እግረ ጽሑፍ
a እቲ የሱስ ኣብዚ ዝሃቦ ሓሳብ: ነቲ ብዙሕ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ህላወ” እትብል ቃል ኪትርጕሙ ኸለዉ ብምግጋዮም ዘመሓላልፍዎ ግጉይ ሓሳባት ብትኽክል ንኽንርድኦ ይሕግዘና እዩ። ኣብ ገሊኡ ትርጕማት እታ ቓል “ምጽኣት” ወይ “ምምላስ” ተባሂላ ትትርጐም: እዚ ኸኣ ንሓደ ሓጺር ኣጋጣሚ ዜመልክት እዩ። የሱስ ግን ንህላወኡ ምስቲ ብግዜ ኖህ ንሓጺር ህሞት ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ኣይኰነን ኣመሳሲልዎ፣ የግዳስ: ምስቲ ነዊሕ እዋን ዜመልክት “ዘመን ኖህ” እዩ ኣመሳሲልዎ። ልክዕ ከምቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ: ክርስቶስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዚህልወሉ እዋን እውን: ሰባት ብመዓልታዊ ጕዳያቶም ስለ ዚተሓዙ ነቲ ዚወሃብ መጠንቀቕታ ኣየቕልቡሉን እዮም።