እግረ ጽሑፍ
a “እቲ [ኣብ መንጎ የሱስን ፈሪሳውያንን ዝነበረ] መሰረታዊ ፍልልይ እተፈጥረ: ንኣምላኽ ብእተፈላለየ መገዲ ይርድእዎ ስለ ዝነበሩ ምዃኑ ምስ እንፈልጥ ንጹር ይኸውን ኢዩ። ፈሪሳውያን ንኣምላኽ ብቐዳምነት ጠለባት ዘብዝሕ ገይሮም ክርእይዎ ኸለዉ: የሱስ ግን ርሕሩሕን ለዋህን ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ልክዕ ኢዩ: እቲ ፈሪሳዊ ንለውሃትን ፍቕርን ኣምላኽ ኣይከሓዶን: እንተዀነ ግን እዚ ባህርያት እዚ እተንጸባረቐ: ቶራህ [ሕጊ] ብምሃብን ንዕኡ ንምፍጻም ኣጋጣሚ ብምኽፋትን ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዎ። . . . ነቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ስርዓታትን ነቲ ሕጊ ንምትርጓም ዘገልግል መምርሒታትን ጠቢቕካ ምስዓብ: ንቶራህ ምሕላው ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። . . . የሱስ ነታ ኽልተ ነገራት ዝሓቘፈት ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ (ማቴ. 22:34-40) ብዅሉ ተቐባልነት ከም ዘለዋ ገይሩ ምርኣዩን ብዙሕ ቀይድታት ዘለዎ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ስርዓታት ምንጻጉን . . . ምስቲ ናይ ፈሪሳውያን ክልሰ-ሓሳብ ከም ዝጋጮ ገበሮ።”—ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ