ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005 | መጋቢት
    • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ

      7ይ ክፋል:- ኣብ እዋን መጽናዕቲ ምጽላይ

      1. (ሀ) ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት ጀሚርካ ብጸሎት ክትዓጹ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሎት እንጅምር መዓስ ኢና፧

      1 እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ በረኸት የሆዋ ኺረኽቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (1 ቈረ. 3:6) ስለዚ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት ክንጅምርን ክንዓጹን ይግባእ። ምስ ሓደ ሃይማኖታዊ ዝምባለ ዘለዎ ሰብ መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና: ካብታ ፈለማ መጽናዕቲ ዝጀመርናላ እዋን ኣትሒዝና ኸምዚ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ምስ ካልኦት መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን ግን ጸሎት መዓስ ከም እንጅምር ብምስትውዓል ክንሓስበሉ ኣሎና። እቲ ተመሃራይ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ጸሎት ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ንኺግንዘብ መዝሙር 25:4, 5 ከምኡውን 1 ዮሃንስ 5:14 ከተንብበሉ ትኽእል ኢኻ። ብስም የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ናብ የሆዋ ጸሎት እነቕርበሉ ምኽንያት ድማ ዮሃንስ 15:16 ብምንባብ ግለጸሉ።

      2. ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓደ እተጠምቀ ወይ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከላ: ጸሎት ኬቕርብ ዘለዎ መን እዩ፧

      2 ኣብ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሎት ኬቕርብ ዘለዎ መን እዩ፧ ሓደ እተጠምቀ ሓው ንሓንቲ ሓብቲ ኣሰንዩ ኣብቲ መጽናዕቲ ምስ ዚካፈል: ዋላ እኳ እታ ሓብቲ ርእሳ ተጐልቢባ ነቲ መጽናዕቲ ትመርሖ እንተዀነት ጸሎት ግን እቲ ሓው እዩ ኬቕርብ ዘለዎ። (1 ቈረ. 11:5, 10) ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እትመርሓሉ ኣጋጣሚ ግን ባዕላ ኽትጽሊ ኣለዋ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን እዚ መጽናዕቲ ኽትመርሕን ክትጽልን ከላ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ።

      3. ኣብቲ ኣብ እዋን መጽናዕቲ እነቕርቦ ጸሎት ክንጠቕሶ ዘሎና ነገራት እንታይ እዩ፧

      3 ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ እንኽእል ነገራት:- ኣብ እዋን መጽናዕቲ እንጽልዮ ጸሎት ነዊሕ ኪኸውን ኣየድልን እዩ: የግዳስ ፈሊኻ ዚጥቀስ ነገራት ዝሓቘፈ ውሱን ኪኸውን ኣለዎ። ሓገዝ ኣምላኽ ንኽንረክብ ክንልምንን ነቲ እተማሃርናዮ ሓቅታት ዘሎና ሞሳ ኽንገልጽን ጥራይ ዘይኰነስ: ንየሆዋ ምንጪ እቲ ትምህርትና ብምዃኑ ኽንውድሶ ይግባእ። (ኢሳ. 54:13) ኣብቲ ተመሃራይ ዘሎና ልባዊ ተገዳስነትን ነታ የሆዋ ዚጥቀመላ ማሕበር ዘሎና ሞሳን እውን ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 1:2, 3፣ 2:7, 8) እቲ ተመሃራይ ነቲ እተማህሮ ነገራት ኣብ ግብሪ ንኼውዕሎ ብዛዕባ ዚገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ኺባርኾ ምጽላይ: እቲ ተመሃራይ ‘ገባር ቓል ኪኸውን’ ከም ዘለዎ ንኺግንዘብ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—ያእ. 1:22

      4. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት ምጅማርን ምዕጻውን እንታይ ረብሓታት እዩ ዜምጽእ፧

      4 ካብ ጸሎት ዚርከብ ረብሓታት ብዙሕ እዩ። ሓደ ኻብኡ በረኸት ኣምላኽ የምጽእ። (ሉቃ. 11:13) ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሕ። እቲ ተመሃራይ ክንጽሊ ኺሰምዓና ኸሎ ኸኣ: ብኸመይ ከም ዚጽሊ ኺመሃር ይኽእል። (ሉቃ. 6:40) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ብፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ዝመልአ ልብን ካብቲ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳን ዝነቐለ ጸሎት: ነቲ ተመሃራይ ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ንኺምስርት ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።

  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005 | መጋቢት
    • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል

      ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ

      “መብዛሕትአን ሃይማኖታት ሰባት ንጐረባብቶም ኬፍቅሩ ኸም ዘለዎም ይምህራ እየን። [ማቴዎስ 22:39 ኣንብብ።] ሃይማኖታት ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ግጭታትን ውግኣትን ኢደን ዜእትዋ ዘለዋ ደኣ ስለምንታይ እየን፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ‘ሃይማኖታት ንደቅሰብ ኬሕብራ ይኽእላዶ፧’ ንዚብል ሕቶ ትምልስ እያ።”

      Awake! Jan. 8

      ነዛ ሕቶ እዚኣ ብኸመይ ምመለስካያ፧ [ነታ ኣብ ገበር ናይታ መጽሔት ዘላ ሕቶ ኣንብባ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] ሃብቲ ምድሪ ብዜሰንብድ ናህሪ ይጕሕጓሕ እዩ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ነዚ ኣብዚ ዚርከብ ርጉጽ መብጽዓ እሞ ኣስተብህለሉ! [መዝሙር 104:5 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ምድርና ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ከም እትሕደስ እተብርህ እያ።”

      ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥሪ

      “ንሕናን ደቅናን ዝበለጸ ህይወት ኪህልወና ንደሊ ኢና: እንተዀነ ግን ብዙሓት ሰባት ከምዚ ኺገብሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም። ንመጻኢና ኽንቆጻጸሮ እንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዓቕሚ ዘይብልና ዘይኰንናስ መጻኢና ኣብቲ ሕጂ እንገብሮ ምርጫ ዚምርኰስ ምዃኑ ትገልጽ እያ።”—ዘዳግም 30:19 ኣንብብ።

      Jan. 22

      “ኵላትና ናይ ጥዕና ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ስምዒትና ዚርድኣልና ሓኪም ንደሊ ኢና። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሕሙማት ስምዒት ናይ ሓኻይሞም ኣብ ግምት ዜእትዉዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ሎሚ ሓኻይም ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ከምኡውን ንሕክምና ዚምልከት ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኸም ዘሎ ትገልጽ እያ።”—ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ