እግረ ጽሑፍ
a ገሊኡ ኸም ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ዝኣመሰለ ኣቐድም ኣቢሉ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ኣቡነ-ዘበሰማያት እትብል ጸሎት: “መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ: ኣሜን” ብዝብል ቃላት ውዳሰ ዛዚምዋ ኣሎ። እታ ዘ ጀሮም ቢብሊካል ኮመንተሪ ግን “እቲ ቓላት ውዳሰ . . . ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ዘተኣማምን [ኢደ-ጽሑፍ] ኣይርከብን እዩ” ትብል።