ግብራዊ ምኽሪ ኺህበካ ይኽእል እዩ።

  • ጸሊ። “ዓው ኢለ ምጽላይ ንጭንቀተይ ኣብ ኣእምሮይ ዓብዒበ ኣብ ክንዲ ዝሕዞ ንኸውጽኦ ሓጊዙኒ እዩ። እዚ ኸኣ የሆዋ ኻብ ጭንቀተይ ከም ዝዓቢ ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ እዩ።”​—⁠ሎራ።

    መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብ [ኣምላኽ] ደርብይዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:7።

    እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ጸሎት ስነ ኣእምሮኣዊ እፎይታ እንረኽበሉ መገዲ ዘይኰነስ፡ ነቲ፡ “ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ። ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ . . . እየ” ኢሉ ዘተስፈወና የሆዋ ኣምላኽ ሓሳብና እንገልጸሉ መገዲ እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 41:10።

ጭንቀት ምስ ዚብርትዓካ

ገለ መንእሰያት ብሕዱር ጭንቀት ይሳቐዩ እዮም። ንኣብነት፡ ጄና እትብሃል መንእሰይ ከምዚ ትብል፦ “ካብ ጭንቀት እተላዕለ፡ ዘየቋርጽ ሕማም ርእሲ ነይሩኒ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ሓሳባተይ ይከፋፈል፡ ሓንሳእ ሓንሳእ ድቃስ ይኣብየኒ ሓንሳእ ሓንሳእ ድማ ንመዓልትታት እድቅስ፡ ሓንሳእ ሓንሳእ ሸውሃተይ ይዕጾ፡ ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ብዙሕ እበልዕ። ርግኣት ኣይነበረንን። ንእሽቶ ጸገም፡ ክንዲ ጎቦ ዀይኑ እዩ ዚርኣየኒ ነይሩ።”

ጭንቀት እናገደደን እናተናወሐን ምስ ዝኸይድ፡ ናብ ሕክምና ምኻድ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጄና ኸምኡ እያ ገይራ። ብዛዕባኡ ድማ፡ “ሕክምና ምስ ገበርኩ፡ ነገራት ብዝሓሸ መገዲ ኽሕዝን ጭንቀተይ ክቈጻጸርን ክኢለ” በለት።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ካሪሳ

“ብጭንቀት ምስ ዝወሓጥ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ናይ ልበይ እነግሮ እየ። ጸገማተይ ኣብ ኢድ የሆዋ ኸም ዝዀነ ስለ ዝፈልጥ፡ ለይቲ ጽቡቕ እድቅስ። ህይወተይ ኰነ ዜጨንቐኒ ነገራት ኣብ ኢድ የሆዋ ኻብ ምግዳፍ ዚበልጽ ነገር የልቦን።”​—⁠ካሪሳ።

ሳማንታ

“ንርእሰይ ኵሉ ሳዕ፡ ‘ክትቅይርዮ ብዛዕባ ዘይትኽእሊ ነገራት ስለምንታይ ትጭነቒ’ እብላ እየ። ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6፡27 እተዛረቦ ቓላት አስተንትነሉ እየ። እዚ ድማ ኣብ የሆዋ ኽውከልን ምኽሩ ኽሰምዕን ይሕግዘኒ።”​—⁠ሳማንታ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ