እግረ ጽሑፍ
a እዞም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ “ኸዋኽብቲ” ቓል ብቓሉ ንመላእኽቲ ኣየመልክቱን ኢዮም። የሱስ ነቶም ዘይረኣዩ መንፈሳውያን ፍጡራት ሓበሬታ ንኽጽሕፈሎም ኢሉ ሰብ ክጥቀም ዘይመስል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: እቶም “ኸዋኽብቲ” ተባሂሎም ዘለው እቶም ከም ናይ የሱስ ልኡኻት ዝርኣዩ ኣብተን ጉባኤታት ዝርከቡ ሰብኣውያን ተዓዘብቲ ወይ ሽማግለታት ክዀኑ ኣለዎም። ቍጽሮም ሸውዓተ ምዃኑ ኸኣ ብመለኮታዊ መገዲ እተወሰነ ምልኣት የመልክት።