እግረ ጽሑፍ a ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ: ያእቆብ ነቶም ሽማግለታት ወይ ነቶም “መምህራን” እታ ጉባኤ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ያእ. 3:1) እዞም ሰባት እዚኣቶም ጥበብ ኣምላኽ ብምርኣይ ዝመጸ ኣርኣያ ኪዀኑ እኳ እንተ ኣለዎም: ኵልና ግን ካብቲ ያእቆብ ዝሃቦ ምዕዶ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።