እግረ ጽሑፍ a ድሕሪ እቲ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣደ የሱስን ካልኦት ደቃን እኳ እንተ ተጠቕሱ፡ ዮሴፍ ግና ኣብ ጸብጻባት ወንጌል ተጠቒሱ ኣይንረኽቦን ኢና። የሱስ ኣብ ሓደ እዋን፡ “ወዲ ማርያም” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ከሎ፡ ዮሴፍ ኣይተጠቕሰን።—ማርቆስ 6:3።