-
ሓገዝካ ይድለ ኣሎናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004 | ታሕሳስ
-
-
ሓገዝካ ይድለ ኣሎ
1 “ስለቲ ምእንታና እትገብርዎ ዅሉ ኸመስግነኩም እፈቱ። ዕዮኹም ብሓቂ እዩ ዚጠቕመና።” እዚ ርእይቶ እዚ ነቲ ብዛዕባ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ዘሎና ሞሳ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽ እዩ። ኣብዚ ማሕበር የሆዋ እናዓበየት እትኸደሉ ዘላ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ኣስታት 100,000 ዝዀና ጉባኤታት ዜገልግሉ ብሱላት ሰብኡት ብቐጻሊ የድልዩ ኣለዉ። እተጠመቕካ ሓው እንተደኣ ዄንካ: ኣብዚ መዳይ እዚ ሓገዝካ ይድለ ኣሎ።
2 ሓላፍነት ክትረክብ ‘ድሌት’ ምሕዳር:- ተወሳኺ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ንምርካብ ድሌት ከተሕድር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (1 ጢሞ. 3:1) ብመሰረቱ: ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወትካ ሰናይ ኣብነት ብምዃን እዩ። (1 ጢሞ. 4:12፣ ቲቶ. 2:6-8፣ 1 ጴጥ. 5:3) ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ: ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ ድማ ሓግዞም። (2 ጢሞ. 4:5) ኣብ ድሕንነት ኣመንቲ ብጾትካ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኢ። (ሮሜ 12:13) ንፉዕ ተመሃራይ ቃል ኣምላኽ ኩን: ከምኡውን ክእለት ‘ኣመሃህራኻ’ ኣማዕብል። (ቲቶ. 1:9፣ 1 ጢሞ. 4:13) ነቲ ብሽማግለታት ዚወሃበካ ዕዮ ብትግሃት ዕየ። (1 ጢሞ. 3:10) ርእሲ ስድራቤት እንተደኣ ዄንካ ድማ: ‘ቤትካ ብጽቡቕ ኣስተናብር።’—1 ጢሞ. 3:4, 5, 12
3 ሓላፍነት ኣብ ዘለዎ ቦታ ተመዚዝካ ምግልጋል: ኣበርቲዕካ ምዕያይን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእን የጠቓልል። (1 ጢሞ. 5:17) ስለዚ: ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንምርካብ ኣብ እትመጣጠረሉ ግዜ: ንኻልኦት ብትሕትና ኣብ ምግልጋል ኣተኵር። (ማቴ. 20:25-28፣ ዮሃ. 13:3-5, 12-17) ነቲ ጢሞቴዎስ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ኣስተንትነሉ: ንዕኡ ንምምሳል ድማ ጻዕሪ ግበር። (ፊል. 2:20-22) ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ: እቲ ጽቡቕ ጠባይካ ንሓላፍነት ከም እትበቅዕ ኪምስክረልካ ኣለዎ። (ግብ. 16:1, 2) ተወሳኺ ሓላፍነታት ንኽትቅበል ዜድልየካ መንፈሳዊ ባህርያት ከተማዕብልን ንዕቤትካ ዚሕግዝ ምኽሪ ተቐቢልካ ኣብ ግብሪ ኸተውዕልን ከለኻ ‘እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ኣብ ኵሉ ኺግለጽ’ እዩ።—1 ጢሞ. 4:15
4 ወለዲ ንደቅኹም ኪሕግዙ ምሃርዎም:- ውሉዳት ኪሕግዙ ኸም ዚግብኦም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣኼባታት ብኣቓልቦ ኺሰምዑ: ኪሰብኩ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ይኹን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብነታውያን ኪዀኑ ኣለማምድዎም። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብምጽራይ: ንኣረጋውያን ብምሕጋዝ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ብምግባር ንኻልኦት ኪሕግዙ ኣለማምድዎም። ካብ ምሃብ ሓጐስ ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኽፈቱሎም። (ግብ. 20:35) ከምዚ ዝኣመሰለ ልምምድ ኣብ መጻኢ ፓይነራት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ከምኡውን ሽማግለታት ኰይኖም ንኺዓዩ ኺሕግዞም እዩ።
-
-
ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ 4ይ ክፋል:- ንተመሃሮ ኣቐዲሞም ኪዳለዉ ምልምማዶምናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004 | ታሕሳስ
-
-
ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ 4ይ ክፋል:- ንተመሃሮ ኣቐዲሞም ኪዳለዉ ምልምማዶም
1 ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ዜንብቦን ነቲ መልስታት ዜስምረሉን ብናቱ ኣበሃህላ ብኸመይ ከም ዚገልጾ ዚሓስብን እንተደኣ ዀይኑ: ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት እዩ ዚገብር። ስለዚ እምበኣር: ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርኩም: ነቲ ተመሃራይ ብኸመይ ከም ዚዳሎ ንኸተርእይዎ ሓንቲ መጽናዕቲ ብሓባር ኴንኩም ተዳለዉላ። ንሓንቲ ምዕራፍ ወይ ትምህርቲ ብምልእታ ብሓባር ኴንካ ምድላው ንመብዛሕትኦም ተመሃሮ ሓጋዚ እዩ።
2 ምስማርን መዘኻኸሪ ምጽሓፍን:- ቀጥታዊ መልሲ ናይቲ ሕቶታት ካብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ብኸመይ ከም ዚርከብ ግለጸሉ። ነቲ ተመሃራይ ነቶም ቀንዲ ቃላትን ሓረጋትን ጥራይ ብኸመይ ከም ዘስመርካሉ ኣብ ናይ ብሕትኻ ቕዳሕ ኣርእዮ። መጽናዕቲ ኣብ እትገብሩሉ እዋን መልሲ ኺህብ ከሎ ኼዘኻኽሮ ዚኽእል ነጥብታት ጥራይ ኣብ ናይ ብሕቱ ቕዳሕ ብምስማር ኣብነትካ ኺስዕብ ይደሊ ይኸውን። (ሉቃ. 6:40) ድሕርዚ ብናይ ገዛእ ርእሱ ኣበሃህላ መልሲ ኺህብ ሕተቶ። ከምዚ ምግባር እቲ ትምህርቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተረድኦ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
3 ነቲ እንታይ ከም ዚብል ዘይተገልጸ ጥቕስታት ተጠንቂቕካ ምምርማር እውን ኣገዳሲ ኽፍሊ ናይቲ ንመጽናዕቲ ኢልካ ዚግበር ምድላው እዩ። (ግብ. 17:11) ነፍሲ ወከፍ እንታይ ከም ዚብል ዘይተገልጸ ጥቕሲ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ዚድግፍ ምዃኑ ንኺርዳእ ሓግዞ። ኣብ ሕድጋት እቲ ዜጽንዖ ዘሎ ጽሑፍ ብኸመይ ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪ ኺጽሕፍ ከም ዚኽእል ኣርእዮ። መሰረት እቲ ዚምሃሮ ዘሎ ትምህርቲ: መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ኣረድኣዮ። ኣብ እዋን መጽናዕቲ ሓሳብ ኪህብ ከሎ: ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ጥቕስታት ኣዘውቲሩ ኺጥቀመሎም ኣተባብዓዮ።
4 ኣቐዲምካ ፍረ ነገር ምጭባጥን ድግማ ምግባርን:- እቲ ተመሃራይ ምድላው ቅድሚ ምጅማሩ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ እቲ ትምህርቲ ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ምርኣዩ ሓጋዚ እዩ። ነቲ ቐንዲ ኣርእስቲ: ንኡስ ኣርእስቲ: ከምኡውን ነቲ ስእልታት ኣሕጽር ኣቢሉ ብምምርማር ምስቲ ቐንዲ ሓሳባት ናይቲ ምዕራፍ ኪላለ ኸም ዚኽእል ግለጸሉ። ተዳልዩ ቕድሚ ምውድኡ: ግዜ ወሲዱ ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት እቲ ትምህርቲ ኺደግሞ፣ ምናልባት እታ እተጽንዕዋ ዘለኹም ጽሕፍቲ ናይ ድግማ ሳጹን እንተ ሃልዩዋ ድማ ንምስትንታን ኪጥቀመሉ ኸም ዚኽእል ግለጸሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምድግጋም እቲ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮኡ ንኪቕረጽ ኪሕግዞ እዩ።
5 ንሓደ ተመሃራይ ብዚግባእ ንኺዳሎ ምስ እተለማምድዎ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ሃናጺ ሓሳባት ኪህብ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ወድአ እውን ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ ንኼማዕብል ኪሕግዞ እዩ።
-