እግረ ጽሑፍ
b ሳራ ንኣብርሃም ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ እያ ነይራ። ታራ ንኽልቲኦም ኣቦኦም እዩ ነይሩ፣ ኣዴታቶም ግና እተፈላለያ እየን ነይረን። (ዘፍጥረት 20:12) ሎሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መውስቦ ዘይግቡእ እኳ እንተዀነ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እተፈልየ ዅነታት ከም ዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ሰባት ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበሮም እሞ ጸኒሖም ዘጥፍእዎ ፍጽምና ዝቐረቡ እዮም ነይሮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ምስ ቀረባ ዘመድ ዚግበር መውስቦ ኣብ ውሉዳቶም ጂናዊ ጸገማት የስዕበሎም ከም ዘይነበረ ንጹር እዩ። ድሕሪ ኣስታት 400 ዓመት ግና ዕምሪ ደቂ ሰብ ምስ ናትና ዚመሳሰል ኰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሕጊ ሙሴ ንዅሉ እቲ ምስ ቀረባ ዘመድ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ከልከለ።—ዘሌዋውያን 18:6።