ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ‘ቃል እምነት እተመገቡ’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005 | ጥሪ
    • ‘ቃል እምነት እተመገቡ’

      1 ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዜንጸባርቕ ናብራ ንምንባር: ኣበርቲዕካ ምጽዓር የድሊ። (1 ጢሞ. 4:7-10) ነዚ ብሓይልና ኽንገብሮ ምስ እንፍትን ቀልጢፍና ኽንሕለልን ክንወድቕን ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 40:29-31) ካብ የሆዋ ሓይሊ ኽንረኽበሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ‘ቃል እምነት ብምምጋብ’ እዩ።—1 ጢሞ.4:6

      2 ስቡሕ መንፈሳዊ ምግቢ:- የሆዋ ብቓሉ ኸምኡውን በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ስቡሕ መንፈሳዊ ምግቢ የዳሉ ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ካብዚ ምድላው እዚ ንኽንጥቀም ዝከኣለናዶ ንገብር ኣሎና፧ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ነንብብ ዲና፧ ንናይ ብሕቲ መጽናዕትን ንምስትንታንን ዚኸውን ግዜ ንምድብ ዲና፧ (መዝ. 1:2, 3) ከምዚ ዝኣመሰለ ጥዑይ መንፈሳዊ ምግቢ ኼበራትዓናን ካብቲ ዜዳኽም ጽልዋ ናይ ሰይጣን ዓለም ኬዕቍበናን ይኽእል እዩ። (1 ዮሃ. 5:19) ንኣእምሮና ጥዑይ ነገራት እንተ መሊእናዮን ኣብ ግብሪ እንተደኣ ኣውዒልናዮን: የሆዋ ምሳና ኪኸውን እዩ።—ፊል. 4:8, 9

      3 የሆዋ ብናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣቢሉ እውን የበራትዓና እዩ። (እብ. 10:24, 25) ካብዚ ኣኼባታት እዚ እንረኽቦ መንፈሳዊ መምርሕን ጥዑይ ሕብረትን ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ጸኒዕና ደው ንኽንብል ይሕግዘና። (1 ጴጥ. 5:9, 10) ሓንቲ ክርስትያን መንእሰይ: “ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስለ ዝውዕል ብዙሕ ጸቕጥታት እዩ ዘጋጥመኒ። ኣኼባታት ግን ከም ልሙዕ ቦታ ኣብ ምድረ-በዳ ስለ ዝዀነ: እቲ ኣብኡ ዝረኽቦ ምሕዳስ ኣብታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘጋጥመኒ ነገራት ክዋጽኣሉ ይሕግዘኒ እዩ” በለት። እቲ ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል እንገብሮ ጻዕሪ ብሓቂ በረኸት የምጽኣልና እዩ።

      4 ቃል ሓቂ ምእዋጅ:- ንሰባት ብስራት ምስባኽ: ንየሱስ ልክዕ ከም ምግቢ የበርትዖ ነበረ። (ዮሃ. 4:32-34) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ መብጽዓታት ኣምላኽ ምስ ሰባት ክንዘራረብ ከሎና እተሓደስና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። ኣብ ኣገልግሎት ትሑዝ ምዃን: ልብናን ኣእምሮናን ኣብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት ከም ዜተኵር ዚገብር እዩ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ዕረፍቲ ዜምጽእ እዩ።—ማቴ. 11:28-30

      5 ካብቲ ኣብዚ ግዜ እዚ የሆዋ ንህዝቡ ንምምጋብ ዘዳለዎ ስቡሕ መንፈሳዊ ምግቢ ተኻፈልቲ ምዃንናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ! ሃየ እምበኣር ወትሩ ንየሆዋ ብሓጐስ ልቢ እልል እናበልና ንወድሶ።—ኢሳ. 65:13, 14

  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ 5ይ ክፋል:-
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005 | ጥሪ
    • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ 5ይ ክፋል:-

      ክንደይ ዚኣክል ትምህርቲ ኸም እትሽፍን ምውሳን

      1 የሱስ ዓቕሚ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ግምት የእቱ ስለ ዝነበረ “ምስማዑ ብዚከአሎም መጠን” ጥራይ ይምህሮም ነበረ። (ማር. 4:33፣ ዮሃ. 16:12) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ መምህራን ቃል ኣምላኽ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ኸለዉ ኽንደይ ዚኣክል ትምህርቲ ኺሽፍኑ ኸም ዚኽእሉ ኺውስኑ ኣለዎም። እዚ ድማ ኣብ ክእለትን ኵነታትን እቲ መምህርን ተማሃራይን እዩ ዚምርኰስ።

      2 ድልድልቲ እምነት ህነጽ:- ገሊኦም ተመሃሮ: ነቲ ኻልኦት ኣብ ሓደ ናይ መጽናዕቲ እዋን ብቐሊሉ ዚርድእዎ ትምህርቲ ንኺርድኦም ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ መጽናዕቲ እዋን የድልዮም ይኸውን። ብዙሕ ምእንቲ ኽንሽፍን ኢልና እቲ ተማሃራይ ንጹር ምርዳእ ከይረኸበ ኺሓልፍ ኣይንደልን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዚረኽቦ ሓድሽ እምነት ድልዱል መሰረት ኪረኽበሉ ይደሊ እዩ።—ምሳ. 4:7፣ ሮሜ 12:2

      3 መጽናዕቲ ኣብ እትገብረሉ እዋን: እቲ ተማሃራይ ነቲ ዚመሃሮ ዘሎ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ኪርድኦን ኪቕበሎን ምእንቲ ኽትሕግዞ ዚኣክል ግዜ ኣሕልፍ። እቲ ተማሃራይ ካብቲ ዚመሃሮ ዘሎ ሓቅታት ምእንቲ ኺጥቀም ታህዋኽ ኣወግድ። ኣብቲ ቐንዲ ነጥብታት ንኸተተኵርን ነቲ መሰረት እቲ ትምህርቲ ዝዀነ ቐንዲ ጥቕስታት ክትመያየጠሉን ዜኽእል እኹል ግዜ መድብ።—2 ጢሞ. 3:16, 17

      4 እቲ መጽናዕቲ ብዘይ ዕንቅፋት ከም ዚቕጽል ግበር:- ነቲ መጽናዕቲ ብሃወኽ ክንገብሮ ዘይንደሊ እኳ እንተዀንና: መዓንቀፊ ዚኸውን ነገራት ከነወግድ ግን ንደሊ ኢና። ሓደ ተማሃራይ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያቱ ብዙሕ ኪዛረብ ዚደሊ እንተደኣ ዀይኑ: ብዛዕባ እዚ ድሕሪቲ መጽናዕቲ ኽንመያየጠሉ ግዜ ኽንምድብ ንኽእል ኢና።—መክ. 3:1

      5 ብኻልእ ሸነኽ ድማ: እቲ ኣብ ሓቂ ዘሎና ውዕዉዕ ስምዒት: ኣብ እዋን መጽናዕቲ ዘረባ ኸም እነንውሕ ኪገብረና ስለ ዚኽእል: ነዚ ንኽንቈጻጸሮ ብድሆ ኪዀነና ይኽእል እዩ። (መዝ. 145:6, 7) ሓድሓደ ግዜ ድማ እቲ ንእግረ መገድና እንውስኾ ነጥብታትን ተመክሮታትን ንመጽናዕትና ጠቓሚ እኳ እንተዀነ: ካብ ምብዝሑ እተላዕለ ግን እቲ ተማሃራይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ርጡብ ፍልጠት ካብ ምውሳድ ዚዓናቕጾ ኪኸውን ኣይንደልን ኢና።

      6 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ: እኹል መጠን ዘለዎ ትምህርቲ ብምሽፋን: ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሎም ተመሃሮና ‘ብብርሃን የሆዋ ኺመላለሱ’ ንሓግዞም።—ኢሳ. 2:5

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ