እግረ ጽሑፍ
c እቲ ኣብ ዳንኤል 2:44 ዚርከብ፡ “ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን” እያ ዚብል ሓሳብ፡ ነተን ብኽፋላት እቲ ምስሊ እተመሰላ መንግስትታት ወይ ሓይልታት ዓለም የመልክት። ምስዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዚኸይድ ካልእ ትንቢት ከኣ፡ “ነገስታት ኵላ ዓለም” ኣብታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ምስ የሆዋ ንኺዋግኡ ኸም ዚስለፉ ይገልጽ። (ራእ. 16:14፣ 19:19-21) ስለዚ እምበኣር፡ እተን በቲ ምስሊ እቲ እተመሰላ መንግስትታት ጥራይ ዘይኰናስ፡ ኵለን መንግስታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣርማጌዶን ኪጠፍኣ እየን።