እግረ ጽሑፍ
a ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኤንሳይክሎፔድያ “ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኣጋይሽ ኣይበልዓን: ከምኡውን ሰብኡት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ክዛረቡ ኣይተባብዑን ኢዮም ነይሮም። . . . ብፍላይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምስ ሰበይቲ ምዝራብ ኣጸያፊ ኢዩ ነይሩ” ብምባል ይገልጽ። እቲ ካብ ናይ ራቢ ትምህርትታት እተኣከበ ናይ ኣይሁድ ሚሽናህ “ምስ ሰበይቲ ብዙሕ ኣይትዛረብ . . . እቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ብዙሕ ዝዛረብ ኣብ ገዛእ ርእሱ መከራ የምጽእ ከምኡውን መጽናዕቲ ናይቲ ሕጊ ሸለል ይብል: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ገሃነም ይኣቱ” ኢሉ ይመክር።—ኣቦዝ 1:5